ስነ-ጠፈር፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ካልእ ፕላነት ዝበረረት ሄሊኮፕተር ትካል ጠፈር ኣመሪካ

ኢንጂኒውቲ ኣብ ገጽ ማርስ ክትበርር ዘርኢ ናይ ቪድዮ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, ኢንጂኒውቲ ኣብ ገጽ ማርስ ክትበርር ዘርኢ ናይ ቪድዮ ምስሊ

ትካል ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ)፡ ሓንቲ ንኡሽቶ ሄሊኮፕተር ኣብ ፕላነት ማርስ ንፈለማ እዋን ብዓወት ኣብሪሩ።

እታ 'ኢንጂኒውቲ' (ብልሓት) ዝተሰምየት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት፡ ካብ ምድሪ ናይታ ፕላነት ተላዒላ ንትሕቲ ሓደ ደቒቕ ጥራይ'ኳ እንተበረረት፡ ናሳ ግን፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ካልእ ፕላነት ዝተፈተነ በረራ ብምዃኑ ሓጎሱ ወሰን የብሉን።

እቲ በረራ ዕውት ከምዝነበረ ዝገልጽ ሓበሬታ ብመንገዲ ኣብ ጠፈር እትርከብ ካልእ ሳተላይት ናብ ምድሪ ከምበጽሐ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝመጽእ መዓልታት፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ በረራታት ከምዘካይድ እቲ ትካል ቃል ኣትዩ'ሎ።

ንብቕዓት ናይቲ ዝተጠቕመሉ ቴክኖሎጂ ንምፍላጥ፡ ኢንጂኒውቲ፡ ካብዚ ናይ ሕጂ ዝበረኸን ዝረሓቐን በረራታት ከተካይድ ትጽቢት ይግበረላ።

"ሎሚ፡ ሰባት ኣብ ካልእ ፕላነት ነፋሪት ክብርሩ ኪኢሎም ኣለዉ ክንብል ንኽእል ኢና" ትብል ብሓጎስ ዝተፈንጨሐት ኣብቲ ኣብ ፓሰዲና ዝርከብ ጀት ፕሮፓልሽን ላቦራቶሪ፡ ኣካያዲት ፕሮጀክት ኢንጂኒውቲ ዝኾነት ሚሚ ኣንግ።

ጽላሎት

ምንጪ ስእሊ, NASA

መግለጺ ስእሊ, እታ ሄሊኮፕተር፡ ኣብ በረራ እንከላ ዝሰኣለቶ ጽላሎታ

"ንነዊሕ እዋን፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ደቂ-ራይት ኣብ ማርስ ከነበስር ኢና ሃንቀው ንብል ነይርና፡ እነሆ ድማ ኮይኑ" ክትብል ብሓበን ገሊጻ።

ኣብ 1903 ዊልበር ሪይትን ኦሊቨር ራይትን ዝተባህሉ ክልተ ኣሕዋት፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓለም ነፋሪት ዘብረሩ ምዃኖም ይፍለጥ።

እታ ኣብ ሰማያት ማርስ ሓጺር በረራ ዘካየደት ኢንጂኒውቲ'ውን፡ ንዝኽሪ ናይ ደቂ-ራይት ዘካየድዎ ታሪኻዊ ምህዞ፡ ኣብ ሓደ ክንፊ ናይታ ቅድሚ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዘብረርዋ ዝተጠቕምሉ ጨርቂ ሒዛ'ያ ፈላሚ ናይ ፈተነ በረራ ፈጺማ ዘላ።

እታ 'ማርስ-ኮፕተር' ንኣስታት 3 ሜትሮ ንላዕሊ ብምድያብ፡ ንሓደ ደቒቕ ዘይመልእ በረራ ኣካይዳ'ያ ዓሊባ።

ኣብ ሰማያት ናይታ ቀያሕ ፕላነት በረራ ምክያድ ቀሊል ኣይኮነን። ጠፈራ ኣዝዩ ቀጢን ኮይኑ፡ 1% ጻዕቂ (ደንሲቲ) ናይ ምድሪ'ዩ። እዚ ማለት እቲ ዝዘውር 'ሮተር' ናይታ ሄሊኮፕተር፡ ብዝግባእ ነኺሱ ክትንሳፈፍ ዘሎ ተኽእሎ ይጸብብ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ኢንጂኒውቲ ኣዝያ ፈኳስ ከምእትኸውን ተገይራ'ያ ተሰሪሓ። እቶም ዘለዉዋ ሮተራት ድማ ብፍጥነት ከምዝሕበቡ'ዮም ተሰሪሖም- ኣብ ሓደ ደቒቕ 2500 ዑደት የካይዱ።

ኢንጂኒውቲ፡ ኣብታ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ገጽ ማርስ ዝዓለበት 'ፕርሲቪራንስ' (ሓቦ) ዝተባህለት መንኮርኮር ናሳ ተሓዚላ'ያ ናብታ ቀያሕ ፕላነት ተላኢኻ።

መንኮርኮር ፐርሲቪራንስ ብ'ሰልፊ' ዝሰኣለቶ ናይ ክልቲአን ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Nasa

መግለጺ ስእሊ, መንኮርኮር ፐርሲቪራንስ ብ'ሰልፊ' ዝሰኣለቶ ናይ ክልቲአን ስእሊ

እታ መንኮርኮር፡ ካብቲ ዝዓለበትሉ ናይ ኣስታት 20 ሜትሮ ርሒቑ ናብ ዝርከብ "መዓርፎ ነፈርቲ" ብምዃድ፡ ንኢንጂውቲ ኣብ ሓደ 'ጀዜሮ ክሬተር' ዝተባህለ ዓᎁቕ ቦታ ኣውሪዳታ። ብድሕሪኡ፡ ናይ ክልቲአን ናይ 'ሰልፊ' ስእሊ ወሲዳ።

ድሕሪ'ዚ ዕዉት ፈተነ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ኣርባዕተ በረራታት ከምእተካይድን፡ ነፍሲወክፍ በረራ እናለዓለን እናረሓቐን ከምዝኸይድ ተፈሊጡ።

እቲ ፈተነ፡ ነቲ ካብ ምድሪ ወጻኢ ዘሎ ዓለም ኣብ ምድህሳስ ዓቢ ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ይግበር።

ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን)፡ መንኮርኮራት ጠፈር ቅድሚ ምውንጫፈን ኣፈናዊ ዳህሳስ ኣብ ምክያድ ክሕግዛ ይኽእላ'የን።

ናሳ፡ ድሮ ናብ ታይታን ዝተባህለት ወርሒ ፕላነት ሳተርን፡ ሓንቲ ሰብ-ኣልቦ ሄሊኮፕተር ክሰድድ ወሲኑ'ሎ። እታ 'ድራጎንፍላይ' ዝብል ስም ተጠሚቓ ዘላ በራሪት፡ ኣብ መፋርቕ 2030ታት ኣብታ ኣብ ርሑቕ ኣድማስ እትርከብ ወርሒ ክትበጽሕ ትጽቢት ይግበረላ።