ከመይ ገይሩ ሓደ ሰራቒ፡ ሂወት ብዙሓት ዕሸላትን ቆልዑን ካብ ምዕማጽ ኣድሒኑ?

ምንጪ ስእሊ, ማት ሃን
ኣብ ካሊፎርኒያ ዝነብር ዝነበረ፡ ዕሉል ሰራቒ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሰረቖ ካዝና ዕሸላትን ቆልዑን ክዕመጹ ከለው ዘርኢ ስእልታት ርእዩ ኣዝዩ ብምጉሃዩ፡ ነቲ ዝረኸቦ ስእልታት ናብ ፖሊስ ብቡስጣ ብምልኣኽ፡ ነቲ ጽዩፍ ተግባር ዝፍጽም ዝነበረ ሰብ ናብ ፍርዲ ንኽቐርብ ሓጊዙ። ነቶም ግዳይ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ቆልዑ ድማ ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝነበሮ ጽዩፍ ተግባር ኣድሒንዎም።
ማቲው ሃን ዝተባህለ ወዲ ካሊፎርንያ፡ ጌና ወርጠብ ከሎ ኢዩ ሓሽሽ ከዘውትር ዝጀመረ። ብሰንኪ ወልፊ ድሮጋ ድማ ጌና ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ትምህርቲ ኣቋሪጹ። ነቲ ናይ ሓሽሽ ወልፉ ንምዕጋብ ድማ ኣብ ስርቂ ተዋፊሩ።
ማቲው፡ ብዘካየዶ ናይ ስርቂ ገበናት፡ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምሕላፍ ኣብ 2001 ተፈቲሑ። እንተድኣ፡ ዳግማይ ብዝኾነ ገበን ተኣሲሩ፡ ብመሰረት ሕጊ ካሊፎርንያ፡ ንሕልፈት ክእሰር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ድሕሪ ገለ ዓመታት ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኡ፡ "ንገለ ዓመታት ዝኾነ ገበን ከይፈጸምኩ ጽቡቕ ከይደ። ጽቡቕ ስራሕ ነይሩኒ፡ ትምህርተይ`ውን ብኮሌጅ ደረጃ ይቕጽል ነይረ። ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ናይ ድሮጋ ኣመለይ ደጊሱኒ" ኢሉ ማቲው።
ሓደ መተዓብይቱ ሂወቱ ምስኣጥፍአ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ወልፉ ተመሊሱ። "ጠገለ ዘይብሉ ድሮጋ ክወስድ ብምጅማሩ፡ ናብ ስርቂ ተመሊሱ።"

ምንጪ ስእሊ, ማት ሃን
ሓደ ምሸት፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ፡ ኣብ ሎስ ጋቶስ፡ ካሊፎኒያ፡ ዝሰረቖ ካዝና ሂወቱ ከድሕኖ ኢዩ።
ነቲ ዝሰረቖ ካዝና ድሕሪ ምኽፋት፡ ሓመድ ዝተጸየቑ ገለ ናይ ህጻውንቲ ጨርቂ ሽንቲ [ዳይፐር] ኢዩ ረኺቡ - "ኣዝዩ ዘገርም ተመክሮ"።
"ኣብታ ዝሰረቕኩዋ ካዝና፡ ብጀካ`ቲ ናይ ህጻን ጨርቂ ሽንቲ፡ ሽጉጥ፡ ስእልታት፡ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ኣብ ፍላሽ ዲስክ ዝተሰነዱ ስእልታትን ካልእ ቀንጠመንጥን ረኺበ።
"ነቲ ኣብታ ፍላሽ ካርድ ተሰኒዱ ዝነበረ ስእልታት ንምርኣይ ድማ ኣብ ኮምፒዩተረይ የእትየ ክፍትሽ ጀሚረ፡ ዋና እታ ዝሰረቕኩዋ ገዛ፡ ዕሸላት ወይ ድማ ቆልዑ ይዕምጽ ከምዝነበረ ካብቲ ዝራእኩዎ ስእልታት ተረዲአ" ኢሉ ማቲው።
እቲ ዝተዓዘቦ ነገር ጨሪሱ ክኣምኖ ኣይከኣለን። "እታ ፈለማ ዝራእኩዋ ስእሊ፡ ብሓቂ ንምእማኑ ዘሸግር ጉድ ኢየ ሪኤ። ፈለማ እንታይ ይርኢ ከምዘለኹ ንምእማኑ ኣሸጊሩኒ ነይሩ። ዳሕራይ ግና፡ ሓደ እኹል ሰብ ንሓደ ቆልዓ ክዕምጽ ከሎ ዘርኢ ስእሊ ኢየ ሪኤ" ኢሉ ማቲው።
ነቲ ጉድ ድሕሪ ምርኣይ፡ ማቲው እንዳ ፖሊስ ብምኻድ፡ መንበሪ ኣባይቲ ሰይሩ ብምእታው ኣብዘካየዶ ስርቂ፡ ገበን ክፍጸም ከሎ ዘርኢ ጭብጢ ከምዝረኸበ ንፖሊስ ምሕባር ምርጭኡ ኣይነበረ።
እንተኾነ፡ ነቲ ዝረኣዮ ገበን ደው ንምባል ገለ ኪገብር ከምዘለዎ ግና ተገንዚቡ። ዝኾነ ናይ ስርቂ ገበን ምፍጻም ድማ ንሕልፈት ክፍርዶ ከምዝኽእል ድማ ተረዲኡ።
ኣብ መወዳእታ፡ ፖሊስ መታን ኣብ ልዕሊ`ቲ ሰብ ስጉምቲ ክወስዱ ድማ ነታ ፍላሽ ዲስክ ናብ ፖሊስ ብቡስጣ ክሰዳ ወሲኑ። ናይቲ ሰብ ስምን ኣድራሻን ብምጽሓፍ ድማ "በጃኻትኩም፡ ነዚ እንስሳ ዳጉንዎ" ዝብል ብምጽሓፍ ነታ ቡስጣ ናብ ፖሊስ ልኢኽዋ።
ብድሕሪኡ፡ ብዛዕባ`ቲ ዝረእዮ ጉድ ንፖሊስ ከምዝሓበረ ነዲኡ ድሕሪ ምንጋር ኣብ ቴሌቪዥን ነቲ ዜና ክትከታተል ሓቲትዋ።
ነዲኡ ብዛዕባ`ቲ ጉድ ክሕብራ ከሎ እታ ፍላሽ ዲስክ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣቑሑ መሸጣ ከምዝነበራ ኢዩ ሓሲዩ ነጊርዋ።

ምንጪ ስእሊ, ማት ሃን
ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ናብ ወዳ ተሌፎን ብምድዋል፡ ምስቲ ጉዳይ ምትእስሳር ዘለዎ ሰብ ከምዝተታሕዘ ነጊራቶ።
ኣትኪን፡ እቲ ነቲ ጉድ ዝፈጸመ ሰብ፡ ገዝኡ ከምዝተሰርቀ ንፖሊስ ሓቢሩ ነይሩ ኢሉ ማቲው። ፖሊስ፡ ነቲ ስእልታት ድሕሪ ምርካቦም፡ ንኣትኪን ብዛዕባ እቲ ኣብ ገዝኡ ዝተኻየደ ስርቂ ንምዝርራብ ብዝብል ጉልባብ ናብ እንዳ ፖሊስ ከምጽእ ጸዊዖሞ።
ኣብቲ ዝተኻየደ መርመራታት ድማ ሮቤርትሶን ኣትኪን ነቲ ንምግላጹ ዘሸግር ጉድ ከምዝፈጸመ ተእሚኑ።
ብመርበብ ሓበሬታ [ኢንተርኔት] ተሰሪቑ ናይ ዝተሸጠ ኣቑሑ ናይ ማቲው ኢድ ከምዘለዎ ምስተፈልጠ ብፖሊስ ተታሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶሞ።
እቲ ዝሓዞ ፖሊስ፡ ንማቲው ይፈልጦ ስለዝነበረ ድማ "እንታይ ድኣ ረኺቡካ፡ ስርቂ ገዲፍካ ጹቡቕ ዶ ትነብር ኣይነበርካን" ኢልዎ።
"ሓቅኻ፡ እንተኾነ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ገበን ዝፍጽም ዝነበረ ኣትኪን ግና ሂበኩም" ኢሉ መልሲሱሉ።
ማቲው ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ፍርዱ ኣብ ዝጽበየሉ ዝነበረ እዋን፡ ዓቃብ ሕጊ ናይቲ ወረዳ፡ ናብ ማቲው ብምምጻእ ኣብቲ ኣንጻር ኣትኪን ዝተኸፍተ ክሲ፡ ነታ ካዝና ካብ መንበሪ ገዛ ኣትኪን ከምዝሰረቓ ክምስክር ሓቲትዎ።
ማቲው፡ ኣብ 2001፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ወዲኡ ክወጽእ ከሎ፡ ዳግማይ ብስርቂ ኮነ ካልእ ገበን እንተድኣ ተኸሲሱ ንሕልፈት ክፍረድ ተበይንዎ ነይሩ።
ድህሪ`ታ ፍጻመ ድማ፡ ናይ ኣትኪን ገዛ ሰሪቑ፡ ካልኦት ጋዛውቲ ብምስራቕ ዝሸጦም ኣቑሑ ድማ ተታሒዙ ተእሲሩ ስለዝነበረ ድማ ፍርዱ ስጋብ 400 ዓመት ክኸውን ከምዝኽእል ስለዝፈለጠ፡ ገለ እቲ ፍርዱ እንተተመሓየሸሉ ብምሕሳብ ድማ ከም ምስክር ኮይኑ ክቐርብ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ገሊጹ።
እትኪን በቲ ዝፈጸሞ ገበን ስጋብ 25 ዓመት ክፍረድ ተኽእሎታት ነይሩ።
ብዝኾነ፡ ማቲው በቲ ንኣትኪን ናብ ፍርዲ ምቕራቡ ዝተሓጎሱ ሰባት፡ ማቲው ብመጠንቀቕታ፡ ብኣመክሮ፡ ክፍታሕ ክጠልቡ ከለው፡ ካልኦት ድማ እዚ ዕሉል ሰራቒ ንዓመታት ክፍረድ ኣለዎ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንሸውዓተ ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ፈሪዱ።
ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርት ምጽንሑ ድማ ተፈቲሑ። ማቲውን ኣትኪንን ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ኢዮም ነይሮም።
ናይ ኣትኪን ገበን ከቢድ ስለዝነበረ ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ኢዩ ነይሩ፡ ማቲው ድማ ምስቶም ብቐንጠመንጢ ዝተኣስሩ ሰባት ኣብ ዝሕዝ ክፍሊ ስለዝነበረ ምስ እትኪን ተራኺቦም ኣይፈልጡን፡ ዋላ`ኳ፡ ማቲው ኣብቲ ናይ ኣትኪን ጉዳይ ቀንዲ ምስክር ኮይኑ ኣብ ሓደ ቤት ፍርዲ ኣብ ሓደ እዋን ይቐርቡ እንተነበሩ።
ንኽልቲኦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ቤት ፍርዲ እትወስዶም ዝነበረት ኣውቶቡስ`ውን ኣብ ሓንቲ እንከላ፡ ኣትኪን ንማቲው ሪኢዎ ኣይፈልጥን። ምክንያቱ፡ ኣቲኪን ኣብ ውሽጢ እታ ኣብቲ ኣውቶቡስ ዝነበረት ጋቢያ ተታሒዙ ስለዝነበረ። ማቲው ግና ኣብቲ ዝሰረቖ ካዝና ዝረኸቦ ስእልታት ክዝክሮ ክኢሉ።
"ኽልቴና ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ እንኸደሉ እዋን ሓንቲ ኣውቶቡስ ኢያ ትወስድና ነይራ፡ ኣትኪን ብሰንኪ`ቲ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ውሽጢ ጋብያ ይትሓዝ ስለዝነበረ ርእዩኒ ኣይፈልጥን ነይሩ። ኣነ ግና ብድሕሪት ኣብዝርከብ ኮፍ መበሊ ብካቲና ተእሲረ ይኸይድ ስለዝነበርኩ ይርእዮ ነይረ።"

ምንጪ ስእሊ, Matt Hahn
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብዝነበረሉ እዋን፡ "ድሕሪ ደጊም ዝኾነ ይኹን ናብ ስርቂ ኣይምለስን ኢየ፡ እዚ ናይ መወዳእታት ተመክሮይ ክኸውን ኣለዎ" ይብል ነይሩ ማቲው። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ካብቲ ናይ ድሮጋ ወልፉ ንምክልኻል ይጽዕትን፡ ካብቶም ወለዲ ናይቶም ኣትኪንስ ዝዓመጾም ዝተለገሰሉ መጽሓፍቲ ድማ የንብብ ነይሩ።
ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ማእሰርቲ፡ ትምህርቱ ብምቕጻል ካብ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ቤርክሊ ዩኒቨርስቲ ተመሪቑ። እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ናይ ስርቂ ዘመኑ፡ በቲ ዝተመህሮ ዓይነት ትምህርቲ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ኤሌትሪሻን ኮይኑ።
ድሕሪ`ዚ ኹሉ ተመክሮታቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት ድማ፡ "ሕጂ ጽቡቕ ስራሕ ኣሎኒ" ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኮይኖም ድማ ገዛ ከምዝገዝኡ ገሊጹ። "ዘገርም ሂወት ይመርሕ ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይምለስን ኢየ" ኢሉ ማቲው።
እቲ ኩሉ ግዜ ዘጣዕሶ ጉዳይ፡ እቲ ኣብቶም ዘይፈልጦም ሰባት ዘውረዶ ሃስያ ኢዩ። እንተዝኾነሉ፡ ነቲ ጉዳይ እንተዘይፍጽሞ ምፈተወ ነይሩ።
"እቲ ሕጂ ኪገብሮ ዝምነዮ ነቶም ዝበደልኩዎም ምኽሓስ ክኸውን ከሎ፡ ታሪኸይ ብምክፋል ድማ ካልኦት ብፍላይ ነቶም ብወልፊ ተጸሚዶም ዘለውን ካብቲ ወልፊ ንምንጋፍ ጻዕርታት ዘካይዱ ዘለው ካብ ታሪኽ ሂወተይ ክምሃሩ ምምዓድ ክኸውን" ኢዩ ኢሉ ማቲው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







