ድሕሪ ዝፈጸሞ ስርቂ ከይፈለጠ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ኢንተርነት መንነቱ ዝቐልዐ ግብጻዊ

ምንጪ ስእሊ, YOUM7/FACEBOOK
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግብጺ፡ ንሓደ ከይፈለጠ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መንነቱ ዘቃልዐ ግብጻዊ "ምርኡይ ሰራቒ" ክብሉ ይገልጽዎ ኣለዉ።
ናይ ሓደ 'ዮም7' ዝተባህለ መርበብ ዜና ዝኾነ ጋዜጠኛ ዝኾነ ማሕሙድ ራገብ ብቐጥታ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ጸብጻብ ኣብ ዘመሓላለፈሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ሰራቒ ሞተርብሽክሌታ ተጠቂሙ ንእግረመገዱ ንቴለፎኑ መንዚዕዋ።
እንተኾነ ግን እቲ 'ተዓዊተ' ኢሉ ሽጋራኡ እናትከኸ ዝሕንበብ ዝነበረ ጒሒላ፡ ከይተፈለጦ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ብምእታዉ ገጹ ምስ ኣሽሓት ተኸታተልቲ ኣላልዩ። ብድሕሪ'ዚ ድማ ፓሊስ ኣብ ቁጽጽር ከእትውዎ ኪኢሎም።
ብመሰረት ሓበሬታ፡ መርበብ ሓበሬታ ዮም7፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ሹብራ ኣል-ኻማይማ ዝርከብ ድልድል'ዩ ኣጋጢሙ። ኣብቲ እዋን እቲ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ 6.2 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ'ዩ ዝጽብጽብ ነይሩ።
ነቲ ዝነበሮ ድልድል እናስኣለ እንከሎ ድማ'ዩ ቴለፎኑ በቲ ስሙ ዘይተገልጸ ሰራቒ ተመንዚዑ። ካሜራ ናይታ ቴለፎን ምንቅስቓስ ምስ ኣቋረጸ ኸኣ ምስሊ ናይቲ ኣብ ኣፉ ሽጋራ ሒዙ ዝነበረ ዘይተጸበዮ ዝረኸበ ሰራቒ ንዓለም ኣቃሊዓቶ።
ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሜድያ ግን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጋዜጠኛ ዝሓዝንሉ፡ ቀልጢፎም ብባህሪ ናይቲ ዘይዓጀቦ ሰራቒ ከምዝተገረሙ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ከምዛ ሓንቲ ዘይገበረ፡ ተረጋጊኡ ሽጋርኡ እናትከኸ ጉዕዝኡ ምቕጻሉ ዘይሓሰቦ ናእዳ ኣጥርይሉ።
ሓደ ተጠቃሚ ፈይስቡክ፡ "ብስሓቕ ሞይተ" ብምባል ክገልጽ እንከሎ፡ ሓደ ካልእ ድማ፡ "ዓለም ምሉእ እናርኣየካ" እንታይ ንድሕሪት ምርኣይ ኣድለየካ ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።
ነታ ቴለፎን ክምንዝዓ እንከሎ ልዕሊ 20,000 ሰባት ነቲ ጸብጻብ ይከታተልዎ ነይሮም። ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ከኣ ዛጊት ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ሰብ ነታ ኣብ ፈይስቡክ ዘላ ቪድዮ ተኸታቲልዋ ኣሎ። 45 ሽሕ ርእይቶታት ድማ ተዋሂቡዋ።
ሕማቕ ዕድል ኮይኑ (ነቲ ሰራቒ)፡ ባዕሉ ገጹ ዘላለዮም ፖሊስ ንክረኽብዎ ብዙሕ ኣይተጸገሙን። ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጡ።
እቲ ሰራቒ "ስራሕ ኣልቦ" ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ ነታ ዝመንዝዓ ቴለፎን'ውን ድሮ ሸይጡዋ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







