እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ ህወሓት ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራሕቱ ዘንበረቶ እገዳ ቪዛ ተቓዊምዎ
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተነብረ እገዳ ቪዛ ቅቡል ከምዝገብሮ ብምግላጽ እንተኾነ ግን በቲ ማዕቀብ ዝግደበሉ ምኽንያት ከምዘየለ ሓቢሩ።
ህወሓት ነቲ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቁጠባውን ዲፕሎማሲያዊን ማዕቀባትን ስጉምትታትን ምውሳድ ምጅማሩ ከምዝንእድ ኣብ መእተዊ መግለጺኡ ኣስፊሩ'ሎ።
ይኹን ድኣ እምበር እቲ ምኽልካል ቪዛ ንኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ'ውን ይምልከት እዩ ዝብል ውሳነ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።
ንመራሕቲ ህወሓት ብገበናት ዝኸሱ ሰብመዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንውድብ ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ድሕሪ ምስራዞም፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን "ኣሸባሪ" ጉጅለ'ዩ ዝብል ውሳነ ምሕላፎም ይፍለጥ። መራሕቲ ህወሓት ግን፡ ብህዝቢ ዝተመርጹ ምዃኖም ብምምጓት፡ ክሳብ ሕጂ ንገዛእ ርእሶም "መንግስቲ ክልል ትግራይ" ብምባል ክገልጹ'ዮም ዝስምዑ።
ኣብቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ፡ "ህወሓት ዝፈፀሞ ገበን የለን ጥራሕ ዘይኮነስ: ንባዕሉ ከም ኣካል ህዝቢ ትግራይ ተጠቃዓይን ግዳይ ወራርን ምዃኑ ምምሕዳር ጆ ባይደን፣ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ፣ ፈተውትን ደገፍትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ክፈልጥዎ ይግባእ" ክብል ኣረዲኡ።
"ወረርቲ ሓይልታት" ክብል ዝገለጾም መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንኸም ስዩም መስፍንን ስብሓት ነጋን ዝበሉ ገዳይም ተጋደልትን መራሕቲ ህወሓትን ብምቕታል ኮነ ብምእሳር "ወያነ ተደምሲሳ" ምባሎም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተጠቃዓይ ምዃኑ ጭቡጥ መርኣያ ከምዝኾነ እቲ መግለጺ የመልክት።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ንነዊሕ ዓመታት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ስዩም ምስፍንን፡ ሓደ ካብ ፍሉጣት መስረቲ ህወሓት ዝነበረ መዘናኡ ዝኾነ ኣቶ ኣባይ ጸሃየን፡ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ዝነበረ ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሰን ብሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ምቕታሎም ይዝከር።
ካብ ቀዳሞት መስረቲ ህወሓት ዝኾነ ኣቶ ስብሓት ነጋን፡ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ ዝነበሩ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ዶ/ር ሰለሙን ኪዳነን፡ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ነበር ኣቶ ኣባይ ወልዱ ዝርከብዎም ድማ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምትሓዞም ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።
ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝርከቦም ካልኦት መራሕቲ ግን ኣንጻር ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ይቃለሱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይገልጹ።
ዳርጋ ኩሎም መራሕቲ ህወሓትን፡ ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩ ሓያሎ ወተሃደራዊ መኮንናትን በቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዝ ዝተወስደ መጥቃዕቲን ዕጥቃዊ ምልዕዓልን ብምክያዶምን ይኽሰሱ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ "ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣባላት ህወሓት ምኽልካል ቪዛ ይምልከቶም እዩ ምባሉ ፍትሓውን ርትዓውን ከምዘይኮነ ብዕሊ ክርድኡ ይግባእ" ክብል ተቓውምኡ ኣስሚዑ'ሎ።
ካብ ፅባሕ ምድምሳስ ደርጊ ጀሚሩ ዕጡቕ ሰራዊት ከምዘይብሉ ዝሓበረ ህወሓት "ኣብዚ እዋን ምስ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ወረርቲ ሓይልታት ዝሕምሽሽ ዘሎ ሰራዊት ናይ መንግስቲ ትግራይ ሰራዊት እዩ" ክብል ገሊጹ።
"ስለዝኾነ ምምሕዳር ጆ ባይደን ብውልቀ ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ቪዛ ብዛዕባ ምኽልካል ዝወሰኖ ውሳነ ደጊሙ ክፍትሾን ከስተኻኽሎን ንጽውዕ" ይብል።
እቲ ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ብ3 ሕዳር 2020 ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ክልል ነበር ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊኦም ብዝኣወጆ ወተሃደራዊ ስጉምቲ'ዩ ተወሊዑ። መራሕቲ ህወሓት ግን እቲ ናይ 3 ሕዳር መጥቃዕቲ "ቅድመ-ምክልኻል" ንምግባር ዝተወስደ ምዃኑ'ዮም ክምጉቱ ጸኒሖም።
ኣብቲ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከብዎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉን ይግለጽ። ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ድማ ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ኣለዉ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ "ዓሌት ናይ ምፅናት ጅምላዊ ጨፍጫፍ" ክብል ዝገለጾ ምግሃስ መሰላት ብዓለምለኸ ዘይሻራዊ ኣካል ብቕልጡፍ ክጻረ ጸዊዑ'ሎ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዛጊት ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ ምስ ግጭት ትግራይ ምትእስሳር ኣለዎም ዝብሃሉ መራሕተን ዝተነብረ እገዳ ዘለወን ተቓውሞ ገሊጸን ኣለዋ።