ኮቪድ-19፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ወሲኹ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱን ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዝኣትዉን ሰባት ብዘሰንብድ ኩነታት ከምዝወሰኸ፡ ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ ትማሊ 7 ሺሕን 676 ሰባት ተመርሚሮም፡ ካብ መንጎኦም እቶም 985 ሰባት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም ከምዝተረኽቡ ገሊጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዓሰርተ ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም እንትስእኑ፡ 19 ውልቀሰባት ድማ ናብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ኣትዮም ተባሂሉ።
"ብሓፈሻ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ዝርከቡ ሰባት ብዝሒ 448 በጺሑ" ኢሉ እቲ ትካል።
እቲ ትካል፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብታ ሃገር ሳልሳይ ዙር እቲ ለበዳ ዝጅምር ዘሎ ምዃኑ ዘርእዩ ምልክታት ምርኣዩ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
መጠን መልከፍቲ ‘ትሑት ነይሩ’ ኣብ ዝተብሃለሉ እዋን፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ መዓልታዊ 70 ሰባት ጥራይ ብኮሮናቫይረስ ይተሓዙ ከምዝበሩ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ግን እቲ ብዝሒ ኣዝዩ ወሰኽ ከምዘርአየ ይግለጽ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ዝተኻየዱ መጽናዕቲታትን ዳህሳሳትን፡ ሳልሳይ ዙርያ ኮቪድ-19 ከምዝጀመረ የመልክቱ።
እቲ ዝዓበየ ምኽንያት፡ ምስፍፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮቪድ-19 ዴልታ ቫይረስ እንትኸውን፡ እዚ ዓሌት’ቲ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዉ ዛጊድ ኣይተረጋገጸን።
እቲ ካልኣይ ዙር ምስ ተዛዛመ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ዕሽሽታ ከምዝተረኣየን መከላኸሊ መንገድታት ከምዘይዝውተርን ይዝርብ።
ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ሕማም ንምክልኻል፡ ቅድም ክብል ዝተቐመጡ፤ ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር፣ ጽሬት ኢድካ ምሕላውን ምፍንታትን ዝኣመሰሉ መንገድታት ደጊሞም ተግባራዊ ክግበሩ ጸዊዑ።
ከምኡ’ውን፡ ክትባት ኮቪድ-19 ብምውሳድ ነቲ ለበዳ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ከምዝከኣል እቲ ትካል ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊድ፡ 291 ሽሕን 216 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ምዃኖም ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ ካብ መንጎኦም፡ 266ሽሕን 80 ሰባት ካብቲ ሕማም መሊኦም እንትድሕኑ፡ 4505 ውልቀሰባት ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ህይወቶም ስኢኖም።
እታ ሃገር፡ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ 3,134 ሽሕ 967 ሰባት ምርመራ ከምዘካየደት መረዳእታት የመልክቱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







