ኣብ ራያ ቆቦ ኣጋጢሙ ዝተባህለ እንታይ'ዩ?

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብቐዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣብ ከተማ ቆቦን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት በጺሑ ተባሂሉ ዝዝረብ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣተሓሳሲቡኒ" ክብል ገሊጹ እዩ።
እቲ ኮሚሽን "ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ፣ ገዛ ንገዛ ዝተገብረ ተፍትሽን ቅትለትን፣ ዝምታ መሰረተ ልምዓት" ተፈጺሞም ዝብል ጸብጻባት ከም ዝበጽሑዎ ብምግላጽ መርመራ ከም ዝገብር ሓቢሩ ኣሎ።
ካብቲ ከባቢ ዝሃደሙ ሰባት ድማ፤ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከባቢ ራያ ቆቦ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙን ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እዚ ብመጥቃዕቲ ከቢድ ብረትን ገዛ ንገዛ ብዝተገብረ ዳህሳስን ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ዝዛረቡ እቶም ነበርቲ 'ብዙሓት ሰባት'ዮም ሞይቶም' እኳ እንተበሉ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ መጉዳእቲ ብትኽኽል ክፈልጡ ከም ዘይኽእሉ ገሊጾም።
ከባቢ ራያ ቆቦ ድማ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቶም ተመዛበልቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ጊዝያዊ መዕቖቢ 'ዮም ዝርከቡ።
ህወሓት ዛጊድ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ብግብረ ራዕዲ ዝበየኖ እኳ እንተኾነ፡ ሕጋዊ ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዒላማ ከም ዘይገብሩ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኲናት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ዝልሕኽ ጀሚሩ ንዝቐርቡሎም ዘለው ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት 'ዘይሻራዊ ምጽራይ' ክግበረሎም ይሓትት።
ነበርቲ እንታይ ኢሎም?
ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከተማ ራያ ቆቦ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝሞቱን ዝገልጹ ሓበሬታታት ክወጽኡ እኳ እንተጸንሑ ኣግልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ብምህላዩ ግን ካብቲ ቦታ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።
ኣብቲ ግዜ ኣብቲ ቦታ ነይርና ዝብሉ ግን ድማ ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሃዲሞም ምውጽኦም ዝዛረቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር: ህወሓት ነቲ ከባቢ ምስ ተቖጻጸረ "ንብረት መንግስትን ውልቀሰብን ካብ ምዕናው ብዝዘለለ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ምንግልታዕ ኣይነበረን" ይብል ኣቶ ከድር ዓሊ።
ብንግዲ ዝመሓደር ከድር ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ስለ ዝተቛረጸ ሰባት እኽሊ ኣጥሒኖም ንምምጋብ ይጽገሙ ስለ ዝነበረ ቆቦ ጊራና ካብ ዝተባህለ ፕሮጀክት ጀነሬተር ብምልዓል እንዳ መጥሓናት እኽሊ ኣገልግሎት ክህባ ከም ዝተገብረ ይገልጽ።
ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ግን እቲ ጀነሬተር ከም ዝተዘምተ ዝዛረብ ኣቶ ከድር፡ "ኣመራርሓ ህወሓት ነሓሰ 22 መጺኡ ኣሞራን ገደመዩን ናብ ዝበሃሉ ጣብያታት ብምኻድ 'ብረት ኣምጽኡ' ኢሎም ተኹሲ ከፊቶም" ይብል።
ኣብዚ ግዜ ካሳ ከበደ ዝብሃል ሰብ ምስ ወዲ 13 ዓመት ወዱ ከም ዝተቐትለ ተዛሪቡ።
"ብተመሳሳሊ ካልኦት ሓረስቶት'ውን ብረት ኣምጽኡ ብዝብል ተቐቲሎም'ዮም፤ ከምዚ ምስ ተጀመረ እቲ ሓረስታይ ዓርሱ ንምክልኻል መልሲ ክህብ ጀሚሩ" ይብል።
ኣብቲ ዕለት [22 ነሓሰ 2013 ዓ.ም] ሓረስቶት ተወዲቦም "ንሓይልታት ህወሓት ካብቲ ገጠር ከባቢታት ኣውጺኦም ናብ ከተማ [ቆቦ] ኣብጺሖምዎም" ክብል ኣቶ ኣለሙ ኣበበ ዝተባህለ ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ድሕሪኡ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ገጠር ኮነ ከተማ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከም ዘይተፈጸመ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ ኣረጋጊጾም።
'ብረት ኣምጽኡ'
ብ27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ግን ሓይልታት ህወሓት ንከተማ ቆቦ ከቢቦም "ብረት ኣምጽኡ" እናበሉ ነበርቲ ከም ዝቀጥቀጡ ብምግላጽ "ብረት ዘለዎ ሰብ ሂቡ፤ የብለይን ዝበለ ድማ ተሃሪሙ'ዩ" ኢሎም።
ካልእ ብርክት ዝበለ ሰብ ሞይቱሉ ዝተባህለ ዕለት ጳጉሜን 4 ከም ዝኾኑ ብምሕባር፡ ብ27 ነሓሰ 'ብረት ኣምጽኡ' እናበሉ ንነበርቲ እታ ከተማ ምስ ሃረሙ 4 ጳጉሜን ድማ ሓይሎም ኣጠናኺሮም ንነበርቲ ከም ዝገጠሙዎም ገሊጾም።
"ኣብዚ ግዜ ገደመዩ ኣብ ዝተባህለት ጣብያ ሓይልታት ህወሓት ከቢድ ኲናት ከፊቶም ውግእ ተኻይዱ" ይብሉ።
እዚ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ናይ ንጉሆ ዝጀመረ ውግእ ንነዊሕ ሰዓታት ከም ዝጸንሐ ዝዛረቡ እቶም ተመዛበልቲ "ሓረስቶት ብኹሉ ኣንፈት ሓይሎም ኣጠናኺሮም ንዕጡቓት ህወሓት ስለ ዝሓየሉዎም ልዕሊ 10 ኪሎ ሜትሮ ኣንሳሒቦም እቲ ኲናት ክሳብ ከተማ ቆቦ በጺሑ" ክብሉ ይዛረቡ።
በዚ ምኽንያት ሓይልታት ትግራይ ካብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ብምውጻእ መኽዝን ኣጽዋር እቶም ዕጡቓት ብምቁጽጻር ዝደለዩዎ ብረት ከም ዝወሰዱን ሰዓት 11፡00 ኣማስዮም ናብ ከባቢኦም ከም ዝተመለሱን ኣቶ ከድርን ኣለሙን ገሊጾም።
ይኹን'ምበር እቶም ሓረስቶት ናብ ከባቢኦም ድሕሪ ምምላሶም ሓይልታት ትግራይ ተመሊሶም ናብታ ከተማ ብምእታው "ንዝበጽሖም መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን መጥቃዕቲ ፈጺሞም" ይብል ኣቶ ኣለሙ።
"እቲ ኲናት ሰጊኡ ኣብ ገዝኡ ከፍ ኢሉ ንዝነበረ ሰብ ገዛ ንገዛ እናኸዱ ቀቲሎም። ንኹሉ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዝነበረ ኣብ መገዲ ተጸቢዮም'ውን ቀቲሎም" ይብል ከድር።
ተመሳሳሊ ክስተት ከም ዝተዓዘበ ዝዛረብ ኣቶ ኣለሙ ብወገኑ "ነባሪ እታ ከተማ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ የለን፤ ሕነ'ዮም ፈድዮም" ብምባል ኣብዚ መናእሰይ ዒላማ ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ።
ንሱ'ውን ቁሩብ ናይ ምቑሳል ሓደጋ ከም ዝበጽሖ ዝዛረብ ከድር ድማ "ንዝረኸቡዎ ሰብ ኣጥቂዖም'ዮም፤ መብዛሕትኡ ከኣ ሓረስታይ'ዩ። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህንጻናትን ግን ብተባራሪ ጥይት እንተዘይኮይኑ ኮነ ኢሉ መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣይርኣኹን" ኢሉ።
በቲ መጥቃዕቲ ብዙሕ ሰብ ሞይቱ'ዩ ኣብ ዝብል እኳ እንተተሰማምዑ ብቑጽሪ ንምቕማጥ ግን ከም ዝጽገሙ ሓቢሮም።
ኣሕዋቱን መሓዙቱን ቀቢሩ ብ2 መስከረም 2014 ዓ.ም ካብቲ ከባቢ ብምውጻእ ናብ ደሴ ዝኣተወ ኣቶ ኣለሙ ድማ "ብዝሒ ዝሞተ ሰብ ምዝራብ ክኸብደኒ'ዩ፤ ብዓርብን ቀዳምን [ብ5 ጳጉሜንን ሓደ መስከረምን] ኣብ ሓደ ጉድጓድ ሰለስተ ኣርባዕተ ኢና ቀቢርና። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጊዮርጊስ ጥራይ ኣብ ክልተ መዓልቲ ልዕሊ 50 ሰብ ቀቢርና" ኢሉ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ካብቲ ከባቢ ዝወጽአ ከድር ድማ ብ4 ጳጉሜን ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝነበረ ብምሕባር "ኣራሞ፣ ገደመዩ፣ ኣራዱም፣ ዳልቻ፣ ቀዩ ጋሪያ፣ ቀመሌ፣ ጮሪ፣ መንደፈራ፣ ገለሻን ጮቢ በርን ዝብሃሉ ጣብያታት ተደብዲበን'የን" ይብል።
ሓረስቶት ብምኽንያት እቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ናብ በረኻ ከም ዝኣተው ይዝረብ።
ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ቆቦ ዝርከቡ ትካላት መንግስቲ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝተዘምቱ ዝዛረብ ከድር ኣብ ልዕሊ ንብረት ውልቀሰባት'ውን ተመሳሳሊ ነገር ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ንርእሱ ናይ ንግዲ ትካሉ ከም ዝተዘምተ ዝዛረብ ሰይድ እዚ ንሓደ ኣመራርሓ ዕጡቓት ህወሓት ከመልክት እንከሎ "ኣነ ሰራዊት'የ ዝመርሕ፤ እዚ ጉዳይ ንኻልእ ዝምልከት ስለ ዝኾነ ከይድካ ኣመልክት" ምስ በሎ ከም ዝገደፎ ሓቢሩ።
ኣቶ ኣለሙ ብወገኑ "ኣይኮነን ናይ ድኳናት ኣቑሑ ዚንጎ ከይተረፈ'ዩ ተዘሚቱ" ኢሉ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣምሓራ ልሒኹ ይርከብ።
*[ኣብዚ ዛንታ ዝተረቑሑ ሰባት ንድሕነት ኣብ ቆቦ ዝርከቡ ኣባላት ስድራቤቶም ብዝብል ሽሞም ተቐይሩ'ዩ]






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







