ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ኣብ ዞባ ሂልማንድ ቀምቃሞ ጭሕሚ ዓማዊሎም ከይቕምቅሙ ኣዚዞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጣሊባን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዞባ ሂልማንድ ንዝርከቡ ቀምቃሞ ንእስላማዊ ሕጊ ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ጭሕሚ ዓማዊሎም ከይቅምቅሙ ከልኪሎም።
ሃይማኖታዊ ፖሊስ ጣሊባን ነዚ ሕጊ ዝጠሓስ ሰብ ክቅጻዕ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝርከቡ ገለ ቀምቀምቲ'ውን ተመሳሳሊ ትእዛዝ ከም ዝተውሃቦም ገሊጾም።
እዚ ትእዛዝ፡ ጣሊባን ዘይከምቲ ዝኣተዎ ቃል ናብቲ ቀደም ዝኽተሎ ዝነበረ ተሪርን ኣገዳድን ኣመራርሓ የምርሕ ከም ዘሎ ሓባሪ ኣንፈት'ዩ ተባሂሉ'ዩ።
ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊ ተቃወምቱ ጭካነ ዝተሓወሶ መቕጻዕቲ እዩ ከተግብር ተራእዮ።
ብቀዳም፡ ኣብ ዞባ ሃራት ሰራዊት ጣሊባን ጨወይቲ'ዮም ንዝበልዎም ኣርባዕተ ሰባት ብጥይት ብምቕታል፡ ሬስኦም ኣብ ጽርግያ ኣንጠልጢለሞ ውዒሎም።
ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሂልማንድ ኣብ ዝርከባ እንዳ መስተኻኸሊ ጽጉሪ ርእሲ፡ ብሰብ መዚ ጣሊባን ዝተዋህበ ናይ ጽሑፍ መጠንቀቕታ ቀምቃሞ ጸጉሪ ርእስን ጭሕም ኣብ ምቅምቃም ሕጊ ሸሪዓ ክኽተሉ ከም ዘለዎም ኣጠንቂቖም።
እቲ ቢቢሲ ርእዩ ዘረጋገጾ ብሰብ መዚ ጣሊባን ዝተለጠፈ ናይ መጥንቀቕታ ምልክታ "ዝኾነ ሰብ ከዕጎምጉም መሰል የብሉን" ዝብል ይርከቦ።
ኣብ ካቡል ዝርከብ ሓደ ቀምቃማይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እቶም ሰራዊት መጺኦም ጭሕሚ ከይንቅምቅም ከልኪሎሙና" ድሕሪ ምባል "ሓደ ካብኦም'ውን ዝከታተሉና ዝኣስሩናን ሰባት ከም ዝልእኸልና ሓቢሩኒ" ኢሉ።
ሓደ ካልእ ኣብ ካቡል ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ትካላት መስተኻኸሊ ጸጉሪ ዝውንን ቀምቃማይ'ውን ሓደ ብዓል መዚ ጣሊባን'የ ኢሉ ብቴሌፎን ዝደወለሉ ሰብ 'ናይ ኣመሪካ ቅዲ ኣይትከተል' ብምባል ዝኾነ ናይ ዓሚሉ ጭሕሚ ከይቕምቅም ከም ዘፈራርሖ ገሊጹ።
ጣሊባን ካብ 1996 ክሳብ 2001 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፡ ደቂ ተባዕትዮ ጭሕሞም ከየሕጽርዎን፡ ስሓቢ ዝኾን ዓይነት ኣቀማቅማ ከይቅምቀሙን ኣዚዙ ነይሩ'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







