እምባ ኤቨረስት: ዝለዓለ ዓወት ሓሊና ሓድሽ መዝገብ ፍጥነት ዝሰነደት ጓለንስተይቲ መምህር

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ጓል ሆንግ ኮንግ ጎብለል ሓዃሪት እምባ፡ መምህር ጻንግ ዩን-ሃንግ፡ "እንተደኣ ልዑል ሸቶ ከተመዝግብ ሓሊንካ፡ ሰሪሕካ ልዑል ውጽኢት ኢኻ ተመዝግብ" ክትብል ኣብ ኔፓል ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ።
እዛ ሓረግ እዚኣ፡ ቅድሚ ዓለማዊ ክብረ ወሰን ሰዓታት ምድያብ እምባ ኤቨሬስት ምርግጋጻ ንኣዕሩኻ ብተደጋጋሚ ትነግሮም ነይራ።
ወይዘሮ ጻንግ ዪን ሁንግ፡ ንኣካላታ ክትብድህ እምበር ነቲ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን ክትሰብር ወይ ከተመሓይሽ ሓሲባ ናብ እምባ ኤቨረስት ከምዘይደየበት እያ ተዛሪባ። እዛ ጓል 45 ሰበይቲ፡ ነቲ ቆራሪ እምባ ካብቲ መበገሲ መስመር ብ25 ሰዓትን 50 ደቒቕን ናብቲ ጫፍ ደይባ።
በዚ ከኣ ነቲ ኣብ 2017 ብኔፓላዊ ሓዃሪ እምባ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረ ወሰን ብልዕሊ 12 ሰዓታት በሊጻቶ።
" ዕላማይ ንነብሰይ ንምብዳህ እምበር ክብረ ወሰን ከመሓይሽ ስለ ዝደለኹ ኣይነበረን" ክትብል በቲ ዘመዝገበቶ ዓወት ሩፍታን እፎይታን ከምዝተሰመዓ ትማሊ ሰንበት ካብ ኤቨረስት ናብ ርእሰ ከተማ ኔፓል ካትማንዱ ብደሓን ምስ ተመልሰት ንመራኸቢ ብዙሓን ተዛሪባ።
ወይዘሮ ጻንግ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ሓድሽ መዝገብ እምባ ኤቨረስት ዘመሓየሹ ሰለስተ ሰባት ሓንቲ እያ።
ዝሓለፈ ሰንበት፡ ወዲ 75 ዓመት ኣርተር ሙይር ንእምባ ኤቨሬስት ብምድያቡ ብዕድመ ዝዓበየ ኣመሪካዊ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካብ ቻይና ዝመጽአ ወዲ 46 ዓይነ ስውር ዘ-ኡንግ ሆንግ ከኣ ንፈለማ ነቲ እምባ ዝደየበ ዓይነ ስዉር ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዞም ሰለስተ ካብቶም ብኣማእታት ዝቝጸሩ ንእምባ ኤቨሬስት ዝደዩቡ ብፍሉይ ብልጫታቶም ተመዝጊቦም ኣለው።
ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ኔፓልን ኣብ መደበር ኤቨረስት ካምፕታትን ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት እኳ እንተነበሩ ብዙሓት ነቲ እምባ ደይቦምዎ።
መንግስቲ ኔፓል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓጽዩዎ ዝጸንሐ ምብጻሕ ወጻእተኛታት ሓኾርቲ እምባ ኣብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት መሊሱ ከፊትዎ።
'እፎይታ ይስምዓኒ'
ወይዘሮ ጻንግ ብ11 ግንቦት ናብቲ እምባ ክትሓኵር እኳ ፈቲና እንተነበረት ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ስለዘይከኣለት ንድሕሪት ተመሊሳ። ንተበግሶኣ ከተቋርጾ ስለዘይደለየት ግን ድሕሪ ሓደ ሰሙን ተመሊሳ ነቲ ክብረ ወሰን ሰይራቶ።
ብ22 ግንቦት፡ ካብቲ መበገሲ ካምፕ ሰዓት 13: 20 ወጺኣ፡ ንጽባሒቱ ሰዓት 15: 10 ዝለዓለ ናብቲ እምባ ከም ዝበጽሐት፡ ሓደ ኔፓላዊ ብዓል ስልጣን ንማዕከናት ዜና AFP ሓቢሩ ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጐራዙ ደቀንስትዮ ናብቲ ዝለዓለ ጥርዚ ቅድሚ ምድያበን ፡ ኣብ እተፈላለየ ሰፈር ንሓያሎ መዓልትታት የዕርፋን የሕልፋ እየን ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወይዘሮ ጻንግ ግን ነቲ ኣብ 2017 ብነፓሊታዊ ሰበይቲ ፉንጆ ጀሃንግሙ ላማ ተመዝጊቡ ዝነበረ ናይ ብ39 ሰዓትን ሽዱሽተ ደቒቕን ክብረ ወሰን ብ25 ሰዓታትን 50 ደቒቕን ብምድያብ ኣመሓይሻቶ።
ጻንግ ነቲ ዘመዝገበቶ ዓወት ብሓባራዊ ስራሕን ውልቃዊ ድርኺትን ዝተመዝገበ እዩ ክትብል እያ ትገልጾ። ንሳ ካብ ነዊሕ እዋን ዝለዓለ ሸቶ ብምሕላን ዘረጋገጸቶ ዓወት እዩ። ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበረቶ ፡ "ንመሳርሕተይን ኣዕሩኸይን፡ ልዑል ሸቶ ከተመዝግቡ እንተደሊኹም፡ ልዑል ውጥን ግበሩ ኢለ እየ ዝነግሮም። ስለዚ፡ ንኣዕሩኸይን ንተመሃሮይን ብዘመዝገብኩዎ ዓወት እቲ ዝብሎን ዝኾነን ብምንጽጻር ከርእዮም ስለዝደሊ፡ እፎይታ ይስምዓኒ እዩ " ኢላ።
" ኩሉ ሳዕ ሓያል ሃቐነ እዩ ዝስዕር"
ሚስተር ሚሳንግ፡ ብ24 ግንቦት፡ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ዘ-ጻንግ ናብ እምባ ኤቨሬስት ደይቫ ክብረ ወሰን ምምሕያሻ፡ ነቲ 8,849 ሜትሮ ዝቝመቱ እምባ ደይቡዎ።
እቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ ቾንግኪንግ እተወልደ ቻይናዊ ሓዃሪ እምባ፡ ወዲ 21 ዓመት ምስ ኮነ፡ ብሰንኪ ግላኮማ መትኒ ዓይኑ ስለዝተበላሸወ ክርኢ ኣይከኣለን። ዕማምካ ናይ ምስላጥ ክቱር ባህጊ ስለዝነበሮ ግን ነቲ እምባ ምስ ደየቦ፡ "ድልዱል ኣእምሮ እንተ ኣልዩካ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ዑረት ኮነ ስንካለ መሓውር ኣይዓግተካን እዩ" ክብል ንሮይተርስ ዘሄግ ሓቢሩ። ንሱ ብሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት ተሓጊዙ እዩ ናብ ጫፍ እቲ እምባ ደይቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







