ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ‘ዝተኣሳሰረ ቅልውላዋት’ ንምፍታሕ ትጽዕር ከምዘላ ገሊጻ

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዞባ ከካይዶ ዝቐነየ ዑደት ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ከምዝተመለሰ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ግብጽን ሱዳንን ከምዝተራኸበ እቲ ሎሚ ዝወጸኣ መብርሂ ጠቒሱ።

"ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ መቐይሮ ነጢቢ'ዩ ዘሎ። እቶም ኣብ ዝቕጽሉ ሳምንታትን ኣዋርሕን ዝውሰዱ ውሳነታት ከኣ ንህዝቢ'ቲ ዞባን ረብሓታት ኣመሪካን ኣገዳሲ ኣፋፍኖት ክህልዎም'ዩ" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ።

ኣመሪካ ነቶም ኣብቲ ዞባ ተፈጢሮም ዘለዉ "ዝተኣሳሰሩ ቅልውላዋት" ንምፍታሕ ድልውቲ ምዃና ብምግላጽ፡ "ዜጋታት ብዛዕባ ምሕደራኦም ድምጺ ዝህቡሉን መንግስታት ድማ ንዜጋታቶም ተሓተትቲ ዝኾንሉ ብልጹግን ርጉእን ቀርኒ ኣፍሪቃ" ንምፍጣር ክትድግፍ ምዃና ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣነጺሩ'ሎ።

ሓድነታ ዝዓቀበት ኢትዮጵያ ኣካል ናይዚ ራኢ'ዚ ከምዝኾነትን፡ እንተኾነ ግን ኣመሪካ በቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካውን ብሄራውን ምትፍናን ከምዝተሻቐለት ገሊጻ።

ኣምባሳደር ፈልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት መራሕትን ብምርኻብ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ኣጋጢሞም ዘለዉ ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ንሰብኣዊን ፖለቲካውን መሰላት ኩሎም ኢትዮጵያውያን መሰረት ዝገበረ ኣሳታፊ ሃገራዊ ምርድዳእ ክፍጠር ከምዝተመያየጡ እቲ መግለጺ የመልክት።

"ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታትን፡ እቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓደጋን ቅቡል ኣይኮነን።

"ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምውሓስ፡ ነቲ ቀዛፊ ግጭት ደው ንምባልን ሂወት ዘድሕን ሓገዝ ንምሃብን ምስ ዓለምለኻውያን መሓዙትናን መሻርኽትናን ክንሰርሕ ኢና" ይብል መግለጺ ኣመሪካ።

ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ፈደራል፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ውሽጣዊ "ሕጊ ናይ ምኽባር" ስጉምቲ ምዃኑ ብምምጓት፡ ንዝኾነ ሰላማዊ ዝርርብ ክሕሰሞ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ግጭት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል ከም ዘስዓበን፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ከምዝተገደዱን ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት የረድኡ። ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ'ቲ ክልል ድማ ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ እቲ ኣብ ግጭት ተፈጺሙ ዝብሃል ቅትለትን ጾታዊ ዓመጻትን ዝርከቦ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብናጻ ኣካል ክጻረ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር።

ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ምርድዳእ ኢትዮጵያ ዓንቃፊ ምዃኑ ዝገለጸ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ኣምባሳደር ፈልትማን ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካየዶ 4 ሰዓታት ዝወሰደ ልዝብ ሓይልታቱ "ብህጹጽ" ከውጽኦም ከምዝጠለበ ኣመሪካ ኣፍሊጣ።

ኤርትራ ካብ ግጭት ትግራይ ሓይልታታ ከተውጽእ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰማምዐት'ኳ ብክልቲኦም ወገናት እንተ ተሓበረ፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘይወጹ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ወርሒ ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ብዓቕሚ ሰቡን ብዝሒ ኣጽዋራቱን ዝሓየለን ዝበዝሐን ዝብሃል ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣወጀን'ዩ ኵናት ጀሚሩ።

ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዞባ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ እቲ ጉዳይ ንውሕስነት ማይ ግብጽን ሱዳንን ከምኡ'ውን ኣገዳስነት ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብዘእተወ ክፍታሕ ምስ መራሕትን ዝምልከቶም ሰብመዚን ሰለስቲአን ሃገራት ተዘራሪቡ'ሎ።

ሰለስቲአን ሃገራት፡ እቲ ክዛዘም ተቓሪቡ ዘሎ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ መመንጨዊ ጸዓት ብኸመይ ማይ ይምላእ ኣብ ዝብል ክሰማምዓ ኣይከኣላን ዘለዋ።

ምምሕዳር ፕረደዚንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝፍተን ዘሎ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝርርብ ከምዝድግፍ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ሱዳን ተጀሚሩ ዘሎ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክዕምብብን፡ ሕቡራት ሃገራት ደገፋ ከምዘይትበቅቕ ኣመሪካ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ናብ ካልእ ረጽሚ ከየምርሕ ድማ ምስ መሻርኽታ ብምዃን መፍትሒ ከምእተናዲ ቃል ኣትያ'ላ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ነቶም ጉዳያት ንምክትታል ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብቲ ዞባ ክምለስ ምዃኑ'ውን እቲ ዘወጸ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

ምኩር ዲፕሎማሰኛ ኣምባሰደር ጀፍሪ ፈልትማን ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክከታተል ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝተመዘዘ'ዩ።