ዝተኣገዱ ሞተረኛታት ኣዲስ ኣበባ ንመንግስቲ ይምሕጸኑ ኣለዉ

ኣሸናፊ ኣሕመድን ግርማይን ሞተር ብሽክሊታ ተጠቒሞም ብዝህብዎ ኣገልግሎት መነባብሮኦም ይመርሑ። ኣብ ትሕቲኦም ዝመሓደሩ ስድራ'ውን ኣለውዎም።

ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ንዝተፈላለዩ ሰባትን ትካላትን፡ ኣቑሑት ካብን ናብን ናይ ምብጻሕ ኣገልግሎት ብምሃብ ይመሓደር ከም ዝነበረ ኣሸናፊ ይዛረብ።

"ገንዘብ ይኹን ኣቕሓ ኩሉ ኣብጽሕ ዝበሉኒ ነገር ብተኣማንነት'የ ዘብጽሕ ነይረ" ይብል እቲ ኣቦ ክልተ ቆልዑ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ካብ 30 ሰነ 2011 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ግብራዊ ዝኾነ ፍቓድ ዘይብለን ሞተራት ከይንቀሳቐሳ ዝእግድ ሕጊ፡ ካብ ስራሕ ደው ኣቢልዎም ይርከብ።

መዓልቲ ንዘምጽኦ ብተስፋ ምጽባይ ከም ዝመረጹ ድማ ይዛረቡ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንጸጥታ ስግኣት ዝበለን ሞተር ብሽክሊታታት ካብቲ ዕለት ጀሚረን ከይንቀሳቐሳ ዝእግድ ሕጊ ኣብ 13 ሰነ 2011 ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።

ወነንቲ ሞተር ብሽክሊታታት፡ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ሓድሽ ምዝገባን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ብምፍጻም ሕጋዊ ንክኾኑ ድማ ጸዊዑ።

ግርማይ ግን እቲ ዝተወሃበ ገደብ ግዜ፡ ካልእ ኣማራጺ ንምድላይ ሓጺር ከም ዝኾነ ይዛረብ።

መዓልታዊ መነባብርኦም ካብ ዝመርሕሉ ስራሕ ብኸምዚ ዝበለ ኩነታት ክፈናቐሉ ምግባር ግቡእ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ዝቃወሙ ኣሽከርከርቲ ሞተር ብሽክሊታታት ብ 26 ሰነ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም'ዮም።

ሽዑ መልሲ ዝህቦም ዝምልከቶ ኣካል ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ከም ዘሕዘኖ ዝዛረብ ግርማይ "ተስፋ ዘለዎ ኣይመስልን" ክብል በቲ ኩነታት ዝተሰምዖ ስምዒት ገሊጹ።

ኣሸናፊ'ውን ካብ ሕዚ ንደሓር ነቲ ጉዳይ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክወስዱ ድልየት ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።

"ኣብ ርእሲ እቶም ስኡናት ስራሕ፡ ካልእ ተወሳኺ ኮይነለኹ" ክብል ድማ የረድእ።

ኣብታ ከተማ፡ ካልኦት ዓይነታት ተሽከርከርቲ'ውን ንመፈጸሚ ገበናት ይውዕላ ኣብ ዘለዋሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ሞተራት ጥራሕ ስጉምቲ ክውሰድ ምኽኣሉ ከም ዘግረመሉ ይገልጽ።

በዓል ዋና ኣገልግሎት 'ዘ-ሞል ደሊቨሪ' ዝኾነ ኣቶ እምባዬ ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ በቲ ስጉምቲ ስርሑ ከም ዝተጸለወ ይዛረብ።

"ሞተራትና ደው ኢለን ኣለዋ" ዝብል እምባዬ ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ደው ከም ዘበለ ሓቢሩ።

ሓኪም ስኒ ዶክተር ሰብለ ማሞ፡ ኣብ ናይ ትካሎም ቤተ-ፈተነ ዝዳለዉን ንዝተፈላለዩ ክሊኒካት ስኒ ዝቐርቡን ፍርያት ብሞተራት ተጠቒሞም ናብ ዓማዊል የብጽሑ ምንባሮም ትዛረብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ብእዋኑ ከቕርቡ ብዘይምኽኣሎም ዓማዊሎም የማርሩ ከም ዘለዉ ገሊጻ።

እቲ መምርሒ ዕላዊ ምስኮነ ንዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ከዘራርቡ ከም ዝፈተኑ ዝዛረብ ኣቶ ኣምባዬ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምዝገባ ከም ዝጀመሩ ገሊጹ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሓቶም ረቛሕታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዘቕረቡ ብምሕባር "ኣብ ሞተር ጂፒኤስ ምግጣም፣ ንሞተረኛ ዲቪዛ ምኽዳን ዝብሉ ረቛሕታት ዋላ እኳ እንተቕረብና ጉዳይና ብስልጠት ኣይኸደልናን ዘሎ" ኢሉ።

ኣብዚ ጉዳይ፡ ነየንኡ ክፋል መንግስትን መራሕትን ከዘራርቡ ከም ዘለዎም ዘረድእ ሓበሬታ ስለዘየለ ፎቖዶ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኢድ ክነስኡ ይግደዱ ከምዘለዉ እውን ሓቢሩ።

ምክትል ስራሕ ኣካያዲ ዘ-ሞል ደሊቨሪ ኣይተ ተመስገን ገብረሂወት ከኣ "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ጸገም መጓዓዝያ ንምቕራፍ ብዙሓት ኣማራጽታት ክህልዉ ኣለዎም" ይብል።

"ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሞተር ብሽክሌታት ቅልጡፍ፣ ዘተኣማምንን ሕሱርን ኣገልግሎት እናሃባ እየን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ታከለ ኡማ ብ 12 ሰነ 2011 ኣ.ኢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሞተር ሳይክል ተጠቒምካ ብዝተዋዳደ መገዲ ስርቂ ይፍጸም ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ናይ ኣዲስ ኣበባ ታርጋ ዘይለጠፋ ሞተር ብሽክለታታት ቀንዲ ፍልፍል እቲ ጸገም ከም ዝኾና ገሊጹ እዩ።