እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ንፈተነ ሚሳኤል ጸረ-ሳትላይት ሩስያ ኮኒና
ኣመሪካ ኣብ ዓለም ለኻዊ መደብር ህዋ (ኣይኤስኤስ) ንዘለዉ ጠፈርኛታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ 'ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን' ፈተነ ሚሳኤል ኣካይዳ ንዝበለታ ሩስያ ኣውጊዛ፡፡
ሩስያ በቲ ፈተነ ሚሳኤል ናይ ባዕላ ሳተላይት ዘዕነወት ኮይና፡ እቶም ጠፈርተኛታት ካብቲ ስብርባራት ንምህዳም ኣብ መንኮርኩር ክሕብኡ ተገዲዶም እዮም፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ኣብ ህዋ ዝርከብ ማእከል ኣርባዕተ ኣመሪካውያን፣ ሓደ ጀርመናውን ክልተ ሩስያውያንን ብጠቕላላ ሸውዓተ ጠፈርተኛታት ኣለዉ፡፡
እቲ ናይ ጠፈር ማእከል ኣብ 420 ኪሜ ብራኸ እዩ ዝዘውር፡፡
ወሃቢ ቃል ስቴት ዲፓርትመንት ነድ ፕራይዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሎሚ ሩስያ ኣብ ናይ ባዕላ ሳትላይት ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣዕናዋይ ፈተነ ሚሳኤል ጸረ-ሳትላይት ኣካይዳ" ክብል ወቒሱ፡፡
"እቲ ፈተነ ናይ ኩለን ሃገራት ድልየት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ልዕሊ 1500 ብዓይኒ ዝረኣዩን ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ደቀቕትን ዑደታዊ ስብርባራት ፈጢሩ ኣሎ"
ኣማሓዳሪ ናሳ ቢል ኔልሰን እውን በቲ ተግባር ከምዝሰምበደ ተዛሪቡ።
ኣብ ናይ ጠፈር በረራታት ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሩስያ፡ 'ንዜጋታታን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ናብ ሓደጋ ዘእቱ ተግባር ክትፍጽም እያ ኢልካ ትጽቢት ኣይግበርን" ኢሉ፡፡
ኤጀንሲ ጠፈር ሩስያ ሮስኮስሞስ ግና ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብምንኣስ ነታ ሳትላይት ካብ ዑደት እቲ ማእከል ናይ ምውጻእ ተግባር ብዝተሓሰበሉ መገዲ ከምዝሳተለጠን እቲ ማእከል ኣብ ስሩዕ ስርሑ ከምዘሎን ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ሓደጋ ከየብጸሐ ዝሓለፈ ኣካላት ካብታ ኣብ 1982 ዝተልኣኸት ናይ ሩስያ ናይ ስለላ ሳትላይት ኮስሞስ-1408 ዝመጸ እዩ።
እታ ልዕሊ ሓደ ቶን እትምዘን ሳትላይት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት እያ ምስራሕ ደው ኣቢላ።
ነቲ ተግባር ‘‘ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን’’ ክብል ዝኾነኖ ወሃቢ ቃል ነድ ፕራይዝ፡ ‘‘ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባሮም ምላሽ ንምሃብ ኣመሪካ ምስ መሓዙታን ሓገዝታን ክትሰርሕ እያ’’ ኢሉ፡፡
እቲ ፈተነ ድሕነት ህዋ ኣብ ግምት ዘየእተወ እዩ ክብል ዝተቓወመ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩናይትድ ኪንግደም በን ወላስ ብወገኑ ‘‘ ካብዚ ፈተነ ዝተፈጠሩ ስብርባራት ኣብ ምህዋር ክጸንሑ እዮም፤ እዚ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ንናይ ህዋን ሰብኣዊ በረራታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ’’ ኢሉ፡፡
ተመሳሳሊ ፈተነታት ሓሊፉ እዩ ዝካየድ፤ ከባቢ ኣየር ህዋ ስለዝብክል ግና ከቢድ ዝኾነ ውግዘት እዩ ዘስዕብ፡፡
ቻይና ኣብ 2007 ምስራሕ ደው ዘበለት ናይ ኩነታት ኣየር መቆጻጸሪት ሳትላይት ኣብ ዘዕነወትሉ እዋን፡ ልዕሊ 2000 ዝረኣዩ ስብርባራት ኣብ ህዋ ተበቲኖም እዮም፡፡ እዞም ስብርባራት ናብ ህዋ ኣብ ዝግበሩ በረራታት ዕንቅፋት ከምዝፈጥሩ እዩ ዝግለጽ፡፡