ኣብ ዩኒቨርስቲ ቻይና ቤይጂንግ ቋንቋ ኣምሓርኛ እተምህር ቻይናዊት

ቻይና

ምንጪ ስእሊ, ZHANG CHUNGAI

ጃንግ ቹንጋይ ትባሃል። ቻይናዊት ኮይና ንሳ ግን “ፍርቂ ጎነይ ኢትዮጵያዊት እየ” ትብል። ነዚ ክትብል ዝኸኣለትሉ ምኽንያት ድማ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብምኽኣላ ጥራይ እዩ።

ዕላልና ክንቕጽል ብምሕሳብ “ቹንጋይ” ክብል ጸዋዕኽዋ። ንሳ ግን “ጸደይ ኢልኪ ጸውዕኒ” በለትኒ - ጸደይ ጃንግ።

“ጸደይ ጃንግ እባሃል። ኣብ ዩኒቨርስቲ ቤጂንግ ናይ ደገ መጽናዕቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ እምህር” ክትብል ንነብሳ ኣላለየት። ጸደይ ዝብል ስም ዘውጸኣትላ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢራታ እተምህር ኢትዮጵያዊት ዶክተር ስንቅነሽ ኣጣለ ትባሃል።

ቻይናዊ ስማ ‘ቹንጋይ’ እዩ። ኣብዚ ስም ነተን ኣብ ቅድሚት ዘለዋ ‘ቹን’ ዝንበባ ፊደላት ወሲድካ ‘ጸደይ’ [ጽድያ] ዝብል ትርጉም ትረክብ። በዚ ምኽንያት ድማ ጸደይ ተባሂላ።

“ጸደይ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉጥ ናይ ጓልኣንስተይቲ ስም ከምዝኾነ እፈልጥ’የ። ስመይ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎ” በለትኒ።

ልክዕ ከም ኣፉ ዝፈትሕ ቆልዓ ኮልተፍተፍ እናበለት ኣምሓርኛ ክትዛረብ ከላ ጽቡቕ ለዛ ትሰምዕ። ኣብ ጽሑፍ ኮነ ዘረባ ቅኑዕ ዝኾነ ሙሉእ-ሓሳብን ግቡእ ቃላትን ትጥቀም።

ብርግጽ ንሳ ንቋንቋ ኣምሓርኛ ብልምዲ ጥራሕ ኣይኮነትን ረኺባቶ፤ ብትምህርቲ ዘማዕበለቶ ‘ምበር። ካብ 2009 ክሳብ 2012 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተማሂራ ቀዳማይ ዲግሪኣ ረኺባ’ያ። ክእለታ ዘማዕበለቶ’ውን ኣብቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ጻንሒታ’ዩ።

ቀሊል ከምዘይነበረ ግን ትዛረብ። “ብፍላይ ኣብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዘላ ‘ኣለ’ [በለ] እትብል ቃል ንኽፈልጣ ፈተና ኮይናትኒ ነይራ” ክትብል ትዛረብ።

“እቲ ቃል ቀሊል’ኳ እንተኾነ፤ ዝተፈላለዩ ቅርጽታት ማለት ኣልኩ [በልኩ]፣ እያልኩ [እናበልኩ]፣ ብዬ [ኢለ]፣ እላለሁ [ክብል’የ] ኣላልኩም [ኣይበልኩን] . . . ዝብሉ ኣገላልጻታት ስለዘለዎ ከምኡ’ውን ጠቢቑን ፎዂሱን ስለዝንበብ ኣጸጊሙለይ” ኢላትኒ።

ሎሚ ግን ነቲ ቃል ብግቡእ ትጥቀመሉ። ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝሕተሙ ጋዜጣታትን መጽሔታትን ኣጸቢቓ’ያ ተንብብ። ዘ-ሓበሻን ፌደራልን ነጋሪትን ዝበዝሕ እዋን እተንብቦም ጋዜጣታት ነይሮም።

ብኣምሓርኛ ዝስርሑ ፊልምታትን ድራማታትን እውን ብቐጻሊ ትከታተል ነይራ። ካብ ሞንጎ ዝረኣየቶም ድማ ‘ሜድ ኢን ቻይና’ ዝብል ብዝያዳ ትፈትዎ። ‘በቀናት መካከል’ ዝብል ተኸታታሊ ናይ ቴሌቪዥን ድራማ’ውን ከምዝረኣየቶ ትዛረብ።

ጸደይ ንስነጽሑን ቋንቋ ኣምሓርኛ ጋሻ ኣይኮነትን። ‘ከኣድማስ ባሻገር’፣ ማህሌት፣ ‘ጠይም እንቁ’፣ ‘የኦጋዴን ድመቶች’ ከምኡ’ውን ‘ከቡስካ በስተጀርባ’ ዝብል ርእሲ ዘለዎም ድርሰታት መጻሕፍቲ ኣንቢባቶም’ያ። ኣይመልኣቶን እምበር ‘ፍቅር እስከ መቃብር’ ዝብል ርእሲ ዘለዎም ልቦለድ መጽሓፍ ኣምሓርኛ ክተንብብ ጀሚራቶ ነይራ።

ጸደይ ምስ ኣምሓርኛ እንታይ ኣራኸባ?

መምህር ምዃን ገና ካብ ግዘ ቆልዕነታ ዝነቅል ባህጋ ነይሩ። ንሞያ መምህርነት ዓሚቝ ፍቕሪ ነይርዋ። ነቲ እትፈትዎ ሞያ ምስ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዘተኣሳሰረላ ግን ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ምምጽኡ’ዩ።

ርክብ እተን ሃገራት እናደልደለ’ኳ እንተመጽአ ግን ኣምሓርኛ ዝዛረብ ቻይናዊ ግን ብዙሕ የለን። እዚ ክፍተት ከኣ ንጸደይ [ቹንጋይ] ዓዚዙ ተረኣያ።

ርክብ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ክጸንዕ እንተኾይኑ ቋንቋ ዝህልዎ እጃም ግብራዊ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዋ። በዚ ምኽንያት ከኣ አምሓርኛ ክተምህር ዝለዓለ ድልየት ኣሕደረት። ዝሓሰበቶ ካብ ምፍጻም ዝዓገታ ዋላ ሓደ ነገር ኣይነበረን።

“ቋንቋ ሓድሽ ፍልጠት ክትረክብ ዘኽእል ወሳኒ ነገር’ዩ፤ ነዚ ወሳኒ ነገር ብምሓዝ ከኣ ንኢትዮጵያ ኣጸቢቐ ክፈልጣ ዘኽእለኒ ጉዕዞ ጀሚረ ኣለኹ” ትብል ቻይናዊት ጸደይ።

ኣብ ርክብ ኢትዮ-ቻይና ብፍላይ ኣብ መዳይ ምትእስሳር ባህሊ እጃማ ንምፍጻም ተስፋ ብምግባር ትጽዕር።

ብድሆታትት

መምህር ቋንቋ ኣምሓርኛ ብምዃን ብዙሓት ብድሆታት ከምዘጓነፍዋ ትዛረብ። እቲ ኣብዚ እዋን ትሰርሓሉ ዘላ ክፍሊ ትምህርቲ ኣብ ቻይና ፈላማይ ብምዃኑ ቁሩብ ከይፈተና ኣይተረፈን።

ብናይ ቻይና ቋንቋ ዝተጽሓፉ ናይ ኣምሓርኛ መምሃሪ መጻሕፍቲ የለዉን። ናይ መምህርነት ተሞክሮ’ውን የብላን። ግን ከኣ እዞም ብድሆታት ንጸደይ ኣይሰዓርዋን።

“ሓድሽ ነገር ክጀመር ከሎ ብድሆታት ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕ ዕድል’ውን ሒዙ ክመጽእ ይኽእል’ዩ” እትብል ጸደይ እቲ ክፍሊ ትምህርቲ ምስተኸፈተ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ጻውዒት ከምዝቐረበላ ትዛረብ።

“ብዙሓት ትካላት ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝኽእል ቻይናዊ ክቖጽሩ ከምዝደልዩን እቶም ተምሃሮ ምስተመረቑ ኣብቶም ትካላት ክቖጽርዎም ከምዝኽእሉን ነጊሮምኒ ኣለዉ” ትብል።

“ውጽኢታት ስነጽሑፍ ኢትዮጵያ ናብ ናይ ቻይና ቋንቋ”

ጸደይ ኣብዚ እዋን ዝበጽሓትሉ ክእለት ቋንቋ ኣምሓርኛ ብትምህርቲ ክተማዕብሎ ዝለዓለ ድልየት ኣለዋ። ቀዳምነት እትህቦ ጉዳይ እዩ። ብኣምሓርኛ ኣጸቢቓ ዝተራቐቕኩ ክትኸውን ትብህግ።

ትሰርሓሉ ሰላ ክፍሊ ትምህርቲ ብናይ ቻይና ቋንቋ ዝተጽሓፉ መምሃሪ መጻሕፍቲ፣ መዝገበ-ቃላትን ካልኦት ሓገዝቲ መጻሕፍትን ስለዘድልይዋ ክተዳልዎም ትልሚ ኣለዋ።

ብዘይካ’ዚ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተዳለዉ ውጽኢታት ስነጽሑፍ እውን ናብ ናይ ቻይና ቋንቋ ንምትርጓም ሓሳብ ኣለዋ። “ጊዜ ዝወስድ እንተኾነ’ኳ ባህሊ ኢትዮጵያ ንቻይናውያን ኣብ ምልላይ ክሰርሕ እየ” ክትብል ውጥናታ ተረድእ።

ንሳ ጥራይ ዘይኮነትስ ተምሃሮኣ እውን ድሕሪ ሒደት ዓመታት ተመሳሳሊ ስራሕ ክሰርሑ ገይራ ክተብቅዖም ብትግሃት ትሰርሓ ኣላ። ኣብዚ እዋን 12 ቻይናውያን ተምሃሮ ኣለዉዋ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ቤይጂንግ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብደረጃ ቀዳማይ ዲግሪ ክወሃብ ምዃኑ፤ ኣብ ቻይና ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብመዓርግ ሚንስትርነት ሓላፊ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣይተ ሳሙኤል ፍጹምብርሃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ቻይናውያን ቋንቋ ኣምሓርኛ ክመሃሩ ዘለዎም ድልየት እናወሰኸ ብምምጽኡን ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ይድልድል ስለዘሎን እቲ ቋንቋ ብደረጃ ዲግሪ ንኽወሃብ ኣብ ውሳነ ከምዝተበጽሐ ሓቢሩ ነይሩ።

በዚ መሰረት ነቲ ቋንቋ ክመሃሩ ድልየት ዘለዎም 30 ቻይናውያን ተመዝጊቦም እቶም 12 ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ይርከቡ።