እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢልየነር ጃክ ማ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ንምስሊ ቻይና ይቕይሮዶ ይኸውን?
እቲ ዝበለጸ ሃብታም ቻይና፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዩ ትዊተር ተጠቃሚ ኾይኑ። ሕማም ኮሮናቫይረስ ምስ መጽአ።
ዝጥቀዖም ጽሑፋት ድማ፡ እዚ ለበዳ ንምግታእ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለምና፡ ኣብ ሕድሕድ ሃገር ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ዝምልከት እዩ።
'ሓደ ቓልሲ፡ ንሓንቲ ዓለም' [One world, one fight!] ጃክ ኣብ ናይ ፈላማይ ጊዜ ዝጠቀዖ ጽሑፉ እንትኸውን፡
ቅንይ ኢሉ ድማ፡ "ብሓባር ክነዐውቶ ንኽእል ኢና" ክብል ጨሪሑ።
እዚ መሃዚ ስራሕ ዝኾነ ቢልዮነር፡ እቲ ኣብዚ ቀጢን እዋን፡ መድሕን ህይወት ኮይኑ ዘሎ ናይ መተንፈሲ መሳርሕን [ventilator] መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ካብ ሓደ ጫፍ ዓለም ናብ ካሊእ ጫፍ ከግዕዝ ምኽንያት ዝኾነ ሰብ እዩ።
ኣብ 150 ሃገራት ናይ ብዙሓት ህይወት ድማ ኣትሪፉ።
ብዘይካ ናብ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዘጋጠመ ዓንቀፍቀፍ፡ እቲ ኣቑሑት ናብ ከከባቢኡ ብቀሊሉ እዩ በጺሑ።
እንተኾነ ዝሰርሕ ክንቀፍ ግድን እዩ'ሞ፡ ካብ ነቐፌታታትን ጥርጣረታትን ኣየምለጠን።
ነቐፍቱ 'ጃክ ማ ናብ ምንታይ ዓይነት ዓለማዊ ሰብ እዩ ዝቕየር ዘሎ?'- ይሓቱ!
ዓለማዊ ምስሊ ውድብ ኮምኒስታዊ ቻይና ድዩ የዕሪ 'ሎ? ወይስ ነጻ ኾይኑ ግን፡ ንህዝባዊ ርክባትን ፕሮፖጋንዳን እቲ ገዛኢ ፓርቲ መሳርሒ ይውዕል ኣሎ? ይሓቱ።
ነቐፍቱ፡ እዚ ጥርጣረታቶም፡ ጃክ ማ ዝሕግዘን ዘሎ ሃገራት ምስ ቻይና ጽቡቕ ምምሕዛይ ዝፈጠራ እየን- ብዝብል መርተዖ ከደግፍዎ ይፍትኑ።
ጃከ ማ፡ ካብ ካልኦት ብምንታይ ይፍለ?
ካልኦት ካብ ጃ ክማ ንላዕሊ ዝለገሱ'ውን ኣለዉ። ንኣብነት ጃክ ዶርሲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ለጊሱ።
ብሓፈሻ ሓደ ትካል ኣመሪካ ፡ ነዚ ቫይረስ ንምቅላስ ኣብ ዝተገብረ ዓለም ለኻዊ ልግሲ፡ ዓሊባባ መበል 12 እዩ ዝሰርዖ።
እንተኾነ፡ እዚ ኣሰራርዓ ደረጃ፡ ብቐጥታ ብዓይነት ንሃገራት ዝግዕዝ ዘሎ ረድኤት ዘካተተ ከምዘይኮነ እዩ ዝንገር።
ብዙሓት ሃገራት ድማ፡ ኣብዚ እዋን ካብ ገንዘብ ንላዕሊ እዚ ብዓይነት ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ብዙሕ ትርጉም ዝህበን ይመስል።
ዛጊድ፡ ካብኡ ካብ ጃክ ማ ወጻኢ ክንድዚ ናይ ሕክምና መሳርሕታት ዝረድአ ኣካል የለን።
ጃክ ማ ፋውንዴሽንን ዓሊባባ ፋውንዴሽንን ብሓባር ኮይኖም፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ናብ ኣፍሪቃ፣ ኤስያ፣ ኤውሮጳ፣ ላቲን ኣመሪካን ከምኡ ድማ ናብ ኢራን፣ እስራኤል፣ ሩስያን ኣመሪካን ኣድላይ ዝበሃል መሳርሕታት ሕክምና ለጊሶም እዮም።
ጃክ ማ ግን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ዝገብር። ንምምዕባል ኮሮናቫይረስ ክታበት ዝውዕል ገንዘብ'ውን ሆጭ ኣቢሉ እዩ።
ከምኡ ድማ፡ ኣብ ቻይና ፍሉጣት ሰብ ሞያ ጥዕና ዘሰናደእዎ እቲ ቫይረስ ዝምልከት መጽሓፍ፡ ናብ 16 ቋንቋታት ዓለም ተተርጒሙ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ኣገልጋሎት ክህብ ገይሩ እዩ።
እንተኾነ እዚ ወዲ'ዚ ኣይኮነን፡ ኣርእስቲ ኮይኑ፡ ዓለም ዘዘራርብ ዘሎ። እቲ ዘካፋፍሎ ዘሎ ኣቑሑት ሕክምና እዩ ካብ ካልኦት ለገስቲ ዝፈልዮ።
ጸሓፊ ህይወት ታሪኽ ጃክ ማ፡ ዱንካን ክላርክ ከምዚ ይብል።
"ሓንቲ ናይ ኣቑሑት መጓዓዝያ ካብ ቻይና ኣልዒሉ ናብ ኣዲስ ኣባበ ብህጹፍ ከእቱ ድሌት፣ ተኽእሎን ገንዘብን ኣለዎ" ይብል።
ጽቡቕ ምስሊ
ጃክ ማ ፍትው መምህር ቋንቋ እንግሊዝኛ እዩ ነይሩ። ደሓር ድማ፡ ኣብ ቻይና እቲ ዝዓበየ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ክምህዝ ክኢሉ።
ኩባንያኡ፡ ዓሊባባ፡ ሕዚ ሕዚ፡ "ናይ ምብራቕ ዓለም- ኣማዞን" ዝብል ሳጓ እናረኸበ እዩ።
ጃከ ማ፡ ስራሕቲ ንግዱ ኣብ ናይ ሓደ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ሃንግዡ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ዝርከብ ንእሽቶ መንበሪኡ እዩ ጀሚርዎ።
ዓሊባባ፡ ካብ ኣሽዑ ጀሚሩ፡ እናዓበየ መጺኡ። ሎሚ ሓደ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ተዋሳእቲ ኣብ ዘፈራት ፋይናንሳውን መዛነዪን፡ ሓደ ዓብላሊ እዩ።
ጃክ ማ፡ ብውልቅኡ 40 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ይውንን።
ርግጽ፡ ጃከ ማ፡ ካብ ኣቦ መንበርነት ዓሊባባ ብ2018 ብሰናይ ፍቓዱ ወሪዱ እዩ።
እንተኾነ፡ ኣብ ቦርድ ዓሊባባ ቋሚ ኣባል ኮይኑ ክነብር እዩ። ምስቲ ሃብቱን ህቡብነቱን፡ ኣብ ቻይና ወሳኒ ሰብ እዩ።
እንተኾነ ጃክማ፡ ዛጊድ ካብ ሰልፊ ኮምኒስት ቻይና መምርሒ፡ ዝወጽአ ኣይመስልን።
ገለ ምስ ኣንጻር ቻይና ዝኾነት ታይዋን ጽቡቕ ርክብ ዘለዎን ሃገራት፡ ኣብ ዝርዝር እተን ድጋፍ ዝረኸባ ሃገራት ኣይርከባን።
ንኣብነት፡ ከም በዓል ሁንዱራስን ሃይቲን ዝኣመሰላ ሓገዝ መሳርሕታት ሕክምና ዝሓተታ ሃገራት ኣብ በውሽጢ እተን ድጋፍ ዝረኸባ 150 ሃገራት ኣይተኻተታን።
እቲ ፋውንዴሽን ብዛዕባ እዚ ተሓቲቱ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።
ዝኾነ ኾይኑ ግን፡ ብሓፈሽኡ እቲ ግበረ ሰናይ ዝፈጠሮ ምስሊ ኣዝዩ ኣወንታዊ እዩ። ንጃክ ማ ድማ ዝበለጸ ዓለማዊ ምስሊ ኣላቢስዎ።
መንግስታዊ ሚድያ ቻይና ድማ፡ ንጃክ ማ፡ ካብ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ብዘይነኣሰ ስሙ የልዕሎ ኣሎ።
ርግጽ ዢ ጂንፒንግ፡ ኣብ ፈለማ እዋን ነቲ ለበዳ ዝኣለየሉ መንገዲ ሕቶታት እናተልዓልዎ ይርከቡ።
መንግስቲ ቻይና ብሓገዝ ዝለኣኾም መሳርሕታት ሕክምና ድማ ደረጅኡ ዝሓለው ኣይኮነን ዝብል ወቐሳ ይበጽሖ ኣሎ።
ፋውንዴሽን ጃክ ማ፡ ዘወፈዮ ግን ዛጊድ ኣወንታዊ ምላሽ እዩ ዝረኽበሉ ዘሎ።
ኣሰናዳኢ ቻይና ኣፍሪቃ ፕሮጀክት ድረገጽ፡ ኤሪክ ኦላንደር፡ "ርግጽ እቲ ወፈያ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ኣተወ ምብጽጻሕ ብዝምልከት፡ ናይ ሕድሕድ ሃገር ሓላፍነት እዩ" ምሰ በለ፡ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋሜ ዝበሎ ኣዘኻኺሩ።
ፖል ካጋሜ፡ እቲ ወፈያ ኣብ ቁርጺ እዋን ዝተረኸበ እዩ ኢልዎ። "ነዚ ኣህጉር እዚ ብዚ ደረጃ ክሕግዝ ዝኽእል ኣካል የለን' ውን ኢሉ።
ቀጣን ገመድ
እንተኾነ ኣብ ቻይና ፡ ከምዚ ዝበሉ ሰባት ዕድመኦም ነዊሕ ኣይኮነን። ኣይቀንዖምን። ዢ ጂንፒንግ ከምዚ ጸብለልታ ዘርኢ ሰብ፡ ኣይግዱን።
ካብ ገጸ መሬት እዩ ዘጥፍኦም ተባሂሉ እዩ ዝሕመ።
ኣብታ ሃገር አታ ፍልጥቲ ተዋሳኢት፣ ህብብቲ ዜና ኣንባቢት ከምኡ'ውን ገለ ፍሉጣት ሰብ ሃብቲ ኣሰር መሰደሮም የለን።
ንነዊሕ እዋን፡ ኣብዚ ኣተዉ ኣይበሃልን።
ነታ ጋዜጠኛ ወሲኹ፡ ገሊኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተዳጎኑ ይዝረብ። ገሊኦም ድማ፡ ካብ ማእሰርቲ ወጺኦም ናብቲ ገዛኢ ሰልፊ ጎምባሕ ጥልዕ እናበሉ ይርከቡ።
ኣብ ሓደ ትካል ምርምር ድሕነት ኣመሪካ ዝሰርሕ፡ ኣሽሊ ፌንጅ፡ ብሱሩ'ውን ጃክ ማ ካብ ኣቦመንበርነት ዓሊባባ ክወርድ ዝተገበረሉ ካብቲ ገዛኢ ፓርቲ ቻይና ንላዕሊ ስሙ ጸብለልታ እናረኸበ ብምምጽኡ፡ ተደፊኡ እዩ ይብል።
እንተኾነ፡ ጃክ ማ ከምዚ ዓይነት ወረታት፡ ኣይቕበሎምን።
ጸሓፊ ህይወት ታሪኽ ጃክ ማ፡ ዱንኳን ክላርክ፡ ኣብቲ እዋን ጃክ ማ ቅድሚ ፕረዚደንት ቻይና፡ ምስ ኣብቲ እዋን ዝተመርጸ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ተራኺቡ ብዛዕባ ጉዳያት ንግዲ ምዝታዩ ከምዘይተፎተወሉ ኣብ መዝገቡ ኣስፊሩ እዩ ዝበሃል።
"ርግጽ ጃክ ማ ኣብቲ እዋን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ፈጢኑ ኸይዱ እዩ" ምስ በለ ክላርክ፡ ንቐጻሊ ዓብዪ ኣስተምህሮ ከምዝኸውን ገሚቱ።
"ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ቀናእ እዩ። ጃክ ማ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ምውሳዱ ኣይተፎተወሉን"።
ጃክ ማን ሰልፊ ኮምኒስትን ጓኖት ድዮም?
እዚ ናይ ቻይና ቁጽሪ ሓደ ሃብታም፡ ምስ ውድብ ኮምኒስት ቻይና ዝጠበቐ ርክብ እዩ ዘለዎ።
ኣብ 1980ታት ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ እናሃለወ ኣትሒዙ ኣባል እቲ ውድብ እዩ።
እንተኾነ፡ ምስቲ ፓርቲ ዘለዎ ርክብ ሕልኽላኽ ዝመልኦ እዩ።
ከምዚ ኢሉ ድማ ይበሃል ፡ ዓሊባባ ምስቲ ፓርቲ ዘለዎ ርክብ ተሓቲቱ።
"ርግጽ ዓሊባባ ነቲ ፓርቲ ይፎትዎ እዩ፤ እንተኾነ ኣይምርዐዎን"።
ጃክ ማ ዝገበሮ ኩሉ በሕማቕ ይረአ ማለት'ውን ኣይኮነን።
ምኽንያቱ ቻይና፡ ብፍላይ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝኣተወቶ ናይ ቃላት ኲናት፡ ጃክ ማ ዝለገሶ ጠቒሳ እያ ምላሽ ክትህብ ተስተውዒላ።