‘‘ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣጽዋር ሓቢእካ ንምእታው ተፈቲኑ እዩ’’ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS OF ETHIOPIA
ኣብ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ዝተዋፈሩ ገለ ኣካላት፡ ኣጽዋር ኲናት ሓቢኦም ንምእታው ከምዝፈተኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ተዛሪቡ፡፡
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ደመቀ፡ ኢትዮጵያ ነቲ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ኣብ ግምት ከየእተወ ‘‘ተኸፊቱዋ’’ ዝበሎ ወፍሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ቪድዮ መልእክቲ እዩ ነቲ ክሲ ኣቕሪቡ ዘሎ፡፡
እቲ ሚኒስተር፡ ገለ ኣባላት ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝኾኑ ውልቀ ሰባትን ደገፍትን፡ ሰብኣዊ ስግኣታት ከም ምኽንያት ብምጥቃም ‘‘ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላውነትን እታ ሃገር ዝጻረር ተግባር ይፍጽሙ ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ገለ ወገናት ‘‘ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣጽዋር ኲናት ንግብረሽበራዊ ጉጅለ ሓቢኦም ከእትዉ ከምዝፈተኑ ዘመላኽቱ እሙናት መረዳእታታት’’ ከምዘለዉዎም ዝተዛረበ ኮይኑ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን፡፡
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት፡ ንጸገም ንዝተቓልዑ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ስለዘይተኽኣለ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዘለዉ፡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ረድኤት ምግላጾም ዝዝከር እዩ፡፡
ኣብ ሓጺር እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ እንድሕር ዘይተባጺሑ፡ ከምቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣጋጢሙ ዝነበረ ዓጸቦ ክፍጠርን ብዙሓት ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉን፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ ኣጠንቂቑ ነይሩ፡፡
ገሊኦም ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥምየት ከምመሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ከምዘሎ እዮም ዝኸሱ፡፡
እዚ ክሲ ብዝምልከት እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ‘‘ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ፡ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀም ኣላ ዝብል ክሲ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓሶት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንሰላም፣ ምትሕብባርን ምርግጋዕን ዘይሕግዝ’’ ክብል ነጺግዎ፡፡
ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ዝሓዘትሉ ኣገባብ ብዝምልከት፡ ተኸፊትዋ ብዛዕባ ዝበሎ ግቡእ ዘይኮነ ወፍሪ ከምዝሓዘነት ዝገለጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮነን፡ ኣብ ትግራይ መንግስትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ብሚልዮን ንዝቑጸሩ ሰባት ዛጊድ ዝተገበረ ሓገዝ ብዝርዝር ሓቢሩ፡፡
እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሓቢሩ ንምስራሕ ድሉው ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ሙሉእን ዘይተገደበን ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ከምዝሃበ እውን ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ፡ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ናብ ዝነብሩ ሰባት ረድኤት ንምቕራብ ወታሃደራዊ ሓለዋ ከምዝግበር ጠቒሱ፡፡
ውድብ ሕቡራትን ብዙሓት ሃገራትን እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዐርዩ ከምዘሻቐሎም ብምግላጽ፡ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን ብውልቀን ብሓባርን ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ከጋጥም ከምዝኽእል ብምሕባር ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክባጻሕ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ዝግበር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ኣኼባ ጉጅለ ሸውዓተ እውን ኩነታት ትግራይ ሓደ ዛዕባ ኮይኑ እዩ፡፡
ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተጀመረ ኲናት፡ ብዙሓት ከምዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ከምዝተመዛበሉን መብዛሕቲኡ ነባራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮን ተገሊጹ፡፡
ነቲ ጎንጺ ስዒቡ ብዘጋጠመ ሕጽረት ምግቢ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዓጸቦ ከምዘለዉን ካልኦት ብሚልዮን ዝቑጸሩ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ከምዘሎን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን ዘውጽእዎ ጸብጻብ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ፡፡
ኮምሽነር ሃገራዊ ኣመራርሓ ስራሕቲ ስግኣት ኣይተ ምትኩ ካሳ ግን ኣብቲ ክልል ዝኾነ ዓይነት ሕጽረት ምግቢ ከምዘየለ ብምሕባር፡ ‘‘ 91.3 ምኢታዊት ህዝቢ ምግብን ምግቢ ዘይኮኑን ሓገዛት ብሓሙሽተ ትካላት ረድኤት ይቐርበሎም ኣሎ’’ ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ ኣብ ቀዳማይ ዙር ምግብን ምግቢ ዘይኮኑ ሓገዛትን ን 4.5 ሚልዮን፣ ኣብ ካልኣይ ሳልሳይን ዙር ድማ ን 5.2 ሚልዮን ህዝቢ’’ ቀሪቡ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







