ቻይና፡ ናብ ማርስ ዝለኣኸቶ ሮቦት ብሰላም ከምዝዓለበ ተገሊጹ

እቲ ሮቦት ከመይ ከምዝዓለበ ዘርኢ ኣቐዱሙ ዝተዳለወ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, CNSA

መግለጺ ስእሊ, እቲ ሮቦት ከመይ ከምዝዓለበ ዘርኢ ኣቐዱሙ ዝተዳለወ ስእሊ

ቻይና ናብ ማርስ ዝለኣኸቶ ዝሆሮግ ዝሰመየቶ ሮቦት ብዓወት ኣብ ማርስ ከምዝዓለበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

እቲ 6 እግሪ ከምዘለዎ ዝተዘረበሉ ሮቦት ናብ ሰሜናዊ ክፋል ማይ ማርስ ንክዓልብ ዕላማ ተገይሩ እዩ ተሰዲዱ።

እቲ ሮቦት መከላኸሊ ዝኸውን ቀጸላ፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብህድኣት ከዕልቦ ዝኽእል ፓራሹትን ንቅድሚት፤ንድሕሪት፤ንላዕሊ ንታሕቲ ከኺዶ ዝክል ሮኬትን እዩ ተገጢምሉ።

ካብ መሬት ናብ ማርስ ዝግበር ጉዕዞ ከቢድ ስለዝኾነ እቲ ሮቦት ኣብ ማርስ ብሰላም ምዕላቡ ሓደ ዓቢ ዓወት ከምዝኾነ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ሮቦት ካብ ከባቢ ማርስ ብምኳን ናብ መሬት ክልእኮ ዝጸንሐ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, CNSA

መግለጺ ስእሊ, እቲ ሮቦት ካብ ከባቢ ማርስ ብምኳን ናብ መሬት ክልእኮ ዝጸንሐ ስእሊ

ቅድሚ ሕጂ ኣመሪካ’ውን ብተመሳሳሊ መንኮርኮር ናብ ማርስ ኣዕሊባ ከምዝነበረት ዝዝከር ኮይኑ ቻይና ካልኣይቲ ሃገር ኮይና ተመዝጊባ ኣላ።

ፕረዚደንት ቻይና ዚ ጂንግ ነተም ነዚ ክዉን ዝገበሩ ተመራመርቲ ስነ ህዋ እንቋዕ ሓጎሰኩም ብምባል ‘ዝንኣድ ዓወት’ ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሰዱድሎም።

እቲ ሮቦት ብናይ በይጂንግ ኣቆጻጽራ ሰዓት ቀዳም ንግሆ ሰዓት 07:18 ኣብ መሬት ናይ ማርስ ከምዝዓለበ ተሓቢሩ።

ኣብ ማርስ ምስ ዓለበ 'ፓነል' ናይ ጽሓያዊ ጸዓት ከመይ ገይሩ ከምዝዝርግሖ ዘርኢ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ንድፊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማርስ ምስ ዓለበ 'ፓነል' ናይ ጽሓያዊ ጸዓት ከመይ ገይሩ ከምዝዝርግሖ ዘርኢ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ንድፊ

እቲ ሮቦት ነቲ ኣብ ዝባኑ ዝተሓንገጦ መሳርሒ ጸሓያዊ ጽዓት ዘርጊሑ መልእኽቲ ናብ መሬት ክሳብ ዝሰድድ 17 ደቓይቕ ወሲድሉ።

እቲ ቻይና ናብ ማርስ ዝልኣኸቶ ሮቦት ዝሆሮግ ዝብል ስም እያ ሂባቶ፡ ትርግሙ ኸኣ ኣምላኽ ናይ ሓዊ ማለት ኮይኑ እታ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መሬት ዝዓለበት ትያንወን 1 ዝተሰመየት ሮኩት እያ ወንጪፋቶ።

እቲ 240 ኪሎ ግራም ዝመዘን ሮቦት ኣብ ከባቢ ማርስ ብምዃን ናብ መደበር ጠፈር ህዋ ቻይና ኣዝዩ ንጹር ስእልታት ናይ ማርስ ናብ መሬት ክሰድድ ከምዝጸንሐ’ውን ተገሊጹ።

ካብ መሬት ናብ ማርስ 320 ሚልዮን ኪሎሜተር ራሕቂ ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብ ማርስ ዝተሰደደ ናይ ራድዮ መልእኽቲ ናብ መሬት ንኽበጽሕ ብውሕዱ 18 ደቓይቕ ይወስደሉ።