ኣብ ትግራይ: ሓደ መንእሰይ ብፖሊስ ተቐቲሉ

ኣብ ትግራይ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት: ምስቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ህፁፅ ኣዋጅ ብዝተኣሳሰር: ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓደ መንእሰይ ከምዝቐተለ ኣዛዚ ፖሊስ ናይታ ወረዳ ኢንስፔክተር የማነ ኪዳነማርያም ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ::

መዋቲ ሓጎስ ንጉስ ዝበሃል መንእሰይ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ናይታ ወረዳ ገሊፁ'ሎ::

ብቕትለት እዚ መንእሰይ: ኮንስታብል ኣንጋው እሸቴ ዝበሃል ኣባል ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ'ውን ኣዛዚ ፖሊስ ናይታ ወረዳ ኣረጋጊፁ::

እቲ ቅትለት: ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ: 19 መጋቢት ጅራ ኣብ እትበሃል ጣብያ ዘጋጠመ ኾይኑ: ፖሊስ ኣብ እንዳ መስተ ንዝነበሩ ሰባት ክብትኑ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ::

እቲ መዋቲ: ብዝተተኮሶ ጥይት ህይወቱ ሽዑ ንሽዑ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ::