እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ልኡኽ ሸይማ
ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ እዋናዊ ጉዳያት ብቐረባ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ከምዝሾመት፡ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ዋና ጸሓፊ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ዕላዊ ከምዝገበሮ፡ ኣመሪካ፡ ንጉዳያት ኢትዮጵያን ቐርኒ ኣፍሪቃን ዝከታተል፡ ንጄፍሪ ፌልትማን ፍሉይ ልኡኽ ገይራ ሸይማ ኣላ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ እዋናዊ ኩነታትን ጎንጽታትን ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ እዩ ተሓቢሩ።
ብዚ መስረት ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጓኒፉ ዘሎ ጎንጺ፣ ኣብ ጉዳያት ጎንጺ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ግድብ ህዳሰን ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣትኲሩ ከምዝሰርሕ ተፈሊጡ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብዚ ወሳኒ ዝኾነ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መሰረታዊ ለውጢ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።
ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ምሻም ኣድላይነት ኣመልኪቱ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ‘ኣብ ወለዶታት ሓደ ግዜ ዘጋጥም ዝበሎ ዕርያ’ ንምድጋፍን ጎንጺ ንምትራፍን ተሳትፎ ኣመሪካ ኣድላይ ምዃኑ ከምዝተኣመነሉ፡ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።
ሓድሽ ምምሕዳር ባይደን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፖለቲካውን ኩነታት ጸጥታን ሰብኣዊ ጉዳያትን ፍታሕ ክረኽቡ ምታን፡ ዓለም ለኻዊ ዲፕሎማሲ ጻዕርታት ንምምራሕ ዝዓለመ'ውን እዩ ተባሂሉ።
ጄፍሪ ፌልትማን መን እዩ?
ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብላዕለዋይ ሓላፍነት ዝሰርሐ፡ ጄፍሪ ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ዘለዎ ምኩር ዲፕሎማት ምዃኑ ይዝረብ።
ከምኡ’ውን ፌልትማን፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘካተተ ዲፕሊኦማሲ ኣብ ምእላይን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተኻየዱ ልዝባት ዕርቅን ስትራተጂ ኣመሪካ ኣብ ምፍጻምን ዓብዪ ተሞክሮ ከምዘለዎ፡ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ወዲ 62 ዓመት ፌልትማን፡ ኣብ መጽናዕቲታት ትካላት ዓለምለኸ ፖለቲካ ርኡይ ግደ ዝነበሮ ምዃኑ’ውን ይዝረብ።
ኣብ ጉዳያት ፖለቲካን ፖሊሲ ወጻእን ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ባንኪ ሙንን፡ ሕዚ ዘሎ ኣንቶንዮ ጉቱሬዝን ዘማኸረ ኾይኑ፡ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን ብተደጋጋሚ መብርሂ ብምሃብ ውን ይፍለጥ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሚኒስተር ወጻኢ ን26 ዓመታት ዘገልገለ ፌልትማን፡ ኣብ ሃገራት ሊባኖስ፣ ዒራቅ፣ እስራኤል፣ ቱኒዝያን፣ ሃንጋሪን ሃይቲን ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኮይኑ ሰሪሑ።
ኣመሪካ ቅድም ክብል ብፍላይ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብዕቱብ ተሳትፎ ከትሽምገል ምፍታና ይዝከር።
ኣብ ትግራይ ዝተኸስተ ቅልውላው ስዒቡ ድማ፡ ላዕለዎት ሰብ ስልጣን ኣመሪካ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን መንግስቲ ኢትዮጵያን ምዝርራቦም ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ድማ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሴናተር ክሪስ ኩንስ ንሒደት መዓልታት ፍሉይ ልኡኽ ገይሩ ናብ ኢትዮጵያ ምስዳዱ ይፍለጥ።
ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ትግራይ ብርትዕ ዝበሉ መግለጺታት ዘውጸአ ኾይኑ፡ ብፍላይ ድማ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክወጽኡን ምሕታቱ ዝፍለጥ እዩ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ‘ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ’ ብዝብል ተቓውሞታት ምስምዑ ይዝከር።