ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል: ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣብ ገዝኡ ተሓይሩ ምህላዉ ከምዘተሓሰሳቦ ገሊጹ

አቶ ዳውድ ኢብሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቦ ወንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤቱ ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ምህላዉ ከምዘተሓሳሰቦ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ።

ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝኾነ ክሲ ከይተመስረቶ ካብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዓቢ ተቐባልነት ካብ ዘለወን ሰልፍታትተ ሓደ ኮይኑ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ነቲ ግንባር ንሓያለ ዓመታት ብኣቦ ወንበርነት ይመርሖ ነይሩ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኸኣ ካብ ስደት ናብ ሃገሩ ብምእታው ፖሎቲካዊ ቃልሲ ከካይይ ጸኒሑ።

ኣብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኣቶ ፍስሃ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ካብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝርከብ ሓቢሩ።

ፖሊስ ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ናብ ቤት ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣትዮም ንኮምፒተራትን ቴሊፎናት ጠርኒፎም ክወስድወን እንከለዉ ንኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኸኣ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ከምዝተሓበሮ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ካብቲ ዕለት እቲ ጀሚሩ ፖሊስ ናብቲ ገዛ ዝኾነ ሰብ ከይኣቱን ካብቲ ገዛ ዝኾነ ሰብ ከይወጽእን ብምእዛዙ ኣብቲ ገዛ ዝነበረ መግቢ ተወዲኡ ወይ ክውዳእ ቀሪቡ ስለዝኸውን ኣምነስት ኢንርናሽናል ኩነታት ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣተሓሳሲብዎ ከምዘሎ እዩ ገሊጹ።

ኣቶ ፍስሃ፡ ከምዝሓበሮ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ካብ ገዛ ከይትወጽእ ተባሂሉ ኣብ ዝተነገረሉ እዋን ኣብ ጥቅኡ ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ግንባርን ኣባላት ቤተ-ሰብ ኣቶ ዳውድ ኢብሳን ብምሕታት ነቲ ነገር ከምዝተረድእዎን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ሓንቲ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ጥራይ ከምዘላን ሓቢሩ።

ኣምነስት ኢንትርናሽናል፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ይኹን ኣብ ልዕሊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝኾነ ዓይነት ክሲ ስለዘይመስረተ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ብቅልጡፍ ክፍታሕ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ንምእሳር ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኣመልኪቱ ናብ ሚኒስተር ሰላም ኢትዮጵያ ሙፍሩያቱ ከማል ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ንኽንድዚ ዝኣክል መዓልታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ምህላዉ ከምዘተሓሳሰቦ ኣብ ደብዳቢኡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ንውሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብምጥቃስ፡ ኣባላት እቲ ግንባር ክእሰሩ ናይ መጀመርታ ተርእዮ ከምዘይኮነን ኣቐድም ኣቢሎም’ውን ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ግንባር ብዘይ ክሲ ከምዝተኣሰሩን፡ ናይ ኣቶ ዳውዱ ኢብሳ’ውን መቀጸልታ ናቱ ምኳኑ እዩ ዝጠቕስ።

እቲ ግንባር ኣብ ኣዲስ ኣበባንን ካልእ ቦታታትን ዝርከብ ኣብያተ ጽሕፈቱ ስለዝተዓጸወን ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቱ ስለዝተኣሰሩን ካብቲ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታተ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ከምዝተኣለየ እዩ ዝገልጽ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ንጉዳይ ዳውድ ኢብሳ ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቕረቦ ሕቶ መልሲ ከምዘይተውሃቦ ኣቶ ፍስሃ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቶ ፍስሃ፡ ብዙሓት ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡን ዋላ እቶም ቤት ፍርዲ ነጻ ዝበሎም’ውን ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣቶ ፍስሃ ከም ኣቦ ወንበር ባልደራስ ኣቶ እስክንድር ነጋ ዝኣመሰሉ ኣብ ፖሎቲካ ንጡፍ ተራ ዘለዎም ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ብምዝካር ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሓለፍቲ ፖሎቲካ ብኸቢድ ጸገማት ይሓልፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሓለፍቲ ሰልፍታት መስርሕ ፍርዶም ብደቂቕ ይኸታተሎ ከምዘሎ ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ ኣሎ።