መኪንኡ ካብ ሰረቕት ክከላኸል ዝፈተነ መራሒ መኪና ኣርባዕተ ጎደናታት ብመኪንኡ ተጎሲሱ

ምንጪ ስእሊ, Family handout / PA
ኣብ ዶንካስተር ብሪጣንያ መኪንኡ ካብ ሰረቕት ክከላኸል ዝፈተነ ኣበጻጻሒ ኣቕሑ ኣርባዕተ ጎደናታት ብመኪንኡ ተጎሲሱ።
እቲ ኮስተል ታብላን ዝተባህለ ወዲ 42 ዓመት፡ ድሕሪ እቲ ብሰንበት ዘጋጠሞ ፍጻመ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ኣሎ።
እቲ ሰራቒ ኣብ መኪንኡ ምስ ኣተወ፡ ኮስተል ማዕጾ እታ መኪና ዓትዒቱ ብምሓዝ "ደው ኣብላ፤ ኣይሰደካን እየ፤ ክትቐትለኒ ኢኻ" ኢሉ ይጭድር ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግና እቲ ሰራቒ ንኮስተል ብዘይምስማዕ ተሓንቢቡ።
ኣብታ መኪና 130 ናብ ዓማዊል ዝበጽሕ ዕሹግ ኣቕሑ ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሒሩ ብምልኡ ብሓዊ ተቓጺሉ እዩ ተረኺቡ።
ኮስተል ኣቕሓ ከራግፍ ኢሉ ካብታ መኪና ምስ ወረደ እዩ እቲ ሰራቒ ናብታ መኪና ኣትዩ።
እቲ ሰራቒ ተስፋ ቆሪጹ ደው እንተበለ ብዝብል ንመኽፈቲ ናይቲ ማዕጾ ዓትዒቱ ብምሓዝ ንገለ ርሕቐት ዝተጎሰሰ ኮስተል ኣብቲ ጽርግያ ምስ ዝነበሩ ነገራት ስለ ዘጋጨዎ፡ ነቲ ማዕጾ ሒዙ ክቕጽል ከም ዘይከኣለ ተዛሪቡ።
መሳርሕቱ፡ ሓድሽ መኪና ክገዝእ ዘኽእሎ ገንዘብ ምውጻእ ጀሚሮም ኣለው።
ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደ ኮስተል ሰለስተ መስበርቲ ናይ መሰንግል፣ ምምዝባል ናይ ማእገር፣ ኣብ ዓንዲ ሕቕዑ መንቃዕቲ ናይ ዲስክ ከም ዘጋጠሞን ኣብ ክልተ ኣእጋሩ ናይ ቆርበት ምውሳብ ከም ዘድልዮን ሓለቕኡ ዴቭ ሪቻርድስ ሓቢሩ።
ንገለ እዋን ኣብ ሆስፒታል ክጸንሕ ከም ዝኽእል'ውን ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ካብዚ ዝኸፍአ ክኸውን ምኸኣለ ነይሩ፤ ግን ዕድለኛ እዩ በዚ ዝተገላለገለ" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







