እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሕጋዊ ጉዳይካ ሮቦት ክጣበቐልካ ምፈቐድካ'ዶ?
ዝቕጽል ጠበቓኻ ሮቦት ክኸውን ይኽእል'ዶ ይኸውን? ምናልባት እዚ ነገር ርሑቕን ዝተጋነን ክመስል ይኽእል እዩ። ግን እቲ 'ብሶፍትዌር' ዝምእዘዝ ሰብ ሰርሖ ኣርተፊሻል ኢንተሌጀንስ፡ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራማት ዘማሓይሽን ባዕሎም ከም "ዝሓስቡ" ዝገብርን መሳርሒ፡ ኪኢላታት ማሕበረሰብ ሕጊ ይጥቀመሉ ኣለው።
ጆሽዋ ብሮውደር፡ ነቲ ዱ-ኖት-ፐይ- (ኣይትኽፈል) ክብል ዝሰመዮ ኮምፒተራይዝ መተገባበሪ (ኣፕሊኬሽን) "ናይ ዓለም ናይ መጀመርታ ጠበቓ ሮቦት" ክብል ሰምዩዎ ኣሎ።
ንተጠቀምቲ ሕጋዊ ደብዳቤታት ንኸርቅቑ ክሕግዞም እዩ። ነቲ ሮቦት ጸገምካ እንታይ ምዃኑ ምስነገርካዮ፡ ንኣብነት እቲ ሽግር ናይ መኪና ፓርኪን ጉዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ዝበለጸ ሕጋዊ ቋንቋ ክትጥቀም ከም ዘለካ ክመክር ይኽእል እዩ።
"ሰባት ኣብ ጐድኒ እቲ ሮቦት ኰይኖም ነቲ መጐተ ምኽሪ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ክጽሕፉዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ እተማህረ ናይ ማሽን ሶፍትዌር ከኣ ብሕጋዊ መገዲ ቅኑዕ ቃላት ብምዝውታር ንክጥቀሙ ክሕግዝ እዩ" ይብል።
እዚ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ስንጭሮ ሲሊኮን እተመስረተ ኩባንያ ናይ ወዲ 24 ዓመት ብሮውደር፡ ቀንዲ መበቈሉ ኣብ ለንደን ኮይኑ፡ ኣብ 2015 ገና ወዲ 18 ዓመት እንከሎ'ዩ ነቲ ሓሳብ ኣንቂሉዎ።
" ኣብ እዋን ጉብዝናይ ኣብ ሄንዶን ሰሜን ለንደን እናነበርኩ ዘስካሕክሕ መራሕ መኪና እየ ነይረ። ብሰንኩ ከኣ ክኸፍሎ ዘይክእል ብዙሕ መቕጻዕቲ ናይ ፓርኪን ይመጽኣኒ ነይሩ" ይብል።
ሚስተር ብሮውደር፡ ድሕሪ ብዙሕ ምርምርን መጽናዕትን ምእካብ፡ ነቲ መቕጻዕቲ ዘፋኹስ ምጕት ከምዝረኸበ ይገልጽ። "መቕጻዕትኻ ከፋኹሰልካ ዝኽእል፡ ምላሽ ከተቕርብ እንተኺኢልካ ብዙሕ ገንዘብን ግዜን ከተድሕን ትኽእል ኢኻ " ክብል ተመኩሮኡ የካፍል።
ኩሉ ሳዕ ካብ ዝቐደመ ደብዳበ እናቐዳሕካ ተመሳሳሊ ደብዳበ ክንዲ ተቕርብ " ነቲ ዕዮ ዘከናውን ሶፍትዌር ምጥቃም ኣገዳሲ ነይሩ። ስለዝኾነ ኣብ 2015 ኣብ ሒደት ሳምንታት "ንስድራ ቤተይ ንምምሳጥ "ዱ-ኖት-ፐይ- (ኣይትኽፈል)" ዝሰመኹዎ ሶፍትዌር ፈጢረ" ይብል።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ መተገባበሪ (ኣፕሊኬሽን) ኣብ መላእ ምድረ ብሪጣንያ ተዘርጊሑስ ሰባት ንዝተፈላለዩ ጉዳያት ንምምጓት፡ ንኣብነት፡ ደብዳበታት ንምጽሓፍ፡ ናይ መድሕን (ኢንሹራንስ) ሕቶ፡ ናይ ቱሪስት ቪዛ ንምሕታት፡ ናብ ናይ ንግዲ ወይ ከባብያዊ ምምሕዳር ሕቶ ንምሕታት፡ ገንዘብካ ክምለሰልካ ንሰበስልጣን ምጥራዕ፡ ክትከዶ ንዘይትኽእል ናይ መገሻታት ትኬት ንክትስርዞ ገንዘብካ ከምዝምለሰልካ ንምግባርን ናይ ጂምናዝዩም ኣባልነት ንምስራዝን ክሕግዝ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ከኣ እቲ ሶፍትዌር ብዙሕ ጠለብን ረብሓን ከምእተረኽቦ ሚስተር ብሮውደር ይሕብር።
እቲ "ዱ-ኖት-ፐይ (ኣይትኽፈል)" ዝተሰምየ መተገባበሪ ኣፕሊኬሺን ሕጂ ኣስታት 150,000 ከፊሎም ዝጥቀሙ ሰባት ኣለውዎ። ዋላኳ ብዙሓን ሃያስያንን ነቐፍትን እቲ ሶፍትዌር ሕጋዊ ጉዳይ ብብቕዓት ክፍጽም ኣይክእል እዩ ዝብል ምጕት እንተቕረቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብማሕበር ጠበቓታት ኣመሪካ ኣብ ሕጋዊ መዳያት ኣበርክቶ ብምግባሩ ተሸሊሙ ኣሎ።
ሚስተር ብሮውደር፡ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ናይ መኪና ፓርኪን ክስታት ጉድለት ስለዝጸንሖም ካብ 80% ሓፈሻዊ መጠን ዓወት እቲ ሶፍትዌር፡ ናብ 65% ወሪዱ ኣሎ።
ጠበቓታት እዚ ናይ ኮምፒዩተር ሶፍትዌር ኣብ ስርሖም ከይቃጸጾም ስግኣት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር እቲ ሶፍትዌር ንቕልጡፍ ኣሳልጦ ሕጋዊ ጉዳያትን ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ዶክሜንት ክሰርዕ ስለዝኽእልን ሕጉሳት እዮም።
ሓንቲ ካብዞም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ናይ ሕጊ ትካል፡ ጕጅለ 36፡ ኣብ ገበናዊ ጉዳያት እትሳተፍ እዩስሊ ሆብሰን እትበሃል ኣብ ቤት ፍርዲ እትማጒት ባሪስተር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ነቲ ኢንተለጄንስ ሶፍትዌር AI ኣብ እተሓላለኸ ናይ ቅትለት ፈተና ከምእተጠቕመትሉን፡ ንልዕሊ 10,000 ሰነዳት ብቕልጡፍ ንምምርማር ከምዝሓገዛን ገሊጻ።
እቲ ሶፍትዌር፡ ነቲ ዕዮ ኣብ ኣርባዕተ ሰሙን ቀልጢፉ ብምጥንቓቕ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ብ50,000 ፓውንድ ኣድሒኑዎ ።
ጠበቓታት ሓገዝ ኢንተለጄንስ ሶፍትዌር AI ምጥቃም ልሙድ ገይሮምዎ ምህላዎም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሊሙንስ ኤለኖር ዌቨር ይገልጽ።
ኣብ 55 ሃገራት ዝርከባ ልዕሊ 300 ዝዀና ካልኦት ትካላት ሕጊ እውን ፡ብ80 ቛንቋታት ይጥቀማሉ ኣለዋ።
ሚስ ዊቨር፡ "ቅድሚ ሕጂ ሰነዳት ዘረጋግጽን ዝፍትሽን ብዙሕ ዓይነት መሳርሒ ነይሩ ግን ኣይከምዚእዋንን። እዛ ሎሚ ዘላ እተራቐቐት ሶፍትዌር፡ ንቓላትን ንሓረጋትን ከተራኽብ ትኽእል እያ" ትብል።
እዛ ኢንተለጄንስ ሶፍትዌር AI ንጠበቓታት ሰነዳዊ መርትዖታት ንክሕዙ ጥራይ ኣይኰነን እትሕግዝ ። ነቲ ጕዳዮም ብቕደም ተኸተል ከዋድድዎን ክዳለውን ትሕግዝ። ኣብ ርእሲኡ ንምጕቶም ዝሕግዝ ሕጋዊ ቅድመ-ኵነት ንኺረኽቡ እውን ምርምር ተካይድ እያ።
ነቲ ኢንተለጄንስ ሶፍትዌር AI እቲ ጉዳይ ምስ ኣቕረብካሉ፡ ንኹሉ ሰነዳት ርእዩ፡ ኣብቲ ሕጋዊ መዳይ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ መነመን ምዃኖም ርእዩ ቅደም ተኸተል ናይ ፍጻሜታት ግዜን ዕለትን ሰሪዑ ብምቕራብ ነቲ ኩነታት ዝገልጽ ጸብጻብ ከቕርብ ይኽእል።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ቀንዲ ናይ ቴክኖሎጂ ሓላፊ ናይ ደሎየት ሊጋል ዝኾነ ብሩስ ብራዱ፡ ሕጋዊ ናይ ሕሳብ ዓርሞሸሽ ደሎየት ሶፍትዌር፡ እቲ ታክስ-I ሶፍትዌር ኣብ ታሪኻዊ ናይ ቤት ፍርዲ ሓበሬታ ተመሳሳሊ ናይ ግብሪ ይግባይ ጉዳያት ክትንትን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ይኹን እምበር፡ ኢንተለጄንስ ሶፍትዌር AI፡ ሕጋዊ ደብዳበ ክጽሕፍን ንደቂ ሰባት ጠበቓታት ክሕግዝ ዝኽእልን እኳ እንተ ኰነ፡ ሰብ ሞያ ሮቦት ጠበቓታትን፡ ሮቦት ደያኑን ዝራኸብሉ እዋንሲ ቀረባ ኣይመስልን።
ሮቦታታት ንደቂ ሰባት ተኪኦም ዳኛ ናይ ጉዳያት ኮይኖም ክቐርብ ይኽእል'ዶ ዝብል ዘረባ ገና ነዊሕ መገድን ጉዕዞን ከምዘድልዮ ኪኢላታት ይገልጹ።