እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መካነ እንስሳት ዝርከቡ ጉማረታት ብኮቪድ ተለኺፎም
ኣብ ቤልጂየም ኣብ መካነ እንስሳት ዝርከቡ ክልተ ጉማረታት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊፁ።
እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ጉማረታት ናብ መወሸቢ ማእኸል ከምዝተወሰዱ ድማ ተገሊፁ።
ዛጊድ፡ እቲ 14 ዝዕድሚኡ ኢማኒን 41 ዓመታ ሄርሚንን ብኸመይ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ኣይተፈለጠን።
እቶም ክልተ ጉማረታት ኩሉ ግዘ ኣፍንጭኦም ይትርክስ (ይንፍጥ) እኳ እንተነበረ፡ እቶም ካልኦት ኣብ መካነ እንስሳት ኣንትወርፕ ዝርከቡ እንስሳት’ውን ምርመራ ኮሮናቫይረስ ተጌርሎም እዩ።
ካብ ኮቪድ ናፃ ከም ዝኾኑ ክሳብ ዝረጋገፅ ድማ፡ ኣብቲ ሕዛእቲ ምስቶም ጉማረታት ቅድሚ ዝኾነ ዓይነት ምትንኻፍ ምግባር መምርሕታት ኮሮናቫይረስ ተግባራዊ ክኾኑ መካነ እስሳት ኣንትወርፕ ኣዚዙ ኣሎ።
ብብርኪ ዓለም ብዙሓት እንስሳት ዘገዳምን ዘቤትን ብሳርስ-ኮቭ 2 ከምዝተለኸፉ ብዙሓት ፀብፃባት ሓቢሮም’ዮም።
ዋላ’ኳ ብልሙድ ኣፍንጫ ጉማረታት ራሕሲ ዘይፍለዮ እንተኾነ፡ ሓኻይም እቲ ሕዛእቲ፡ እቶም ጉማረታት ክንፍጡ ምስተዓዘብዎም ከመርምርዎም ወሲኖም።
ኣብዚ እዋን እቶም ጉማረታት ኣብ ሓፁር ዝተዓፀዉ እንትኾኑ፡ ካብ ኮቪድ ናፃ ዝኾኑ ሓለውቶም’ውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ናይ ድሕንነት መነፀር ክገብሩ ግድን ኮይኑ ኣሎ።
ሓኪም መካነ እንስሳት ኣንትወርፕ ፍራንሲስ ቨርካሚን፡ “ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ እቲ ቫይረስ ነዞም ዓሌት እንትለክፍ ፈላማይ ክስተት’ዩ። መብዛሕትኡ ግዘ እዚ ቫይረስ ንዓሌት ድሙን ህበይን እዩ ዝለክፍ” ኢሉ።
ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን’ውን ካናዳ፡ ሰለስተ ዓጋዘናት ብኮቪድ-19 ምልካፎም ኣፍሊጣ ኔራ።
እዚ ክስተት ኣብታ ሃገር ንፈለማ እዋን ዝተመዝገበ መልከፍቲ እንስሳት ዘገዳም እዩ።
ኣብ እንስሳት ዝካየድ ምርመራ ድሩት ብምዃኑ ድማ፡ ኮቪድ-19 ኣብ እንስሳት ዘገዳም ክንደየናይ ከምዝላባዕ ኣይፍለጥን።