እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ: ሓደ መንእሰይ ብፖሊስ ተቐቲሉ
ኣብ ትግራይ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት: ምስቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ህፁፅ ኣዋጅ ብዝተኣሳሰር: ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓደ መንእሰይ ከምዝቐተለ ኣዛዚ ፖሊስ ናይታ ወረዳ ኢንስፔክተር የማነ ኪዳነማርያም ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ::
መዋቲ ሓጎስ ንጉስ ዝበሃል መንእሰይ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስትን ናይታ ወረዳ ገሊፁ'ሎ::
ብቕትለት እዚ መንእሰይ: ኮንስታብል ኣንጋው እሸቴ ዝበሃል ኣባል ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ'ውን ኣዛዚ ፖሊስ ናይታ ወረዳ ኣረጋጊፁ::
እቲ ቅትለት: ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ: 19 መጋቢት ጅራ ኣብ እትበሃል ጣብያ ዘጋጠመ ኾይኑ: ፖሊስ ኣብ እንዳ መስተ ንዝነበሩ ሰባት ክብትኑ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ::
እቲ መዋቲ: ብዝተተኮሶ ጥይት ህይወቱ ሽዑ ንሽዑ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ::