ኣፍጋኒስታን፡ ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ጣሊባንን ኣመሪካን ፈላማይ ዘተ አካይዶም

ኣመሪካን ጣሊባንን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምስሓባ፡ ንፈለማ እዋን ሰበስልጣን ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ጣሊባን ብኣካል ተራኺቦም ዘትዮም፡፡

እቲ ኣብ ኳታር ዝተሳለጠ ዘተ ኣብ ምቁጽጻር ግብረ ሽበራውያን፣ ምግዓዝ ዜጋታት ኣመሪካን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ዘተኮረ ምንባሩ ሰብመዚ ሓቢሮም፡፡

እንተኾነ ኣመሪካ ምስ ጣሊባን ምርኻባ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተመሰስረተ እስላማዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ከምዘይኮነ እያ እትገልጽ፡፡

እቲ ኣኼባ ድሕሪ ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ናብዚ፡ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠማ ዝኸፈአ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ እዩ ተኻይዱ።

በቲ ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኩንዱዝ ኣብ መስጊድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሑድ 50 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 100 ቆሲሎም፡፡

ነቲ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ሰዓብቲ ሺዓ እስልምና ኣብ ዝግልገሉሉ መስጊድ ሰይድ ኣባድ ዝተፈጸመ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፡ ጉጅለ ኣይኤስ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ፡፡

ብጣሊባን ዝተመረጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍጋኒስታን ኣሚር ክሃን ሙታቂ ፡ ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ኣብ 2020 ዝተፈረመ ስምምዕ ዶሃ ከኽብሩ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ፡፡

እቲ ውዕል ጣሊባን ከም ኣልቃይዳ ዝበሉ ጉጅለታት ስግኣት ኣመሪካ ከይኾኑ ክከላኸል ሓላፍነት ዝህብ እዩ፡፡

ኣመሪካ ክታበት ኮሮናቫይረስን ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ምብጻእ ከምእትሕግዝ ምግላጻ እውን እቲ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ተዛሪቡ፡፡

ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ ብቐዳም ዝተሳለጠ ዘተ ዝሃበቶ ምግለጺ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ቅድም ክብል እቲ ዘተ ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ክኽበሩ፣ ንኹሉ ዘሳተፈ መንግስቲ ክምስረትን ሰራሕተኛታት ረድኤት ክንቀሳቐሱን ክፍቀድ ኣብ ልዕሊ ጣሊባን ጸቕጢ ንምፍጣር ከምዝጥቀሙሉ ሓቢሮም ነይሮም፡፡

ጣሊባን ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዎ ርክብ ንምምሕያሽ ይጽዕር ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እቲ ጉጅለ ግና፡ ዝኾነ ኣካል ኣብ ውሽጣዊ ፖሊሲታት ኢዱ ከእቱ ከምዘይብሉ ኣጠንቂቑ፡፡

እቲ ዘተ ሎሚ ሰንበት እውን ክቕጽል ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።