ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ልዕሊ 70 ሰባት ብኮቪድ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 70 ሰባት ብኮቪድ-19 ህይቶም ከምዝሓለፈ ተመዝጊቡ።
ካብ ሚኒስትር ጥዕናን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብን ዝተረኸቡ ሓበሬታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ምስቲ ለባዳ ብዝዛመድ 34 ሰባት ሞይቶም።
ቅድሚኡ መዓልቲ: ሰኑይ ድማ፡ 38 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ፤ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ መዓልታት ጥራሕ 72 ሰባት ሞይቶም።
ብሰንኪ እቲ ለበዳ ህይወቶም ካብ ዝሓልፉ ሰባት ብተወሳኺ፡ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ብጣዕሚ ይዛይድ ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን ቁፅሪ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ዝሞቱን ዝልከፉን ሰባት ዝወሰኸ፡ 'ደልታ' ዝተብሃለ ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ ብምልብዑ ከምዝኾነ፡ ድኤታ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ደረጄ ዱጉማን ንመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ገሊፁ።
ሳልሳይ ዙር ለበዳ ኮቪድ-19 ከምዝተርኣየ ምልክት ዝተርኣየላ ኢትዮጵያ፡ 'ደልታ' ዝበሃል ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ 19 ከምዝተርኣየ፡ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ኔሩ።
ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ፡ እዚ 'ደልታ' ዝበሃል ዓሌት ኮቪድ ካብ ካልእ ዓሌት እቲ ቫይረስ ብኽልተ ዕፅፊ ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ከምዘለዎን፡ ዘስዕቦ ሕማም'ውን ልዑል ከምዝኾነን'ዩ ዝገልፅ።
ንኹሉ ክሊ ዕድመ ዘጥቅዕ እንትኾን፡ ንኸቢድ ሕማምን ሞትን ከምዘቃልዕን ብፍላይ ድማ ኣብ ዘይተኸተቡ ሰባት ከምዝብርትዕ ተሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትር ጥዕና ከምዝበሎ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን በዚ 'ደልታ' ተባሂሉ ዝፅዋዕ ቫይረስ ዝልከፉ፣ ናብ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ናይ ዝኣትዉን ዝሞቱን ሰባት ቁፅሪ ብዘሰምብድ መልክዑ ይውስኽ ኣሎ።
ሕብረተሰብ መምርሕታት ኮሮናቫይረስ ብዘይምኽባሩ ለበዳ እቲ ቫይረስ ክላባዕ ምኽንያት ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ክግለፅ ፀኒሑ'ዩ።
ቅድሚ ሕዚ ንመወዳእታ ግዘ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝዛመድ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመተ 2013 ዓ.ም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ልዕሊ 30 ሞት ተመዝጊቡ ኔሩ።
ብ19 ሚያዝያ 35 ሰባት፣ ብ20 ሚያዝያ 34 ሰባት ከምኡ'ውን ኣብ 25ን 30ን ሚያዝያ 31 ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኔሩ።
ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 'ደልታ'
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ሊያ ታደሰ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ዝኸፍአ ምዃኑ ተዛሪባ።
እዚ 'ደልታ' ዝተብሃለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ዝተኸተቡ ሰባት ዝህልዎ ጉድኣት ትሑት ስለዝኾነ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንክወስዱ ይመዓድ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ይላባዕ ብምህላዉ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሚኒስትር ጥዕና ቅድሚ ሒደት ሰሙን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግበኦም ስጉምትታት ዘውፅኦ መምርሒ ብምምሕያሽ፡ ብዕቱብ ተግባራዊ ክኸውን ኣዚዙ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ናይ ዝኽተቡ ሰባት ገደብ ዕድመ ብምንካይ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ክካተቱ ተጌሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ንሰብ ሞያ ጥዕና፣ ልዕሊ 65 ንዝዕድሚኦምን ካብ 50 ክሳብ 60 ዕድመ ዝርከቡ ግን ድማ ተደራቢ ሕማም ንዘለዎምን ሰባት ቀዳምነት ተዋሂቡ ኔሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ፡ እቲ ሕማም ኣዝዩ ኣብ ዝተላባዐላ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስኣበባ፡ ልዕሊ 35 ዓመት ንዝዕድሚኦም ነበርቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገርን ዕድመኦም ልዕሊ 55 ንዝኾኑ ሰባት ክታበት ከምዝወሃብ፡ ዶክተር ሊያ ታደሰ ምፍላጣ ይዝከር።
ኣብታ ሃገር፡ ዛጊድ 2 ነጥቢ 3 ሚልየን ህዝቢ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝተኸተበ ይግለፅ።
ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣሜሪካ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኢትዮጵያ "ደረጃ ሰለስተ" ብዝብል ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ምስ ዘንበረለን ሃገራት ኣካቲትዋ ኣሎ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብተን ኣብ "ደረጃ ሰለስተ" ዝተመደባ ሃገራት፡ ዘየገድድ መገሻ ከይገብሩ ይምዕድ።
ዝያዳ ካብዚ ምልባዕ ኮቪድ-19 ዘለወን ሃገራት ኣብ "ደረጃ ኣርባዕተ" ዝቕመጣ እንትኾና፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ናብዘን ሃገራት ከይገሹ ኣጠንቂቑ'ዩ።
ፍትሓውነት ክታበት
ኣፍሪቃ ኣብ ምምቕራሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ንድሕሪት ከምዝተረፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።
ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ነቲ እቲ ውድብ ኣብ መወዳእታ 2021 ኩለን ሃገራት 40 ሚኢታዊት ህዝበን ክኸትባ ዘውጸኦ ትልሚ ዝፍጽማ ሃገራት ኣፍሪቃ ክልተ ጥራሕ ከምዝኾና ኣፍሊጡ፡፡
እዚ ድማ ካብ ኩለን ኣህጉራት እቲ ዝተሓተ እዩ፡፡
ዛጊድ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 5.7 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝተውሃበ ዝገለፀ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግና 2 ሚኢታዊት ጥራሕ ከምዝተውሃበን፡ ክታበታት ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ እንድሕር ዘይተኸፋፊሉ እቲ ቫይረስ ቅርፁ ክቐያይር ዕድል ከምዝህቦ ኣፍሊጡ፡፡
በቲ ኣብ መጀመርታ 2020 ኣብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝተርኣየ ኮቪድ-19፡ ኣብ መላእ ዓለም ዛጊድ ልዕሊ 224 ሚልዮን ሰባት ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ ኣስታት 4 ነጥቢ 6 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ምሟቶም ፀብፃብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት፡፡
ሃገራት ኣመሪካ፣ ህንዲን ብራዚልን ዝለዓለ ቁፅሪ መልከፍቲ ዝተመዝገበለን ሃገራት ኮይነን ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሩስያን ፈረንሳይን ቀፂለን ዘለዋ ሃገራት እየን፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







