ኮፕ26፡ ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ጉዳይ ክሊማ ዘይተሓስበ ስምምዕ ገይረን

ቻይናን ኣመሪካን ኣብ'ቲ ኣብ ግላስጎው ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ለውጢ ከባቢ ኣየር [ክሊማ] ዘይተሓሰበ ስምምዕ ገይረን ተባሂሉ።

እተን ብዙሕ ጋዝ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ናብ ኣየር ከም ዝሰዳ ዝእመነለን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀጻሊ ዓሰርተ ዓመታት ለውጢ ከምጽእ እዩ ተባሂሉ ዝተተስፈወሉ ስምምዕ ከም ዝገበራ ብወግዒ ኣፍሊጠን።

ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ነቲ ኣብ 2015 ኣብ ፈረንሳይ ዝተኣተወ 'ውዕል ፓሪስ' እናተባህለ ዝጽዋዕ ስምምዕ ኣኽቢረን ንተግባራዊነቱ ክሰርሕ ንፈላማ እዋን ብሓባር ቃል ኣትየን።

እቲ ስምምዕ ዋዒ ኣብ 1.5 ድግሪ ሴንትግሬድ ኮይኑ ጠጠው ንክብል ዘኽእል እዩ።

ነዚ ሽቶ ንምውቃዕ ዘድልዩ ስጉምቲታት ክወስዳ ድማ ተመጻቢዐን፤ ንካልኦት'ውን ጻወዒት ገይረን።

ተመራመርቲ፡ ዋዒ መሬት ናብ 1.5 ድግሪ ሴንትግሬድ ክወርድ ምግባር እቲ ካብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ንምግታእ ከም ዘኽእል እዮም ዝዛረቡ።

እዚ መጠን ዋዒ፡ ኣብ ዘበነ ሰውራ/ወያነ ኢንዱስትሪ ምስ ዝነበረ ዝመጣጠን እዩ ተባሂሉ።

ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ መራሕቲ ዓለም ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት፡ ናብ ኣየር ዝልቀቕ ጋዝ ብምንካይ ዋዒ ዓለም ኣብ መንጎ 1.5ን 2ን ዲግሪ ሴንትግሬድ ክውሰን እዮም ተስማሚዖም ነይሮም።

ላዕለዋይ ተደራዳሪ ቻይና ዢ ዤንዋ፡ ኣብ ጉዳይ ክሊማ ቻይናን ኣመሪካን ካብ ዘፈላለየን ዘስማምዐን ከም ዝበዝሕ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንታት ኣመሪካን ቻይናን፤ ባይደንን ዢ ጂንፒንግን ድማ ኣብ መጻኢ ሰሙን ኣብ ቐጥታዊ [ቪርቹታል] ኣኼባ ክዘራረቡ እዮም ተባሂሉ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ብዙሓት ኣካታዕቲ ጉዳያት ዓለም ክሰማማዕ ምርኣይ ልሙድ ኣይኮነን።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ብሓባር ወግዓዊ ዝገበርዎ ቃል ግን፡ ልቀት ጋዝ ሚቴን ኣብ ምንካይ፣ ናብ ጽሩይ ኢነርጂ ኣብ ምስግጋርን ጋዝ ካርቦን ኣብ ምጉዳልን ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ዓበይቲ ስጉምታት ሓቢሮም ክሰርሑ ንፈለማ እዋን ተስማዐን።

ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብፍላይ ንተፈጥሮ ኣዝዩ ሓደጋኛ ምዃኑ ዝንገረሉ ሚቴን ጋዝ ኣብ ምንካይ ኣይስማመዕን ብምባላ ሻቕሎት ፈጢሩ ነይሩ።

እዚ ኣብቲ ዛዕባ፡ ሰፊሕ ቦታ ዝወሃቦ ስምምዕ ዳርጋ ብ100 ሃገራት ከም ዝተፈረመ እዩ ዝንገር።

ዋና ተደራዳሪ ክሊማ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ብወገኑ፡ "ኣመሪካን ቻይናን ብዙሕ ዘፈላልየን ኣሎ፤ ኣብ ጉዳይ ክሊማ ግን ሓቢርካ ብምስራሕ ጥራይ ፍታሕ ከም ዝመጽእ ይፈልጣ እየን" ኢሉ።

"ነፍሲ ወከፍ ስድርታትና ኣገዳሲ እዩ፤ ንቕድሚት ድማ ገና ነዊሕ ጉዕዞ ይተርፈና" ክብል ወሲኹ።

ኣብቲ ኣብ ግላስኮው ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኮፕ26 ናይ ወመወዳእታ ዝተባህለ ስምምዕ ረቂቕ ሰነድ ክፍረም ተዳልዩ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ መራሕቲ ሃገራት ንሃገራዊ ተደራደቶም ሙሉእ ስልጣን ክህቡን፡ ዋዒ ዓለም ካብ 1.5 ሴንትግሬድ ከይሓልፍ ንምግባር ዘኽእል ውዕል ክብጻሕን ተማሕጺኑ ኣሎ።