እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸውዓተ ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ካብ ግዝኣቱ ክወጹ ዝኣዘዘሉ ምኽንያት ኣብሪሁ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ንሉኣላውነትን ሃገራዊ ጸጥታን እታ ሃገር ስግኣት ዝኾኑ ተግባራት ፈጺሞም ክብል ከሲሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ከምዝተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት እቲ ውድብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት፡ ኣብ ጉዳያት እታ ሃገር ጣልቃ ኣትዮም ብዝብል ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹ ትእዛዝ ተዋሂቦም ኣለው።
ሕቡራት ሃገራት ንውሳነ ኢትዮጵያ ከምዘይቕበሎ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዓርቢ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምግላጹ፤ ከምኡ’ውን ኣፈኛ እቲ ውድብ ፋርሃን ሃቅ እቲ ኢትዮጵያ ዘሕለፈቶ ውሳነ ‘ፐርሰና ናን ግራታ’፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተግባራዊ ክኸውን ከምዘይኽእል ምግላጹ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ካብታ ሃገር ክወጹ ዝኣዘዘሉ ምኽንያት ኣብ ዝሓበረሉ መግለጺ፤ ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ንዝርከቡ ሓይልታት ህወሓት ናይ ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ርክብ መሳርሒታትን ክበጽሕ ተሓባቢሮም እዮም ይብል።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ፡ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንመምርሒታት እቲ ትካል ምጥሓሶም ብምጥቃስ፡ ነዞም ከበድቲ ጥሕሰታት ዝምልከቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ውድብን ካልኦት ዓለምለኻዊ መሻርኽትን ክፈልጡዎ እንተተገበረ’ውን ፍረ ከምዘይተረኸቦ ገሊጹ።
እንተኾነ ግና ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሕጊ እቲ ውድብ ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰደዶ መልእኽቲ ከም ዝረኣዮ ዝሓበረ ሮይተርስ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጣልቃ ምእታዎም ዘመልክት ዝኾነ መረዳእታ ከም ዘይተቐበለ ገሊጹ ክብል ጸብጺቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ካብ ሃገሩ ክወጹ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ እቶም ውልቀሰባት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ኣትዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ዝሃቦ ዝርዝር ኣይነበረን።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ እቲ ውሳነ ብመገዲ ኣፈኝኡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ ውሳነ ከምዝሰንበደ ክገልጽ እንከሎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ንጥፈታት ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምክያድ ዘለው ሰራሕተኛቱ “ምሉእ እምነት” ከም ዘለዎ ገሊጹ።እቶም ሰራሕተኛታት ስርሖም ክቕጽሉ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራረብ ምህላው’ውን ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ዝተፈጥር ምድንጋራት ንምብራህ ብዝብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከም ዝተፈጸሙ ዝገለጾም ግህሰታት ዘርዚሩ።
በዚ ከኣ እቶም ካብ ግዝኣቱ ክወጹ ዝኣዘዞም ውልቀሰባት “ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤትን ናይ ርክብ መሳርሒታትን ንህወሓት ሂቦም” ዝብል ክሲ ኣቕሪቡሎም።
ብተወሳኺ’ውን “ስምምዕ ዝተገበረሎም ናይ ድሕነት ኣሰራርሓታት” ምጥሓስን ንረድኤት ተዋፊሮም ከይተመለሱ ዝተረፉ ልዕሊ 400 ናይ ጽዕነት መካይን “ህወሓት ንወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ይግልገለሎም ኣሎ” ብምባል ከምዝምለሱ ንምግባር ኣድላዪ ጻዕሪ ኣይገበሩን ክብል ቅረትኡ ኣቕሪቡ።
ብዘይካ’ዚ እቶም ውልቀሰባት “ግጉይ መረዳእታታት ኣመሓላፈፎም፡ ሰብኣዊ ረድኤት ፖለቲካዊ ጌሮምዎ” ክብል ብምኽሳስ እቶም ተግባራት ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት እታ ሃገር ዝተፈጸሙ ግህሰት ምዃኖም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።
ብምኽንያት እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንጥፈታት ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘይተዓናቐፍ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ውድብ ነቶም ካብ ሃገር ክወጹ ዝተኣዘዙ ሰራሕተኛታቱ ብቕልጡፍ ክትክእን ንጥፈታት ሰብኣዊ ረድኤት ክቕጽልን ጸዊዑ።
ገለ ኣባላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ብህወሓት ዝፍጸም ተግባራት “ዕሽሽ ብምባል”፡ ብመንግስቲ ዝውሰዱ ናይ ሓደ ሉኣላዊ መንግስቲ ሓላፍነት ንዝኾኑ ስጉምትታት ከምጸገም ምጥቃሶም’ውን ወቒሱ።
እቶም ካብ ሃገር ክወጹ ዝተኣዘዙ ውልቀ ሰባት መን’ዮም?
ካብ መንጎ እቶም ውልቀሰባት እቶም ሓሙሽተ ኣብ ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ዝሰርሑ እዮም።
- ምኽትል ኣተሓባባሪ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ኣብ ኢትዮጵያ ግራንት ሊቲ
- ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣደል ኮድር
- መራሒ ጉጅለ ሪፖርትን ምምኻርን ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሶኒ ኦንየግቡላ፣
- ኣማኻሪ ሰላምን ዕብየትን ኦቻ ክዌሲ ሳንስክሎት፣
- ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብብር ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ሳዒድ መሓመድ ሀርሲ፣
- ተወካሊት ምክትል ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ጋዳ ኢልጣሂር ሙዳዊ፡
- ከምኡ ድማ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ መርሲ ቪጎዳ እዮም፡፡
ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ዝተወሃበ ግብረመልስታት
እቲ ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ምዃኑ ዝገልጽ ኣካል፡ ነቲ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “መቐጸልታ ናይቲ ንጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም መስርሕ” ክብል ነቲ ውሳነ ተቓዊሙ።
ኣመሪካ ብወገና እቲ ውሳነ ብትሪ ብምኹናን ተቐባለነት ዘይብሉ ክትብል ተቓውሞኣ ገሊጻ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤምባሲታት ብሪጣንያን ጀርመንን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛተት ሕቡራት ሃገራት ካብ ግዝኣቱ ክወጹ ምእዛዙ ከም ዘተሓሳሳኦም ገሊጾም።
ክልቲኦም ኤምባሲታት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ንጥፈታት ረድኤት ዝተዋፈሩ ሰባት ካብ ሃገር ክወጹ ምግባር ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላጽ መንግስቲ ነቲ ስጉምቲ ክሓስበሉ ሓቲቶም።
ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝነጥፉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሃገሩ ክወጽኡ ዝሃቦ ውሳነ ትጽቢት ዘይተገበሉን እዩ፤ ብትሪ ኸኣ ንኹንኖ" ኢሉ።