ዋጋ ነዳዲ ኣብ 18 ዓመት ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ትሑት ዋጋ ጎዲሉ

ዋጋ ነዳዲ ካብ 2002 ንደሓር ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ትሑት ዋጋ ነክዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ድማ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ጠለብ ነዳዲ ወዲቑ ብምህላዉ እዩ።

ሎሚ ሰኑይ ንጉሆ ዋጋ ሓደ በርሚል ድፍድፍ ነዳዲ ናብ 23.03 ዶላር ነክዩ።

ብዙሓት ኣፍረይቲ ነዳዲ፡ ፍርያቶም ኣብ ዝነከዩሉን ኣብ ዝዓጸውሉን ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ዋጋ ነዳዲ ብልዕሊ ፍርቂ እዩ ነክዩ።

ጠለብ ነዳዲ ካብ ምውዳቑ ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ናይ ዋጋ ንሕንሕ ተራእዩ እዩ።

እዚ ድማ፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ምስ ካልኦት ኣፍረይቲ ነዳዲ ኣብ ስምምዕ ዝበጽሓትሉ ፍርያት ናይ ምንካይ ስምምዕ፡ ሩስያ ስለዘይተቐበለቶ እዩ።

ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ኣብ ምሉእ ዓለም ነክዩ እዩ ዘሎ።

ነፈርቲ ደው ኢለን እየን ዘለዋ። ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቓሳት ስለዝኣገዳ፡ ተሽከርከርቲ'ውን ኣይንቀሳቐሳን ዘለዋ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ነዳዲ መጻረይቲ፡ ውሑድ ነዳዲ እዮም ዘጻርዪ ዘለዉ።