እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 11 ኪ.ግ ሓሽሽ ኮኬይን ከዘዋውራ ዝተረኸባ ደቂኣንስትዮ ተታሒዘን
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 11 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ብምዝውዋር ዝተጠርጠራ ክልተ ደቂኣንስትዮ ኣብ ቀይዲ ኣትየን።
ሚንስቴር እቶት ኢትዮጲያ ትማሊ [ረቡዕ] ብዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንምስግጋር ዝተፈተነ ልዕሊ 11ኪሎ ግራም ዝምዘን ሓሸሽ [ዕፀፋርስ] ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
እቲ ተታሒዙ ዝተብሃለ ኮኬይን ኣብ ዕዳጋ እንተዝውዕል ልዕሊ 28 ሚሊዮን ብር ዋጋ ከምዝግመት እቲ ሚንስቴር ቤት ዕዮ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።
ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበጊሱ፡ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ናብ ካልእ ቦታ ክሰግር ዝተሓሰበ ኮይኑ፤ ብምርመራ ሰራሕተኛታት ጉምሩክን ኣባላት ብሄራዊ ግልጋሎት መረዳእታን ድሕንነትን ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።
ሚንስቴር እቶት ከምዝሓበሮ፤ ነቲ ዕፀፋርስ ብምዝውዋር ዝተጠርጠራ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ተታሒዘን ኣለዋ። ክልቲአን ብዝተፈላለየ በረራታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጓዒዘን ኣዲስኣበባ ከምዝበፀሓ'ውን ኣፍሊጡ።
ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበገሰት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኖምዛም ግላዲየስ ቦዛ፡ ነቲ 7.4 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ሒዛ ብኣዲስኣበባ ገይራ ናብ ህንዲ ከተማ ደልሂ ናይ ምጉዓዝ ትልሚ ነይርዋ።
እታ ካልኣይቲ ተጠርጣሪት ድማ አንቲቃ ሱለይማን ቂዚ አባሶባ፡ ዜጋ ኣዘርባጃን ኮይና ካብ ሩስያ ከተማ ሞስኮ እያ ተበጊሳ።
እታ ውልቀሰብ 4 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮከይን ሒዛ ብኣዲስ ኣበባ ገይራ ናብ ታይላነድ ባንኮክ ክትጓዓዝ ነይራ ተባሂሉ።