እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ መሬት ተንከፍ ኣገልግሎት ንዘይተፈልጠ እዋን ጠጠው ኣቢሉ
ምምሕዳር ካቢነ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ መሬትን መሬት ተንከፍ ዝኾኑ ጉዳያትን ብዝምልከት ንዘይተወሰነ እዋን ኣገልግሎት ጠጠው ክብል ውሳነ ከምዘመሓላላፈ ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕሬስ ሴክሬታርያት ከንቲባ ኣዲስ ኣባባ እዩ ዕላዊ ኾይኑ።
በዚ መሰረት፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ንትካላት ምምሕዳር መሬት፣ ንቢሮ ስራሕቲ ትሕተ ቅርጽን ንበዓል መዚ ፍቓድ ህንጸት ከምኡ’ውን ን11 ክፍለ ከታማታት፡ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ካብ 7 ነሓሰ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ፡ እዚ ውሳነ ተግባራዊ ክኸውን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
እቲ ምምሕዳር እቲ ካቢነ'ታ ርእሰ ከተማ ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሐ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ መንግስቲ ትኹረቶም ‘እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ’ ኣብ ዝበሎ ዛዕባ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ገለ ዘይግቡእ ኣሰራርሓታት ክስፋፍሑ ብምዕዛቡ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
“ገለ ውልቀ ሰባት፡ ነቲ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተበሊጾም፡ ብኣቋራጽ ንምህፍታም ኣብ መሬትን መሬት ተንከፍ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ኣትኲሮም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ምምሕዳር እታ ከተማ ስለዝተገንዘበ እዩ” ይብል እቲ መግለጺ።
ስለዚ ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ፡ ዝኾነ ምስ መሬት ተኣሳሲሩ ዝግበር፡ ምሻጥን ምልዋጥን፣ ካርታ ምውጻእን ስም ምዝውዋርን ኮነ ካልኦት ኣገልግሎታት ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተኣገደ ኣብ ውሳነ ተበጺሑ ይብል።
በዚ መሰረት፡ ሽዱሽተ መሬት ተንከፍ ትካላት፣ ኣብ 11 ክፍለ ከታማታት ዝርከቡ ምስ መሰረት ልምዓት፣ ህንጸትን ፍቓድን ብዝዛመድ ዝሰርሑ ቤት ጽሕፈታትን፡ ካብቲ ዝተረቑሐ ዕለት ጀሚሮም ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት ኣይክህቡን እዮም።