እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኦሚክሮን’ ዝተሰመየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣሻቓሊ ምዃኑ ተገሊጹ
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከብ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ “ዘተሓሳስብ” ኣብ ዝብል ምድብ ከቐምጦ እንከሎ ‘ኦሚክሮን’ ዝብል ስያመ ሂብዎ ኣሎ።
እዚ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብብዙሕ ናይ ለውጢ መስርሓት ዝሓለፈ ኮይኑ፡ ኣቐዲሞም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ ሰባት ዳግማይ ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ከዛይዶ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።
እዚ ንፈለማ እዋን ቅድሚ ክልተ መዓልትታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ዝተገበረሉ ቫይረስ ድሮ ኣብ ቦትስዋና፡ ቤልጅዩም፡ ሆንግኮንግን እስራኤልን ተረኺቡ ኣሎ።
በዚ’ውን ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብን ናብን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር በረራታት ይእግዳ ኣለዋ።
ኣመሪካ ንኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ስዒባ ነዚ ናይ በረራ እገዳ ውሳነ ክተሕልፍ እንከላ ካናዳ’ውን ናይ ጉዕዞ እገዳታት ተተኣታቱ ከምዘላ ተፈሊጡ።
ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ካብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቦትስዋና፣ ዝምባብዌ፣ ናሚብያ፣ ሌሴቶ፣ ኤስዋቲኒ፣ ሞዛምቢክን ማላውን ዝግበሩ ናይ ነፈርቲ በረራታት ክእገድ ምዃኑ ኣፍሊጦም።
ብራዚልን ኣውስትራልያ’ውን ናይ መገሻ እገዳታት ምውሳነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ቅልጡፍ ዝበሎ ናይ ጉዕዞ ክልከለታት ነቒፍዎ።
ተመራመርቲ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተወሳኺ ኣፍልጦ ከምዘድልዮም ዝገለጹ ኮይኖም ውድብ ጥዕና ዓለም ብግድኡ ክሳብ ክንደየናይ ተመሓላላፋይን ጸላውን ከምዝኾነ ንምርዳእ ሰሙናት ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።
“ሕማቕ ዜና’ኳ እንተኾነ መወዳእታ ዓለም ኣይኮነን”
ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ኦሚክሮን ዝተሰመየ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኩለን ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ይውስኽ ዘሎ ይመስል ኢሉ።
“እዚ ዓሌት ብዙሓት ዓይነታት ኣለውዎ ገሊኦም ዘተሓሳስቡ እዮም” ኢሉ።
እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኦሚክሮን ዝብል ስም ቅድሚ ምርካቡ ‘ቢ.1.1.529’ ብዝብል እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። “እቲ ዓሌት ምህላው ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተኣከበ ቅምሶ እዩ ተፈሊጡ” ይብል እቲ መግለጺ።
ተመራመርቲ እቲ ዓሌት ዝመሓላለፈሉ ፍጥነት ንምፍላጥ ይሰርሑ ከምዘለው ክግለጽ እንከሎ ነቲ ተጽዕኖ ንምፍላጥ ሰሙናት ከም ዘድልይ ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ዝዋሃቡ ዘለው ክታበታት ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ዓሌት “ብርጉጽነት” ውጽኢታውያን ከምዘይኮኑ ሰበመዚ ጥዕና ብሪጣንያ ይገልጹ ኣለው።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ስትራክቸራል ባዮሎጂስት ፕሮፌሰር ጀምስ ናይስሚት ግና “እዚ ሕማቕ ዜና’ኳ እንተኾነ መወዳእታ ዓለም ግና ኣይኮነን” ኢሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ነተን ተቐላጢፈን እገዳታት መገሻ ዝገበራ ሃገራት ከጠንቅቕ እንከሎ “ንስግኣት መሰረት ዝገበረን ስነፍልጠታውን ኣካይዳ ብምኽታል ክውስና ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።