ስብርባር ናይታ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝነበረት ሮኬት ቻይና ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ወዲቑ

እቲ ስብርባር፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነት ሮኬት ቻይና፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከምዝወደቐ መራኸቢ ብዙሃን ቻይና ጸብጺበን።

ቻይና፡ ዝበዝሓ ክፋል እቲ ስብርባር ኣብ’ዚ ክሊ ወዲቑ ከምዘሎ ከምዘፍለጠን፡ ካልእ ኣካል እቲ ስብርባር ድማ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እቲ ውቕያኖስ ከምዝወደቐ እዩ መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ኣቃሊሑ።

እዚ ከባቢ፡ ኣብ ምዕራባዊ ማልዲቪስ እዩ ዝርከብ።

ገለ ኤጀንሲታት፣ ሰብ ሞያን ኣመሪካን ኣውሮጳን ስብርባር እታ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነት ማርች-5ቢ ተባሂላ እትጽዋዕ ሮኬት፡ ኣበይ ከምዝዓልብ ክከተታሉ ቐኒዮም እዮም።

ገለ ኣካል እቲ ስብርባር ሮኬት፡ ብሰንበት እዩ ተመሊሱ ናብ ክሊ ህዋ ኣትዩ ተባሂሉ።

ስፔስ ኮማንድ ኣመሪካ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ሮኬት ኣብ ናብ ክሊ ህዋ መሬት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ከባቢ ኣትያ ከምዝነበረት ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ኤጀንሲ፡ እቲ ዝወደቐ ስብርባር ኣብ ልዕሊ መሬታዊ ኣካል ኮነ ኣብ ልዕሊ ማያዊ ኣካል ዘብጸሖ ጉድኣት እንተሎ ዛጊድ ኣይተፈልጠን ኢሉ።

ግምታትን ነቐፌታን

እዛ ቻይና ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ መንኮርኮር ህዋ ጸዒና ዝሰደደታ ሮኪት፡ ስርሒታ ዛዚማ ካብ ጠፈር ናብ መሬት ንምእታው ኣብ ምኹላል እያ ነይራ።

ኣመሪካ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽአቶ መግልጺ፡ እታ ሮኬት ኣበይ ክትዓለብ ከምእትክል ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣል፡ ኣብ ህዋ እንከላ ሃሪማ ናይ ምብታን መደብ ከምዘይብላ ግን ገሊጻ ነይራ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ልሎይድ ኦውስቲን “ኣብ ዝኾነ ነገር ዕንወት ከየውረደት ኣብ መሬት ክትዓልብ ተስፋ ንገብር፡ ኣብ ውቅያኖስ ወይ ኣብ ካልእ ሰብ ዘይነብሮ ትዓልብ ትኸውን” ኢሉ።

‘ዕሽሽነት ዝዓሰሎ’ ክብል ናብ ቻይና ነቁፌታ ዝደርበየ ልሎይድ ኦውስቲን፡ ብምስዓብ “ከምዚ ዓይነት ስርሒት ክካየድ ክሕሰብ እንከሎ ድሒሩ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ኣቐዲምካ ክሕሰበሉ ግድን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ብመንግስቲ ቻይና እትውነን ማዕከን ዜና፡ እታ ሮኬት ኣብ ሰብ ዝነብሮ ከባቢ ክትዓልብ ትኽእል እያ ንዝብል ፍርሒ ብምንእኣስ፡ ኣብ ማያዊ ኣካል ዓለምና ከትዓልብ ምዃና እያ ክትገልጽ ቀንያ።

እታ ሮኪት ኣብ ዝርሓቐ ክፋል ዓንኬል ጠፈር ኮይና ኣብ ዙርያ መሬት እያ ትሕንበብ ቀንያ፡ ቀስ እናበለት ግን ናብቲ ልዑል ስሕበት ዘለዎ ክፋል ህዋ መሬት ክትኣቱ ምዃና ተገሊጹ ነይሩ።

ካብ መሬት 60 ኪሎሜተር ራሕቒ ኣብ ዘለዎ ምስ ብጽሐት ዝበዝሐ ክፋላ ክቃጸል ከምዝኽእልን፡ እቲ ዘይነደደ ሓጺናዊ ኣካላ ግን ናብ መሬት ክዓልብ ምዃኑ ተዘሪቡ ነይሩ።

ምዕላብ ናይታ ሮኬት ምቁጽጻር እንዘይተገይርሉ ግን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይና ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለምና ክትዓልብ ከምእትክእል ኣመሪካ ተጠንቅቕ።

ኣብ መጋቢት 2020 ቻይና ዝወንጨፈታ ተመሳሳሊት ሮኬት፡ ናብ ህዋ ናይ ዓለም ምስ ኣተወት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ስለዝኾነት ኣብ ገጠራት ናይ ኣይቮሪኮስት ምዕላባ ይዝከር።

ናብ ህዋ ዝውንጨፋ ሮኬታት ናብ መሬት ኣብ ዝምለሳሉ፡ ምቁጽጻር እናተገበረለን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ካብ መሬት ኣዝዩ ዝርሓቐ ቦታታት ናይ ደቡብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ኣብ ሞንጎ ኣውስትራልያን ደቡብ ኣመሪካን ከምዝዓልባ እዩ ዝግበር።

ኣብቲ ቦታ ብውሕዱ 1500 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝኸውን ንመዕለቢ ሮኬታት ተባሂሉ ዝተሓዘኣ ማያዊ ኣካል ኣሎ።