እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ ትግራይ ዘለው ሓይልታት ተጻብኦታት ደው ከብሉ ኣመሪካ ጠሊባ
ሰኔት ኣመሪካ፡ እቲ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ተጻብኦ ትግራይ ጠጠው ክብልን መንግስቲ ኤርትራ ወተሃደራቱ ካብቲ ክልል ብቕልጡፍ ከውጽእን ዝሓትት ውሳነ ኣጽዲቑ።
ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተፈጺሞም ዝበሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ገበናትን ድማ ኣትሪሩ ኮኒኑ።
እቲ ውሳነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ናብ ቅሉዕ ኲናት ምምርሑ ቕቡልነት የብሉን ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን፡ ንክልተ ዓመታት ፈኸም እናበለ ዝጸንሐ ፍሕፍሕ ብ4 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ካብ ዘምርሕ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2020 ሓይልታት ፌዴራል ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ኲናት ከም ዝተዛዘመ እንተተዛረበ'ኳ፡ እቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ቀጺሉ ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብቲ ግጭት፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ከኣ ይግመት።
ልዕሊ 60,000 ሃዲሞም ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ከም ዝተፈናቐሉ ጸብጻባት የረድኡ።
ብሓፈሻ፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ'ቲ ክልል ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ይርከብ።
ኣብቲ ክልል "ከቢድ ጥምየት" ከጋጥም ከምዝኽእል፡ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ኣመሪካ (ዩ-ኤስ-ኤ-ኣይ-ዲ) ሳማንታ ፓወር ኣጠንቂቓ'ላ።
"መበል 5ይ ደረጃ ዝበጽሐ ናይ መግቢ ቅልውላዉ ከምዘጋጠመ ቅድመ-መጠንቀቕታና ይሕብር ኣሎ። ሻድሻይ ደረጃ ዝብሃል የለን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ክሰርሕ ኣለዎ" ኢላ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ንስደተኛታት ትግራይ ዘርአዮ ሓልዮትን ሰናይ ተግባርን ከም ዝንእድ ሰኔት ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ'ሎ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ሽበራ ኣስፊሩ ንብረቱ ክውረስንን ክእገድን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ቀንዲ ውሳነታት'ቲ ሰኔት እንታይ ይብሉ?
እቲ ሰኔት ዘውጽኦ ሰነድ ቁጽሪ ኤስ-ኣር.97 ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ብዝተኣሳሰር ዓሰርተ መሰረታዊ ነጥብታት ዘርዚሩ ኣሎ።
መጀመርታ፡ እቲ ሰኔት ግጭት ትግራይ ብቕልጡፍ ደው ክብል ክሓትት እንከሎ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ካልኦት ኣብቲ ግጭት ኢዶም ዝሓወሱ ኣካላትን ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉ ሓቲቱ።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ከየዕንቅፉን ንዝግበሩ ምጽራይ ገበናት ክተሓባበሩን ጸዊዑ።
"ኤርትራ ካብቲ ግጭት ብቕልጡፍ ትውጻእ" ዝብል ሳልሳይ ኣብ ውሳነ ሓሳብ እቲ ሰኔት ዝሰፈረ ዛዕባ እዩ።
ብወተሃደራት ኤርትራ ኮነ ብኻልኦት ሓይልታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፤ ዝምታ፣ ጸታዊ ዓመጻት፣ ቅትለትን ካልኦት ገበናትን ብትሪ ንኹንኖም'ውን ይብል።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ልኡኻቱ ናብ ኢትዮጵያ ብምስዳድ ተጻብኦታት ደው ክብልን ሓይልታት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጽኡን ደጋጊሙ ጻውዒት ምቕራቡ ይዝከር።
ብዘይካ'ዚ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝፍጸም ኩነታት 'ዓሌት ምጽናት' ብዝብል ዝጸውዐ ኮይኑ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ካባቢ ለቒቖም ክወጽኡ ጠሊቡ ነይሩ።
ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ንነዊሕ ዝጸንሐ ናይ ወሰን ምስሕሓብ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ኣምሓራ ሒዞምዎ ዘለዉ ከባቢታት ትግራይ ብዝምልከት 'ብሕገ መንግስታዊ' መንገዲ ክሕተት ከም ዘለዎ ሰብ መዚ ክልል ኣምሓራ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ካብ ኣመሪካ ዝቐርቡ ክስታት ክነጽጎ ምጽንሑን፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣምሓራ ዝቐርብ ክሲ "ውሽጣዊ ጉዳያት እዩ" ብዝብል ይቃወሞ።
ምስ ህወሓት ዘተ ንምክያድ ቅሩብ ከም ዘይኮነ ምግላጹ'ውን ይዝከር።
ሰኔት ኣመሪካ፡ ትማሊ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ሓሳብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍጽሞም ትጽቢት ዝግበሩ ሰለስተ ነጥቢታት ዘርዚሩ ኣሎ።
እዚኦም መንግስቲ ንሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንክ ከምኡ'ውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምምሕኣሽ ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ይብል።
ኣብ ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ከኣ ተሓተቲ ክኾኑ ክገብር ኣለዎ ኢሉ።
ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ሙሉእ ንሙሉእን ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክሓትት እቲ ሰኔት ሓቲቱ።
ብዘይካ እዚ መንግስቲ ብፖለቲካዊ ኣረኣእየኦም፣ ደገፍቲ ብምዃኖም፣ ብሰንኪ መንነቶምን ጋዜጣኛዊ ጸብጻባቶምን ዝተኣስሩ ክፈትሕን ሓሳብ ብናጽነት ናይ ንግላጽ መሰል ከኽብርን ሓቲቱ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ኩሎም ሓይልታት ዘሳተፈ ሃገራዊ ዕርቅን ዘተን ክካየድ'ውን ጠሊቡ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርኔት 'ብምሉእን ብቕልጡፍን' ክኽፈት'ውን ጸዊዑ'ሎ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ኣገልግሎት ባንክን ስልክን'ኳ እንተጀመረ ኢንተርኔት ግን ዛጊድ ናብ ንቡር ኣይተመልሰን።
ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ መራሕትን ኣባላትን ህወሓት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠብን፣ ብሕጊ ክዳነዩ ክገብርን ድማ ጠሊቡ።
እቲ ሰኔት፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሚኒስትሪ ገንዘብ፣ ዩኤስኣይዲ ምስ ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈት ኣመሪካ ብምትሕብባር፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ከምኡ'ውን ህወሓት ተራኺቦም ጎንጺ ደው ንክብል. ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእ፣ ነዚ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ መፍትሒ ክህብሉ ሓቲቱ።
ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት፣ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ዓለምለኻዊ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ንዝለዓሉ ግጭታት መፍትሒ ክህቡ ኣተሓሳሲቡ።
እዞም ሓሳባት፡ ሓበራዊ መርገጺ ኣባላት እቲ ሰኔት ዘንጸባርቑ ኮይኖም፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ'ዚ ውሳነ ሓሳብ ዝመሳሳል መርገጺ ከርኢ ጸኒሑ'ዩ።