ጥዕና፡ ንናይ ሓንጎል ጥረ ዝፍውስ ሳቲቨክስ እንታይ እዩ?

ኣብ ሓንጐል ደቂ ሰባት ንዘጋጥም ጥረ (መንሽሮ) ንምፍዋስ ዝሕግዝ፡ ካናቪስ ካብ ዝተባህለ መዐወኒ ሓሽሽ ዝስራሕ፡ "ሳቲቫክስ" ዝተባህለ ከም መድሃኒት ኣዝማ ኣብ ኣፍ ዝንጸግ መድሃኒት ንምፍራይን ኣድላይ ሕክምናዊ መርመራ ንምክያድን ዝሕግዝ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ወፈራ ስራሕ ተጀሚሩ'ሎ።

ተመራመርቲ፡ ነቲ ካናቢኖይድ ዝተባህለ (ካብ ካናቢስ ዝርከብ ትሕዝቶ ዘለዎ) "ሳቲቫክስ" ምስ ኬሞቴራፒ ብምውህሃድ ኣንጻር እቲ ብተደጋጋሚ ዝርአ ግሎብሊያስቶማ ዝተባህለ ሕማም ክጥቀምሉ ይጽዕሩ ኣለው።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዓመታዊ፡ ኣስታት 2,200 ሕሙማት በቲ ቅድሚ ዓሰርተ ወርሒ ዝቐትል ሕማም ይጥቅዑ።

ናይ ሓንጎል መንሽሮ ንዘጋጠሞም ሕሙማት ዝሕብሕብ ሓደ ማሕበር ግብረ ሰናይ ብዛዕባ እቲ መድሃኒት ንሰለስተ ዓመት ንምምርማር ዝሕግዝ 450,000 ፓውንድ ገንዘብ ከዋጽእ ወፈራ ኣበጊሱ ኣሎ።

ሕክምና ዓዲ ኢንግሊዝ ካብ 2019 ኣትሒዙ ናይ ጭዋዳ ምጭባጥን ምድራቕን ጸገማት ንዘጋጥሞም ሕሙማት ቲኤችሲን ካናቢዲዮልን ዝተባህሉ ባእታታት ዝሓዘ ሳቲቬክስ ክጥቀም ጸኒሑ እዩ።

ተመራመርቲ፡ ኣብ እዋን ቅመማ ነቲ መድሃኒት ከም ኬሞቴራፒ ዝኣመሰለ ካልእ ባእታ እንተ ወሲኽካሉ ንሓፈሻዊ ኩነታት እቶም ሕሙማት ከመሓይሾን ዕድመአም ከናውሖን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።

እቲ መርመራ ዕዉት እንተደኣ ኰይኑ፡ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሕክምና ዓባይ ብሪጣንያ (ኤን.ኤች.ኤስ) ግሎብላስቶማ ንዝተባህለ ዓይነት መንሽሮ ክግበር ዝጸንሐ ፍወሳ ኣዝዩ ከመሓይሾ እዩ።

እቲ ብዩኒቨርሲቲ ሊድስ ዝምራሕ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ምስ ዝርከቡ ኪኢላታት ምርምር ተወሃሂዱ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምርምር ፈተነ፡ ኣብ መጀመርታ 2022 ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከባ 15 ሆስፒታላት፡ ኣብ ልዕሊ 230 ሕሙማት ምርመራ ክጅምር እዩ ።

ኣቦኡ ብሰንኪ ብናይ ሓንጎል መንሽሮ ዝሞቶ ተዓዋቲ ወርቂ ሜዳልያ ኦሎምፒክ ቶም ዳለይ፡ ነቲ ምርምር ዘተባብዕ ናይ ቪድዮ ጎስጓስ ኣዳልዩ ብማዕከናት ዜና ዘርጊሑዎ ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ፡ ፕሮፌሰር ክሊኒካል ኦንክኖሎጂን ኒውሮ ኦንክሮሎጂን ዝዀነት ፕሮፌሰር ሱዛን ሾርት፡ "ዋላ እውን ጥረ ሓንጎል ብመጥባሕቲ፡ ራድዮቴራፒን ኬሞቴራፒን እንተተኣልየ፡ ዳርጋ ኵሎም እዞም ኣብ ሓንጐልና ዝርከቡ ጥረታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንደገና ይዓብዩ እዮም። እቲ ሕማቕ መዳይ ናይቲ ሕማም ከኣ ንሱ እዩ። እቶም ሕሙማት ሓንሳብ ጥረ ሓንጎል እንተወጺኡዎም እቲ ዘለዎም ኣማራጺታት ሒደት እዩ" ትብል።

"ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ካብ ካናቢኖይድን ኬሞቴራፒን ዝተወሃሃደ፡ ብምርምር ዝፍተን ዘሎ ብኣፍ ከም ስፕረይ ዝውሰድ መድሃኒት፡ ንሕሙማት ግሎብሶማ (ዓይነት ናይ ሓንጎል ካንሰር) ንንውሕ ዝበለ ዕድመ ንክነብሩ ዝሕግዞም እንተኾይኑ ክንርኢ ተሃንጢና ኣለና" ኢላ።

ህይወት ድሕሪ ሕማም መንሽሮ አእምሮ

ኣብ ለይላንድ ላንካሺር ዓባይ ብሪጠንያ ዝነብር ወዲ 62 ዓመት ስቲቨን ሊ፡ ብ2010 ዓቢ ሓው ብተመሳሳሊ ሕማም ድሕሪ ምማቱ ንሱ እውን ተመሳሳሊ ሕማም ከም ዝሓመመ ብመርመራ ተነግሮ።

ብ2015 ኣብ እተጀመረ ፈላሚ ናይ መድሃኒት ምርምር ፈተነ ዝተዋስአ ሚስተር ሊ"ሕማመይ ብሃንበደት እዩ ተፈሊጡ። እቲ ሕማም ምስ ተነገርኩ ዝተሰመዓኒ ስምዐዒት ክርስዖ ኣይክእል እየ" ይብል።

"ንግሆ ንግሆ ከቢድ ሕማም ርእስን ብርቱዕ ቃንዛን ስለ ዝገብረለይን የማናይ ዓይነይ ሸቕ ሸቕ ስለ ዘብለንን፡ እቲ ሓወይ ዘሕለፎ ተመክሮ ብምዝካር በዓልቲ ቤተይ ቀልጢፍና ናብ ሆስፒታል ክንከይድ ደፋፊኣትኒ።

"ነቲ ብ2016 ዝተወደአ ኣብ ምርምር ዝነበረ ሳቲቬክስ መድሃኒት ድሕሪ ምውሳደይ ምስተመርመርኩ ኣብ ርእሰይ ዝኾነ ይኹን ጥረ ኣይተረኽበን።

"እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ናይ ምርምር ፈተና ከኣ፡ ሰባት ካብ ሕማም ግሎብሶማ (ናይ ሓንጎል ካንሰር) ነጻ ኮይኖም ወይ ነቲ ሕማም ተጻዊሮም ህይወቶም ናይ ምምራሕን ናይ ምንባርን ተስፋ ስለ ዝህቦም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ኢሉ።