ቅልውላው ትግራይ: ቻይና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ 'ጣልቃ ምእታው' ከም እትቃወም ሓቢራ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ሃገሩ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝግበር ጣልቃ ምእታው ከም እትቃወም ገሊጹ።

መንግስታዊ ማእከን ዜና ሺንሁዋ ንዘረባ እቲ ሚኒስተር ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቻይና ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ንዝግበር ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከም እትቃወም ኣነጺሩ።

እቲ ሚኒስተር፡ ነዚ ዝተዛረበ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ብስልኪ ድሕሪ ምምይያጡ እዩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮነን'ውን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ብዝገበርናዮ ውጽኢታዊ ናይ ስልኪ ዝርርብ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራትና ጣልቃ በዘይ ምእታው ምፍታሕ ተዘራሪብና ኣሎና" ኢሉ።

እቶም ሰበስልጣን ብዝገበርዎ ምይይጥ፡ እተን ሃገራት "ሉኣላውነተን ከም ዘኽብራን ንምትሕብባር ድልዋት ምዃነንን" ከም ዝተረዳድኡ ኣቶ ደመቀ ኣብቲ ብትዊተር ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።

ሃገራት ምዕራብ ኣብ ክልል ትግራይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሙ፡ ህዝቢ ንጥሜት ምቅልዑ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብኣገባብ ይባጻሕ ከም ዘየሎን ካልኦት ጸገማት ምህላውን ብምግላጽ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክነቕፉ ጸኒሖም ኣለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ነቲ ክስታት ብምንጻግ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ንምእታው ይፍትኑ ኣለው ብምባል ብተደጋጋሚ ክቃወም እዩ ጸኒሑ።

ኣመሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረት ንትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ቅትለት፣ መድፈርቲ፣ ምፍንቓል ከምኡ'ውን ከም ማእከላት ሕክምና ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ናይ ምዕናው ተግባራት ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ማሕበራትን ትካላት ረድኤትን ተመሳሳሊ ስግኣት ምህላው ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ሰብኣዊ ሓገዛት ይቐርብ ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ይገልጽ። ኣፈኛ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ዝተፋላለያ ሃገራት ዘርኣይኦ መርገጺ "ንኽብሪ ኢትዮጵያ ዘይሓለወ" እዩ ኢላ ምግላጻ ይዝከር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ "ኢትዮጵያ ሃገራዊ ድሕነታን ጸጥትኣን ናይ ምህላው መሰል ኣለዋ" ምባሉ ሺንሁዋ ጸብጺቡ።

"ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳያታ ብቐንዱ ብናታ ጻዕሪ ክትፈትሕ ኣለዋ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንፍቓድ ኢትዮጵያ ኣኽቢሩ ድጋፍ ክህብ እዩ ዘለዎ። እገዳ ከንብር'ውን የብሉን" ምባሉ ኣስፊሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣባላት ሰራዊትን ጸጥታን፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣምሓራን ህወሓትን ናይ ቪዛ እገዳ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ድማ ከም ምኽንያት ዝቐረበ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ደው ክብልን ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጹ፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ክመሓየሽ፡ ኣብቲ ጎንጺ ዝሳተፉ ሓይልታት ናብ ዝርርብ ክመጽኡ ዝገበረቶ ጻዕሪ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ እዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ "ቻይና ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምህዳእ ረድኤት ንምሃብ ፍቓደኛ እያ። ቀዳማይ ዙር ናይ መግቢ ሓገዝ ተላኢኹ ኣሎ" ከም ዝተባህለ ሺንሁዋ ጸብጺቡ።

ቻይና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ናይ ዘይምእታው ፖሊሲ ብምድጋፋ፡ ኣቶ ደመቀ ምስጋንኡ ከም ዝገለጸ'ውን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ንመርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝደገፈ ሃገራት፡ እታ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር (ቀውፊ) ስልጣን ዘለዋ ቻይና ሓንቲ እያ።