እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን ብምርካባ 'ተቐጺዓ'
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ዘሎ ኦሚክሮን ዝተባህለ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብምርካባ ኣብ ክንዲ ምስጋና ይቕጻዕ ኣለኹ ብምባል ተቓዊማ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኩለን ሃገራት ዓለም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ጉዕዞ ከም ዝኣገዳ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ "ብሉጽ ሳይንስ ክንኣድ እምበር ክቕጻዕ ኣይግባእን" ብምባል እቲ እገዳታት "ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ቐልጢፍካ ሓድሽ ዓሌት ናይ ምፍላጥ ዓቕሚ ንምቕጻዕ ዝዓለመ'ዩ" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ኦሚክሮን ልዑል ናይ ምትሕልላፍ ሓደጋ ከም ዘለዎ ይሕበር።
ውድብ ጥዕና ዓለም ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ቫይረስ "ዘተሓሳስብ'ዩ" ምባሉ ይዝከር።
በዚ ምኽንያት ብዓርብን ቐዳምን ብዙሓት ሃገራት ሓደሽቲ ስጉምታት ኣዊጀን።
ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ናሚብያ፣ ዙምባብወ፣ ቦትዋና፣ ኣንጎላ፣ ሞዛምቢክ፣ ማላዊ፣ ዛምቢያ፣ ሌሴቶን ኢስዋቲንን ዝመጽኡ ተጉዓዝቲ ናብ ኢንግሊዝ [ካብ ዜጋታት፣ ነበርቲ ወይ ኣየርላንዳውያን ወጻእ] ኣይፍቀደሎምን።
ሰብ መዚ ኣመሪካ እውን ናብዘን ሃገራት ክጉዓዙ ኣይፍቀደሎምን።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ብሪጣኒ [ክልተ]፣ ጀርመን [ክልተ]፣ ቤልጅም [ሓደ]፣ ጥልያን [ሓደ] በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ክርከቡ እንከለው፡ ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ'ውን ተራእዩ ኣሎ።
እስራኤል'ውን እዚ ሓድሽ ቫይረስ ክትረክብ እንከላ ካብ ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ዝኾነ ወጻእተኛ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ኸልኪላ ትርከብ።
እዚ ን14 መዓልታት ዝጸንሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ መልከፍቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ ቦትስዋና፣ ሆንግ ኮንግን እስራኤልን ተራእዩ ኣሎ።
ኣማኢት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኔዘርላንድስ ዝተጉዓዙ ሰባት በዚ ሓድሽ ቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም ተረኺቦም ኣለው።
ኦሚክሮን፡ ብ24 ሕዳር 2021 መጀመርታ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሪፖርት ተገይሩ።