ዓሊባባ ብጾታዊ ዓመጽ ንዝተኸሰሰ ኣካያዲ ስራሕ ክሰጉግ'ዩ

ጎብለል ቴክኖሎጂ ቻይና ዝኾነ ዓሊባባ፡ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠረ ኣካያዲ ስራሕ ካብ ስራሑ ክስጎግ ምዃኑ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድ ተመልኪቱ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ኩባንያ ዳንኤል ዣንግ ናብ ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉዳይ ስጉምቲ ዘይወሰዱ ካልኦት ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብገዛእ ፍቓዶም ስርሖም ከም ገደፉ ኣምልኪቱ።

ዓሊባባ፡ ሓንቲ ሰራሕተኝኡ ላዕለዋይ ሓላፊኣ ኣብ ሆቴል ኣስኪሩ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመላ ምስ ከሰሰት ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ምስ ፖሊስ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ክሲ እታ ሰራሕተኛ ግን ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ቻይና ኣዝዩ ኣዘራረቢ ኮይኑ ከም ዝቐነየ ይዝረብ።

ፈጻሚ ስራሕ ዓሊባባ ዣንግ፡ እቲ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰሰ ኣካያዲ ሰራሕ ምስታ ሰበይቲ ኣብ ፍትወት ዝተመስረተ "ጾታዊ ምቅርራባት" ከም ዝነበሮንን "ሰኺራ" ከም ዝነበረትን ተኣሚኑ'ዩ ኢሉ።

እንተኾነ፡ "ንሱ ክስጎግ እዩ፤ ደጊሙ ድማ ኣይክቑጸርን። ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ድዩ ኣይፈጸመን ዝበሃል ግን ብሕጊ እዩ ዝዳነ" ኢሉ።

ዓሊባባ ነታ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ ጓል ኣንስተይቲ ሰራሕተኛ ኣድላይ ዝበሃል ድጋፍ ይገብረላ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር እትርከብ ጂናን እትበሃል ከተማ ፖሊስ ምጽራያት ከካይድ ጀሚሩ'ዩ።

ዛንታ እታ ግዳይ ኣብ ከም ትዊተር ዝበለ ማሕበራዊ ሚድያ ቻይና [ወይቦ] ዝሰፈረ ኾይኑ ህዝባዊ ምልዕዓላት ፈጢሩ ኣሎ።

ንሳ፡ እቲ ሓላፊኣ ምስ ሓደ ዓሚል ንምዝርራብ ኢሉ 900 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ናብ እትርከብ ከተማ ደፋፊኡ ወሲዱ ድሕሪ ድራር ኣንጊዱ ኣልኮል ክትሰቲ ከም ዘገደዳ እያ ትገልጽ።

ካብኡ ከም ዝሰዓማን ብድሕሪኡ ውኒኣ ስለ ዝሰሓተት፡ ክሳብ ዝወግሕ እንታይ ከም ዝተፈጥረ ከም ዘይትፈልጥ እያ ትዛረብ።

ኣገዲድካ ኣልኮል ምስታይ ገበን ምዃኑ ዓሊባባ ኣፍቲ ደብዳቢኡ ሓቢሩ ኣሎ።