እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣለማየሁ እሸቴ፡ መርኣያ ዘመናዊ ሙዚቃ ኢትዮጵያ
ድምጻዊ ኣለማየሁ እሸቴ፡ ዘመናዊ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ክልዓል እንከሎ ብቐዳምነት ካብ ሞንጎ ዝርቁሑ ስሙያት ስነ ጥበብ ሓደ'ዩ።
ንሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሙዚቃ ስራሕቶም ኣቐዲሞም ብዲስክ ካብ ሞንጎ ዘሐተሙ'ውን ከም ዝኾነ ይዝረብ።
ገዲም ስነ ጥበበኛ ኣለማየሁ እሸቱ ብ27ነሓሰ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብዝሓደሮ ናይ ልቢ ሕማም ሞይቱ ኣሎ።
ኣለማየሁ፡ ኣብ ልቢ ኣፍቀርቢ ዝተፈላለዩ ስራሕቱ ዓብዪ ቦታ ዘለዎ ሰብ'ዩ።
ፍልይ ብዝበለ ኣከዳድንኡን ናይ ጸጉሪ ቅድን ዝፍለጥ ስለ ዝኾነ መናእሰይ ይፈትውዎ።
እቲ ድምጻዊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ዩ ተወሊዱ። ምስ ዓበየ 'ክርስቲያን ኢንስቲትዩት ትሬኒንግ' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተማህረ ይዛረብ ነይሩ።
ኣብዚ መንፈሳዊ መዝሙራት ብምዝማር ይፍለጥ ነይሩ።
ድምጹ ብዙሓት ይፈትውዎ ስለ ዝነበሩ፡ ቀስ ብቐስ ኣብቲ እዋን ናይ ዝነበሩ ሙዚቃታት ሃገራት ምዕራብ ክደርፍ ጀሚሩ።
ብፍሉይ ናይ ሮክ ሙዚቃ ይፈቱ ከም ዝነበረ ይዝረብ።
ናይ ኣመሪካውያን ድምጻውያን ፓት ቦን፣ ቢል ሃሊይን ኤልቪስ ፕሪስሊን ድማ ብብዝሒ ይጻወት ነይሩ።
ደጋጊሙ ስራሕቲ ኤልቪስ ፕሪስሊ ብምጽዋቱ፣ ብናይ ጸጉሩ ቅድን ዘመናዊ ኣከዳድንኡን 'ኤልቪስ ፕሪስሊ' ዝብል ሳጓ ወጺኡዎ ነይሩ።
ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ጸጉሩ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ "ናይ ጸጉረይ ነዊሕ ስለ ዝነበረ ጸጉረይ ንኣፍንጫይ ይሽፍኖ ነይሩ" ክብል ንራድዮ ሸገር ተዛሪቡ'ዩ።
በዚ ህቡብነት እናረኸበ ዝመጽአ ኣለማየሁ፡ ኣብ ጀነራል ዊንጌት፣ ሚኒልክን ካልኦት ኣብያተ ትምህርትን ዕድመ እናተገበረሉ ይደርፍ ነበረ።
ኣብቲ ግዜ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ንዝተደረፉ ደርፍታት ብዙሕ ትኹረት ኣይነበሮን።
"ደሪፈ እንተተባህለ'ውን 'እንክርዳድ እንክርድድ የተንከረደደ' ዝብል ናይ ጥላሁን ገሰሰ ደርፊ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ናይዚ ምኽንያት እቶም ዝርእዮም ዝነበሩ ናይ ኢንግሊዘኛ ፊልምታት ጽልዋ ስለ ዘሕደርሉ'ዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፒያሳ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝነበረ 'ሲነማ ዓድዋን ሕጂ'ውን ዘለው ሲነማታት ኢምፓየርን ኢትዮጵያን ናይ ወጻኢ ሃገራት ፊልም እዮም ዘርእዩ ነይሮም።
ብስራሕቲ ፊልምን ሙዚቃን ሆሊውድ ዝተመሰጠ ኣለማየሁ፡ ካብ ጁባ ኣቡኡ ዝረኸባ 100 ብር ሒዙ ምስ ሓደ መሓዝኡ ናብ ሆሊውድ ክኸይድ ጉዕዞ ጀሚሩ ነይሩ።
ይኹን'ምበር ኣብ ዝሓሰቡዎ ከይበጽሑ ኣብ ምጽዋዕ ተታሒዞም ተመሊሶም።
ኣለማየሁን ናይ ሙዚቃ ስራሕቱን
ድምጻዊ ኣለማየሁ ተመሃሪ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣርበኞች እናሃለወ ብ1995 ዓ.ም ናብ ፖሊስ ኦርኬስትራ ተጸምቢሩ።
ድሕሪኡ ምስ ሮሃ ባንድ፣ ሸበሌ ባንድ፣ ኣይቤክስ ባንድ፣ ኣለም ግርማ ባንድ፣ ከምኡ'ውን ናይ ባዕሉ ዝኾነ ሶሊኮስ ባንድን ምስ ባንድ ሙላቱን ብምዃን ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ'ዩ።
'የወይን ሐረጊቱ'፣ 'እንዲህ ነው ወይ መውደድ'፣ 'ማሪኝ ብየሻለሁ'፣ 'ማን ይሆን ትልቅ ሰው'፣ 'እንደ አሞራ'፣ 'ምሽቱ ደመቀ'፣ 'ችግርሽ በእኔ አልፏል'፣ 'የሰው ቤት የሰው ነው'፣ 'ደንየው ደነባ'፣ 'ወልደሽ ተኪ እናቴ'፣ 'ለሰሚው ይገርማል'፣ 'ስቀሽ አታስቂኝ'፣ 'የአባይ ዳር እንኮይ'፣ 'ኮቱማ ፍቅርዬ'፣ 'አዲስ አበባ ቤቴ'፣ 'እንግዳዬ ነሽ'፣ 'ተማር ልጄ'ን ካልኦትን ይጥቀሱ።
ብፍላይ 'ተማር ልጄ' ብዙሓት ወለዲ ደቆም ዝመኽሩሉን ዝግስጽሉን ናይ ሙዚቃ ስራሑ'ዩ።
እዚ ልዕሊ 35 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። በዚ ሙዚቃ'ውን ብ2015 ዓ.ም ኣብ ጀርመን ሽልማት ረኺቡ'ዩ።
ስነ ጥበብ ሓቂ ሒዙ ክጉዓዝ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ዝዝረብ ኣለማየሁ፡ ኣብ ዘመኑ ደፊሩ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ስራሕቲ ሙዚቃ ሰሪሑ'ዩ።
ንኣብነት፡ "ሃይ ዘራፍ እያሉ እያረረ አንጀቴ፣ እኔስ አልረባሁም ወልደሽ ተኪ እናቴ" ዝብል ምንጋዕ ፍትሒ ዝተዛረበሉ ሕደማ ምጥቃስ ይክኣል።
"ኣብ ህይወተይ ፍርሒ ኣይፈቱን፤ ስነ ጥበበኛ ህዝቢ ክጠሚ እንከሎ ዝጠሚ፣ እንትጽገም ዝጽገም፣ ታሪኽን ጅግንነትን ብግልጺ ዝዛረብ እምበር ብሓቂ ብዙሓት ዝሽቅጥ ክኸውን ኣይግባእን" ክብል ኣብ ሓደ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ድምጻዊ መርኣያ ጽቡቕ ህይወት'ውን ከም ዝኾነ ይንገር።
ጌና ከይተፈልጠ እንከሎ ምስ ዝተላለያ ፍቕረኝኡን በዓልቲ ቤቱን ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ሓዳር ጸኒሑ'ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ብምኽንያት ሕልፈቱ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።