እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?
ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻእን ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ኣብ ኢድ ንምእታው ዝግበሩ ዝበሎም ፈተነታት ኢትዮጵያ ከም ዘይትቕበሎ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ መበል 76 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘረባ ዘስምዐ ኣቶ ደመቀ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ዝምልከት ዘይተገደበ ውፍይነት ከም ዘለዎ ብምሕባር ሃገሩ ግን ዝኾነ ዓይነት ኢድ ኣእታውነት ከም ዘይትቕበል ገሊጹ።
ንናጻ፣ ዘይሻራውነትን ሰብኣዊ መትከላትን ዝግዝኡ ሰብኣዊ ረድኤት ዘቕርቡ ትካላት ንዝገብሩዎ ምንቅስቓስ መንግስቲ ኣገዳሲ ሓገዛት ይገብር ምህላው ብምጥቃስ "ካብዚ ወጻእ ብዝኾነ ምኽንያት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ኢድ ንምእታው ዝግበር ሃቐነ ቕቡል ኣይኸውንን" ኢሉ።
እቲ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ብዛዕባ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ ጻዕሪ እናገበረ እናሃለወ "እቲ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍጣር ዝሓዞ መደብ ተግባራዊ ብምግባር ኽፍኣት ዝመልኦ ወፍሪ ፕሮፖጋንዳ ተኸፊቱና ኣሎ" ክብል ከሲሱ።
ወሲኹ "ሕጂ ሰብኣዊ ረድኤት ፖለቲካዊ ዕላማ ዝፍጸመሉ መሳርሒ ከም ዝኾነ ንግንዘብ ኣለና" ዝበለ ኣቶ ደመቀ ግጉይ ሓበሬታ ብምውዛዕ ዝንቡዕ ግንዛበ ንክፍጠር ናይ ሓሶት ክስታት ቐሪቦም'ዮም ኢሉ።
ይኹን'ምበር መንግስቲ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምቕራብ ግቡኡ ከም ዝፈጸመ፣ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝኣወጀን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርመሩን ተሓታትነትን ንክህሉ ስጉምታት ክውሰዱ ከም ዝገበረን ተዛሪቡ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኣትወሎም መገድታት ዓጽዩ ብዝብል ብተደጋጋሚ ክንቕፉ ጸኒሖም'ዮም።
'ጸቕጢ ሃገራት ወጻኢ'
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምታት እገዳ ክትቃወም ከም ዝጸንሐት ብምጥቃስ፡ "ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ግን ዝግበር ዘይፍትሓዊ ከይኸውን ንምዕድ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ኣገደስቲ ዘይኮኑ ጸቕጥታት እንተሃለው'ውን ሉኣላውነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን ኢትዮጵያ ንምሕላው ሓላፍነትና ክንፍጽም ኢና" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ መሓዙት ሃገራት ዝቐርብ ቅኑዕ ሓሳባት ከም እትቕበል ብምግላጽ፡"ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳይ ሓደ መንግስቲ ድጋፍ ንምግባር ወይ ሓሳብ ንምሃብ ዝግበር ጻዕሪ እቲ ጸገም ክንደየናይ ዝተሓላለኸ'ዩ ዝብል ሙሉእ ግንዛበ ይሓትት'ዩ" ኢሉ።
ብምኽንያት ኲናት ትግራይን ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ብዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝተፈላለዩ ጸቕጢታት ይገብሩ ምህላዎም ዝዝከር።
ኣብ ቀረባ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ከይሓልፍ እቲ ኲናት ከየብቅዕን ኣብ ልዕሊ ዘእንቅፉ ዝዝተፈላለዩ እገዳታት ንምንባር ዘኽእል ትእዛዝ ከም ዝፈረመ ይዝከር።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብታ ሃገር ብኲናት ዝፍታሕ ጸገም ከም ዘየለ ብምግላጽ መንግስቲ ንኹሉ ዝሓቁፍ መድረኽ ዘተ ከካይድን እቲ ኲናት'ውን ብልዝብ ክፍታሕን ማሕበረሰብ ዓለም ይሓትት ኣሎ።
ነዚ ኣመልኪቱ ኣቶ ደመቀ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ "ኢትዮጵያ ንሓቀኛ ጻዕርታት ሰላም በራ ርሕው'ዩ" ብምባል ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ላዕለዋይ ልኡኽ ቐርኒ ኣፍሪቃ እቲ ሕብረትን ዝመርሑዎ ሃገራዊ ዘተ ንምክያድ ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ።
ካልኦት ጉዳያት
ብኻልእ ወገን፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብምኽንያት ኣል ፋሻጋ ይሰሓሓባ ብምህላወን ክልትኣዊ ርክበን ክሕርፍፍ ተራእዩ'ዩ።
ነዚ ጉዳይ ኣብቲ ሕብረት ዘልዓለ ኣቶ ደመቀ "ግዝኣት" እታ ሃገር ኣብ ኢድ ወራሪ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ሕጂ'ውን ንሰላማዊ መፍትሒ ድሉዋት ኢና ኢሉ።
ግድብ ሕዳሰ ካልእ እቲ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዘልዓሎ ዛዕባ ኮይኑ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ህንጸት እቲ ግድብ ንዝገጠማ ጸገማት "እቲ ዘሕዝን ናይ ባዕልና ካብ ዝኾነ ማይ ከይንሰቲ ምኽልኻልና'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።
ሕጂ'ውን እቲ ምስ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ክትሰማምዓሉ ዘይኽኣለት ጉዳይ ንኹለን ሃገራት ተጠቀምቲ ብዝገብርን ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝመርሖን ኣገባብ መዕለቢ ንክረክብ እተን ሃገራት ድሉዋት ክኾና'የን ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።