ዝርርብ ባይደንን ዢን፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ታይዋን 'ብሓዊ ካብ ምጽዋት' ክትቁጠብ ቻይና ኣጠንቂቓ

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ታይዋን ዘሎ ህልዊ ኩነታት ንምቕያር ኮነ ኣብታ ደሴት ሰላም ንምዝራግ ንዝግበር "ንበይነኣዊ ጻዕርታት" ኣትሪራ ከም እትቃወም፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንቻይናዊ መዘንኡ ዢ ጂንፒን ገሊጹ።

እቲ ርእይቶ ዝተዋሃበ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ንፈለማ እዋን ብማንዛ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እዩ።

ሚስተር ባይደንን ሚስተር ዢን ኣብ ካልእ ኣዘራረብቲ ጉዳያት እውን ከምዝዘተዩ ክግለጽ እንከሎ፡ ቻይና ኣብ ክፍለሃገር ዚንጅያንግ ከምኡ'ውን ኣብ ሆንግ ኮንግ እትገብሮ ንጥፈታት ገለ ካብቲ ዛዕባታት ምንባሩ ተሓቢሩ።

ሚስተር ዢ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ንነጻነት ታይዋን እትገብሮ ድጋፍ፡ "ብሓዊ ከም ምጽዋት" ምዃኑን "እቶም ብሓዊ ዝጻወቱ ክቃጸሉ ምዃኖምን" ምዝራቡ ሮይተርስ ንመራኸቢ ብዙሓን ቻይና ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ሚስተር ባይደን ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር እዚ ርክብ ክለቲኦም መራሕቲ፡ እቲ ዝጭበት ዝርርብ ዝተኻየደሉ ምዃኑ ይግለጽ።

ቤተመንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ባየደን "ኣመሪካ ንፖሊሲ 'ሓንቲ ቻይና' ዘለዋ ድጋፍ ቀጻሊ ምዃኑ" ከምዝገለጸ ሓቢሩ።

"ኣብ ታይዋን ንዘሎ ህልዊ ኩነታት ንምቕያር ኮነ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ንዘሎ ሰላም ንምዝራግ ዝግበር ንበይነኣዊ ጻዕርታት ኣትሪራ እያ እትቃወም" ኢሉ።

ፖሊሲ ሓንቲ ቻይና መኣዝን ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ኮይኑ፤ ብመሰረት'ዚ ኣመሪካ ንደሴት ታይዋን ዘይኮነ ንቻይና ኣፍልጦ ትህብን ወግዓዊ ዝምድና ይህልዋን። ቻይና ንታይዋን ሓደ መዓልቲ ምስ ዋና መሬት ምጽንባራ ዘይተርፋ ከም ሓንቲ ተነጻሊት ዞባ እያ እትቖጽራ።

እንተኾነ ግና ኣመሪካ ነቲ፡ ታይዋን መጥቃዕቲ ምስ ዘጋጥማ ርእሰ ምክልኻል ክትገብር ክትሕግዛ ከም ዝግባእ ዝነገር፡ ንኣዋጅ ዝምድናታት ታይዋን'ውን ተኽብር እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚስተር ባይደን፡ ቻይና ነታ ደሴት እንተኣጥቂዓ ኣመሪካ ንታይዋን ከትከላኸለላ ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ካብቲ ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ሒዛቶ ዝጸንሐት ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ውጽእ ዝበለ ኮይኑ፤ እንታይ ከም እትገብር'ውን ብንጹር ዘይነግር'ውን እዩ።

ኩነታት እቲ ኣኼባ ከመይ ነይሩ?

እቲ ኣኼባ ክልቲኦም መራሕቲ ምውቕ ሰላምታ ብምልውዋጥ ዝፈለመ ኮይኑ፡ ሚስተር ዢ "ንናይ ቀደም" መሓዝኡ ሚስተር ባይደን ብምርኣዩ ሕጉስ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

ሚስተር ባይደን ብወገኑ፡ "ወላ'ኳ ኣነን ንስኻን ንሓድሕድና ወግዓውያን ኮይንና ዘይንፈልጥ እንተኾንና ምናልባት ኣነ ብኣገባብ ክጅመር መስለኒ" ኢሉዎ።

ወሲኹ'ውን ክልቲኦም "ንሓድሕዶም ወትሩ ብቅንዕናን ብገርህነትን" ከምዝዘራረቡ ድሕሪ ምግላጽ "እንታይ ይሓስብ ነይሩ ዝብል ነገር ሒዝና ተፈላሊና ኣይንፈልጥን ኢና" ኢሉ።

ክልቲአን ሃገራት ርክባተን ከመሓይሻ ኣለወን ዝበለ ሚስተር ዢ፡ ንብድሆታት ብሓባር ክገጥማ ከምዘለወን ተዛሪቡ።

"ሰብ ኣብ ግሎባዊ ቁሸት እዩ ዝነብር፡ ብዙሕ ብድሆታት ከኣ ብሓባር ኢና እንገጥም። ቻይናን ኣመሪካን ርክባትን ምትሕብባርን ከሐይላ የድልየን" ድሕሪ ምባል "ንዝምድና ቻይናን ኣመሪካን እወታዊ ብዝኾነ መገዲ ንቕድሚት ንምስጓም ምሳኻ ብሓባር ንምስራሕ ድልው እየ" ኢሉ።

ክልእ ዝተልኣለ ጉዳየት እንታይ ነይሩ?

ከም ንግዲ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ ጣውላ ቀሪቦም ነይሮም። ሚስተር ባይደን "ንኣመሪካውያን ሰራሕተኛታትን ኢንዱስትሪታትን ፍትሓዊ ካብ ዘይኮነ ንግዳውን ቁጠባውን ተግባራት ቻይና ምሕላው" ኣድላዪ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ጉዳይ ተሪር ርእይቶ ዝሃበ ሚስተር ዢ፡ ኣመሪካ "ንኣምር ሃገራዊ ረብሃ ብምምዝማዝ ንቻይናውያን ኩባንያታት ካብ ምጭፍላቕ ክትቁጠብ" ንፕረዚደንት ባይደን ምዝኽኻሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ሚስተር ባይደን ንጉዳይ ተግባራት ቻይና ኣብ ዚንጅያንግ፡ ቲቤትን ሆንግ ኮንግን ብምጥቃስ ሻቕሎቱ ከም ዝገለጸ እኳ እንተተሓበረ ዝርዝራት ግና ኣይተገለጸን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልቲአን ተነሓናሕቲ ሃገራት፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምብዳህ ኣብ ግላስጎው ስኮትላንድ ሓባራዊ መግለጺ ምውጽአን ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ፕረዚደንት ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ንሳልሳይ ግዜ እዮም ዝዘራረቡ ዘለው።

ሚስተር ዢ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ካብ ቻይና ወጻኢ መገሻ ኣይገበረን ኣሎ።

ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን ንኽልቲኦም ወገናት ኮነ ንመላእ ዓለም ኣገዳሲ ኮይኑ፤ ቤይጂን ነቲ ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ዝሓርፈፈ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምምሕያሽ ናብ ሓድሽ ምምሕዳር ዋሽንግተን ተደጋጋሚ ጻውዒት ክትገብር ጸኒሓ እያ።