እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆ ባይደን ፑቲንን ዢ ጂንፒንግን ኣብ ኣኼባ ኮፕ-26 ዘይምስታፎም ነቒፉ
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን መራሕቲ ሃገራት ሩሲያን ቻይናን ኣብ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይምስታፎም ነቒፉ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ኣብ ግላስጎው ክካየድ ጀሚሩ ዘሎ ኣኼባ መራሕቲ ዓለም ብደረጃ መራሕተን ኣይተሳተፋን ዘለዋ።
ወከልቲ እተን ሃገራት ኣብቲ ኣኼባ እንተተረኸቡ'ውን፡ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲንን ቻይናዊ መዘንኡ ዢ ጂንፒንግን ግን ኣብቲ ኣኼባ ኣይተረኸቡን።
በዚ ፕሬዝደንት ባይደን ሕጉስ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ።
ንሱ ትማሊ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ዓብዪ ኣጀንዳ ዓለም ኮይኑ እናሃለወ፡ ቻይና እዚ ዓብዪ ጉዳይ ዕሽሽ ምባላ፣ ሩሲያ'ውን ነዚ ዓብዪ ግምት ዘይምሃባ ልክዕ ኣይኮነን ብምባል ነቒፉ።
ቅድሚኡ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብርሑቕ ኣብቲ ኣኼባ ብምስታፍ ብቴሌቪዥን ዘረባ ኣስሚዑ'ዩ።
እዚ መንግስታት ዓለም ዝዝትይሉ ዘለው ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢ፡ ክሳብ 14 ሕዳር 2021 ክቕጽል እዩ።
ቻይና ኣብ ዓለም ልዑል ልቀት ካርበንዳይ ኦክሳይድ ዘለዋ ሃገር ኮይና ኣመሪካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ።
ሩሲያ ድማ ንሕብረት ኤውሮጳን ህንድን ስዒባ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ትርከብ።
ኣብዚ ኣኼባ መራሕቲ 120 ሃገራት ኣብ ስኮትላንድ ተራኺቦም ይዝትዩን መብጽዓታት ይኣትውን ኣለው።
ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ጽኑዕ መርገጺ ብምሓዝ ድማ ብርክት ዝበሉ ስምምዓት ክፍርሙ ትጽቢት ኣሎ።
ትማሊ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ዝብሃሉ ስምምዓት ክፍረሙ እንከለው፡ እዚኦም ድማ ክሳብ 2030 ብርሰት ኣግራብ ጠጠው ምባልን ልቀት ግሪን ሃውስ ሜቴይን ምንካይን ዝርብሉ ይርከቡዎም።