እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና፡ ናብ ማርስ ዝለኣኸቶ ሮቦት ብሰላም ከምዝዓለበ ተገሊጹ
ቻይና ናብ ማርስ ዝለኣኸቶ ዝሆሮግ ዝሰመየቶ ሮቦት ብዓወት ኣብ ማርስ ከምዝዓለበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
እቲ 6 እግሪ ከምዘለዎ ዝተዘረበሉ ሮቦት ናብ ሰሜናዊ ክፋል ማይ ማርስ ንክዓልብ ዕላማ ተገይሩ እዩ ተሰዲዱ።
እቲ ሮቦት መከላኸሊ ዝኸውን ቀጸላ፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብህድኣት ከዕልቦ ዝኽእል ፓራሹትን ንቅድሚት፤ንድሕሪት፤ንላዕሊ ንታሕቲ ከኺዶ ዝክል ሮኬትን እዩ ተገጢምሉ።
ካብ መሬት ናብ ማርስ ዝግበር ጉዕዞ ከቢድ ስለዝኾነ እቲ ሮቦት ኣብ ማርስ ብሰላም ምዕላቡ ሓደ ዓቢ ዓወት ከምዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ኣመሪካ’ውን ብተመሳሳሊ መንኮርኮር ናብ ማርስ ኣዕሊባ ከምዝነበረት ዝዝከር ኮይኑ ቻይና ካልኣይቲ ሃገር ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።
ፕረዚደንት ቻይና ዚ ጂንግ ነተም ነዚ ክዉን ዝገበሩ ተመራመርቲ ስነ ህዋ እንቋዕ ሓጎሰኩም ብምባል ‘ዝንኣድ ዓወት’ ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሰዱድሎም።
እቲ ሮቦት ብናይ በይጂንግ ኣቆጻጽራ ሰዓት ቀዳም ንግሆ ሰዓት 07:18 ኣብ መሬት ናይ ማርስ ከምዝዓለበ ተሓቢሩ።
እቲ ሮቦት ነቲ ኣብ ዝባኑ ዝተሓንገጦ መሳርሒ ጸሓያዊ ጽዓት ዘርጊሑ መልእኽቲ ናብ መሬት ክሳብ ዝሰድድ 17 ደቓይቕ ወሲድሉ።
እቲ ቻይና ናብ ማርስ ዝልኣኸቶ ሮቦት ዝሆሮግ ዝብል ስም እያ ሂባቶ፡ ትርግሙ ኸኣ ኣምላኽ ናይ ሓዊ ማለት ኮይኑ እታ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መሬት ዝዓለበት ትያንወን 1 ዝተሰመየት ሮኩት እያ ወንጪፋቶ።
እቲ 240 ኪሎ ግራም ዝመዘን ሮቦት ኣብ ከባቢ ማርስ ብምዃን ናብ መደበር ጠፈር ህዋ ቻይና ኣዝዩ ንጹር ስእልታት ናይ ማርስ ናብ መሬት ክሰድድ ከምዝጸንሐ’ውን ተገሊጹ።
ካብ መሬት ናብ ማርስ 320 ሚልዮን ኪሎሜተር ራሕቂ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ማርስ ዝተሰደደ ናይ ራድዮ መልእኽቲ ናብ መሬት ንኽበጽሕ ብውሕዱ 18 ደቓይቕ ይወስደሉ።