ሓላፊት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ መን እያ?

ብርቱካን ሚደቅሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣዶ መንበር ኢትዮጵያ ቦርድ መረጻ፡ ኮይና እትመርሕ ዘላ ብርትኳን ሚደቅሳ፡ ዳይና ኮይና ኣብ ዝተሰየመትሉ ግዜ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ስየ ኣብርሃ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ናይ ዋሕስ መሰል ስለዝሃበት ሽማ ገኒኑ ወጺኡ ነበረ።

ብሕጊ ክፍሊ ትምህርቲ ተመሪቓ ረዳት ዳይና ኮይና ከምዝተሰየመት ዝዝረበላ ብርትኳን ሚደቅሳ፡ ምስ ካልኦት መሳርሕታ ብዘይ ኣግባብ ቆጾራ ንዝበዝሖም እሱራት ክፍትሑ የፍቅዱ ስለዝነበሩ ክሳብ መጠንቀቕታ ዝበጽሕ ስጉምቲ ይውሰደሎም ከምዝነበረ ይግለጽ።

ብርትኳን ሚደቅሳ ኣብ 1997 ዓ/ም ኣብ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ንኣብቲ መረጻ ዝወዳደሩ ውድባት ፖለቲካ ናይ ሕጊ ምኽሪ ትህቦም ዝነበረት ኮይና ሽማ ኣመና እናገነነ ዝመጽአሉ ግዝያት እዩ ነይሩ።

ኣብ 1992 ዓ/ም ግን ብውልቃ ኣብ መረጻ ተሳቲፋ ዝነበረት ኮይና በቲ ናይ ሽዑ ገዛኢ ውድብ ከምዝተሳዕረት’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ 1997 ዓ/ም ብፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም ናይ ዝተመስረተ ውድብ ቀስተ ደመና ኣባል ዝነበረት ብርትኳን ሚደቅሳ፡ ድሕሪ እቲ ናይ 1997 ዓ/ም ዝተገበረ መረጻ ድማ ቅንጅት ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ውድብ ተጸምቢራ።

ብዙሕ እንተይጸንሐት ድማ ናይቲ ውድብ ቅድምቲ ምክትል ኣዶ መንበር ኮይና ተመሪጻ ነበረት።

ቅድሚ 21 ዓመታት ንብርትኳን ከምዝፈልጣ ዝገልጽ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ እቲ ናይ ኣብ ግዜ ደርግ ዝነበረ ‘ጻዕዳ/ቀይሕ ራዕዲ’ ‘ሓውን ፖለቲካን ብርሕቐት’ ኢለን ካብ መድረኽ ፖለቲካ ይርሕቓ ከምዝነበራ ብምጥቃስ ብርትኳን ካብተን ናይ ፖለቲካ መሪሕነት ኮይነን ልዑል እጃም ዘበርከታ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ከምዝኾነት ይዝክር።

ናይ ቅንጅት ቅድምቲ ምክትል ኣዶ መንበር ኮይና ንኽልተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምምራሓ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተወት ዝዝክር ሓደ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ፈታዊኣ፡ “ልዑል ናይ መሪሕነት ተግባር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይና እያ ዓሚማቶ” ይብል።

ጉዕዞ ናብ ቃሊቲ

ድሕሪ እቲ ናይ 1997 ሃገራዊ መረጻ ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ቅንጅትን ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግን ዘጋጥም ዝነበረ ‘ሓዞ ትሰዶ’ ክሳብ ቤት ማእሰርቲ ከብጽሕ ከምዝኽእል ጥርጣረታት ስለዝነበረ ናይ ቅንጅት ሕቡእ ጉጅለ መሪሕነት መስሪቶም ከምዝነበሩ እዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ግን እቲ ብሕቡእ ተጣይሱ ዝነበረ መሪሕነት፡ እቶም ዋና መሪሕነት ምስተኣሰሩ ድሕሪ ኣዋርሕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ መሪሕነት ቅንጅት ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስኣተወ ኣብ ወጻኢ ክልተ ዝተኸፋፈሉ ናይቲ ውድብ መሪሕነት ባእታታት ተመስሪቶም።

እቶም ዝተኣስሩ መራሕቲ ቅንጅት ኣብ መንጎኦም ዘይምስምማዕ ስለዝተፈጠረ ‘ቅንጅት ኢነትርናሽናል ካውንስል’ ብፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፡ ‘ቅንጅት ኢንተርናሽናል ሊደርሽፕ’ ድማ ብኢንጅነር ሃይሉ ሻውል ይምርሑ ከምዝነበሩ ይዝንቶ።

ነቶም ኣብ ክልተ ተኸፋፊሎም ዝነበሩ መራሕቲ ቅንጅት ኣብ ምትዕራቕን እቲ መሪሕነት ምስ መንግስቲ ተደራዲሩ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽወጽእን ኣብ ዝነበረ ልዝብ’ውን ግደ ብርትኳን ሚደቅሳ ዓብይ ከምዝነበረ ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ይከታተል ዝነበረ ኣቶ ቢንያም [ሽሙ ዝተቐየረ] ይገልጽ።

ናይ ሞት ፍርዲ

መራሕቲ ቅንጅት ብፍላይ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ዝካየድ ዝነበረ ድርድር ተመሳሳሊ መርገጺ ሒዞም ከምዝነበሩ ዝዝክር ኣቶ ቢኒያም፡ እንተኾነ ግን እቲ ናይ ቤት ፍርዲ ሃንደበት ተቐይሩ ክሳብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘፍርድ ዓንቀጻት ክጥቀሱ ጀሚሮም ነይሮም ይብል።

ኣብቶም እሱራት ናይ ሞት ፍርዲ ክወሃብ ዝሓተቱ ዓቀብቲ ሕጊ ሓደሽቲ’ኳ እንተነበሩ ነቶም ክሲ ዝቐረበሎም መራሕቲ ቅንጅት ግን ሓደሽቲ ኣይነበሩን።

እቲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ዝነበረ መጋባእያ ‘ዘገርም’ ከምዝነበረ ዝዝክር ኣቶ ቢኒያም፡ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝብል ሓሳብ ናብ ጠረጴዛ ብምምጽኡ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ዝግበር ዝነበረ ድርድር ጸቕጢ ፈጢሩ ነይሩ ይብል።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ንኢንጅነር ሃይሉ ሻውል ሓዊስካ ዝተወሰኑ ኣባላት ኣመራርሓ ‘ይቕሬታ ኣይንሓትትን’ ኢሎም እንተቕብጹ፡ እኒ በዓል ብርትኳን ሚደቅሳን ካልኦትን ድማ ይቕሬታ ሓቲቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም።

ካልአዋይ ማእሰርቲ

ብርትኳን ሚደቅሳ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈትሐት ናብ ሃገረ ስውድን ኣቕኒዓ ምስ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ድያስፖራ ኣኼባ ነይርዋ። ንእቶም ተኣከብቲ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ድማ 21 ኣዋርሕ ንዝወሰደ ካልአዋይ ማእሰርቲ ዳሪግዋ።

እቲ ንኻልኣይ ግዜ ዝተኣሰረትሉ ኩነት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝሃበቶም ቃለ መሕትታት የርእዩ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እንከይተረፈ ብትርኳን ንብሕታ ተነጺላ ተኣሲራ ከምዝነበረት ዕላዊ ምግባሮም ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ወርቅነህ ገበዮህ፡ ኣብቲ ሽዑኡ እዋን ኮምሽነር ፖሊስ ፌደራል ኮይኑ ይመርሕ ነይሩ።

ብርትኳን ሚደቅሳ ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሰት፡ ኮምሽነር ፖሊስ ወርቅነህ ገበዮህ ፖሊስ ናብ ገዛ ሊኢኹ ከምዘጸውዓ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ‘ቃሌ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ጽሑፍ ጠቒሳቶ ትርከብ። ኮምሽነር ፖሊስ ወርቅነህ ንብርትኳን ሚደቅሳ “ኣብቲ ምስ ኣብ ስውዲን ዝቕመጡ ድያስፖራ ኢትዮጵያውያን “ይቕሬታ ኣይሓተትኩን” ኢልኪ ንዘሕለፍክዮ መልእኽቲ ምላሽ ሃብሉ” ኢሉዋ ከምዝነበረ ኣብቲ ጽሑፍ ኣስፊራቶ ኣላ።

ብርትኳን ነቲ ‘ቃሌ’ ኢላ ዝጽሓፈቶ ጽሑፍ ምናልባት እዚ ናይ መወዳእታ ቃለይ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢላ ጽሒፋቶ ነይራ። ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ይቕረታ ሕጋዊ ከይዲ ኣልዒላ ናይ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናውን ፖሊስ ኮምሽነር ወርቅነህ ገበየሁን ሕጋዊ ስልጣኖም እንታይ’ዩ ዝብል ሕቶ ሓቲታ።

እንተኾነ ግን ብርትኳን ዝተውሃባ ናይ 72 ሰዓታት ግዜ ገደብ እንከይተዛዘመ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዳ ንኽለተ ዓመታት ድማ ተኣሲራ። ብርትኳን ንኻልኣይ ግዜ ናብ ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ብዝጽሓፈቶ ናይ ይቕረታ ደብዳቤ መሰረት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሓ። ኢትዮጵያ ቴሌቭዥን ነቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃበቶ ናይ ይቕራታ ቃላ ስኢሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቃሊሕዎ ነበረ።

ብርትኳን ድሕሪ እዚ ጠቕሊላ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ካልኣይ ድግሪ ተማሂራን ናይ ዴሞክራሲ ትካል ከምዝኾነ ኣብ ዝዝረበሉ ‘ኔድ’ ንዓመታት ሰሪሓ።

ትርግታ ልቢ ዕጫ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስጨበጠ ብርትኳን ሚደቅሳ ኣዶ መንበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኮይና ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተመሪጻ።

እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናይ ስርዓት ለውጢ ይካየድ ስለዘሎ ብዙሕ ግምት ተዋሂብዎ ነይሩ።

ድሕሪ ሓምሻይ ሃገራዊ መረጻ ማእኸል ዕግርግርን ህውከትን ኮይኑ ኣብ ዝጸንሐ ክልል ኦሮምያ ትጽቢት ካብ ዝተገበረሉ ንሕንሕ ዝሕልሕል ኢሉ ይርአ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝተወልዐ ኵናት ስዒቡ ኣሽሓት ህይወቶም ስኢኖም ሚልዮናት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ስለዘለዉ፡ እቲ መረጻ ንዘይተወሰነ ግዜ ተናዊሑ ይርከብ።

ኣብ ክልላት ሶማሌን ሃሪን፡ ብሰንኪ ኣብ ምዝገባ ግዜ ዘጋጠመ ጸገማት እቲ መረጻ ንኽልተ ኣዋርሕ ተናዊሑ’ሎ። ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ’ውን እንተኾነ ኣባላቶም ከምዝተኣሰሩን ኣብያተ ጽሕፈት ከምዝተዓጸዎሙን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈላማይ ከምዝኾነ ዝተዘርበሉ ኣርባዕተ ሕጹያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ኣብቲ መረጻ ክሳተፉ እዮም።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና’ውን ኮይኑ ብዙሓት ዘይንዓቑ ተግባራት ይፍጽም ከምዘሎ ዝገልጽ ምሁር ሕጊ ዶ/ር መሰንበት ኣሰፋ፡ ኣዶ መንበር እቲ ቦርድ ብርትኳን ሚደቅሳ 'ተርእዮ ንዘላ ኣመራርሓ ክትምስገን እዩ ዝግባኣ፤ ብስሩ’ውን እቶም ዝርኣዩ ዘለዉ ጸገማት ምስ እቲ ቦርድ ጥራይ ክተሓሓዙ የብሎምን' ክብል እዩ ዝገልጽ።

“እቶም ጸገማት በቲ ቦርድ ወይ’ውን ብመንግስቲ ዝተፈጠሩ ኣይኮኑን። እቶም ውድባት ፖለቲካ ኣብ ስነ ሓሳብ መሰረት ዝገበረ ክትዓት እምበር ናይ ናጽነት ተቓለስቲ ተጠቒሞም መንግስቲ ንምቕያር ክቃለሱ የብሎምን” ክብል ድማ ይነቅፍ።

“ሓለሓሊፉ ናይ ኣፍሪቃውያን ኮነ ኢትዮጵያውያን ጸገም፡ ንፉዓት መራሕቲ ኣይነበረታትዕን። ኩሉ ሻብ ምዕራባውያን ካብ ናይ ፖለቲካ ጸገማትና ከድሕኑና ክንጽበ የብልናን” ክብል ናይቲ ቦርድ ኣዶ መንበር እተርእዮ ዘላ መሪሕነት ይንእድ።

“ብርትኳን ኣብ ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክህነጽ ጻምእ ከምዘለዋ ዘርእዩ ሕሉፍ ዛንታ ኣለዋ” ዝበለ ዶ/ር መሰምበት “ሓለሓሊፉ ንግምታትና ምእራም ከድልየና’ዩ፣ ብርትኳን ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽአትሉ ግዜ ኢትዮጵያ መዓት ጸገማት እዮም ነይሮማ። ገሊኦም ጸገማት ድማ ምስ እቲ ቦርድ ዝዛመድ ኣይኮነን”።

ኣቦ መንበር ኦፌኮ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኑ “ናይ እታ ኣዶ መንበር ቦርድ ሓዊስካ ናይቶም ካልኦት ኣባላት ናይቲ ቦርድ ከይዲ ሽመት ተቓውሞ ኣስሚዔ ነይረ እየ” ይብል።

“ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ብዛዕባ ኣመራርጻ ናይቶም ኣርባዕተ ኣባላት ቦርድ ርኢቶና ክንህብ ሓቲቱና። ኣነ ነቶም ሰለስተ ጥራይ እየ ዝፈልጥ እሞ ናይ ሕሉፍ ታሪኾም ኣጽኒዕና ክንምለስ እንተነገደደ 24 ሰዓታት ይወሃበና ኢለ ሓቲተ። እንተኾነ ግን እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይኾንን ስለዝበለና በል ተቓውሞይ መዝግበለይ ኢለ ኣመዝጊበ እየ” ክብል ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻኒሒት ተዛሪቡ።

ብርትኳን ሚዴቅሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መጻወድያ ኣትያ ትርከብ ዝበለ ፕሮፌሰር መረራ፡ “ንሕና ነቲ ገዛኢ ውድብ ተዳልዊ ኣለኺ ኢና እንብላ፣ ነቲ ገዛኢ ውድብ ፖለቲካ ዝድግፉ ተቓውምቲ ውድባት ፖለቲካ’ውን ኣለዉ፣ ኣብዚ ህሞት ተቐርቂራ ኮይና ዘላ እዩ ዝስመዐኒ ኣነ። ስለዚ ካብዚ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ናታ’ዩ ዝኸውን” ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።

ብናይ ብርትኳን መሪሕነት ዝካየድ ዘሎ መረጻ ምስ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣነጻጺሩ ሓሳቡ ንቢቢሲ ዘካፈለ ፕሮፌሰር መረራ፡ “ቅድሚ ሕጂ እኮ ናይ ሓሶት ናቑጣ መረጻ ሪኢና ኣይንፈልጥን። እዚ ኣብ በረኻታት ኦሮምያ ዝተፈጸመ ኣይኮነን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ተፈጺሙ። ሕጹያት ክልል ሶማሌ ኣብ ጅግጅጋ ክምዝገቡ ስለዘይከኣሉ’ዶ ኣይኮነን እዩ ኣዲስ ኣበባ ክምዝገቡ ዝተገደዱ። እቶም ናይ ቀደም ሰባት ይሰርቁ ነይሮም እንተኾነ ግን ናይ መረጻ ትርጉም ዝፈልጡ ሰባት እዮም ነይሮም”። ኢሉ።

ኣብ ኦሮምያ እቲ ገዛኢ ውድብ ብዘይ ካልእ ሓያል ተወዳዳሪ ውድብ ይወዳደር ከምዘሎን ኣብ ክልል ሶማሌ ድማ ናይ መረጽቲ ምዝገባ ኣብ ግዝኡ ዘይምክያዱ ኢሉ’ውን ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኵናት ኣብቲ መረጻ ዘይምስታፋ ብምጥቃስ “እቲ መረጻ እኮ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን እዩ ዝካየድ ዘሎ” ይብል ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና።

እቲ ኩነታት ካብ ናይ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንላዕሊ እዩ ኢሉ ዝካታዕ ፕሮፌሰር መረራ፡ “ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ብቐንዱ ክንቀፉ ዘለዎም መንግስትን ነቲ ገዛኢ ውድብ ብግጉይ መንገዲ ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ዝመርሑ ውድባት ፖለቲካን እዮም” ይብል።

“ብርትኳን ሚደቅሳ ብውልቀሰብ ደረጃ ኣብ ናይ ታሪኽ ሚዛን ምዕያራ ኣይክተርፋን እዩ” ዝብል ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ ሚዛናውነት ናይዚ ዝልካዕ ድማ እዚ መረጻ ብዘምጽኦ ውጽኢት ከምዝኾነ ሓቢሩ።