እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮና ቫይረስ ብኸመይ ክትከላኸልዎ ትኽእሉ?
ሓደ ካብ ሜላታት ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ: ኢድካ ምሕፃብ ከርእየኩም እየ:: መጀመርታ ኢድና ምሉእ ብምሉእ ብማይ ክነተርክሶ ኣለና:: ደሓር ኣብ ኢድና ሳሙና ብምሓዝ ምሉእ ብምሉእ ክነባፅሐሉ ይግባእ:: ሳሙና ምስ ዓፈረ: ክልቲኡ ከብዲ ኢድና ኣራኺብና ንፍሕፍሖ::