ግድብ ህዳሰ: ኢትዮጵያ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ሓሳብ ኣቕሪባ

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ድርድር ክቕጽል ንምግባር መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉባኤ ምጽዋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዝበለት: ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መራሒ ሱዳን ንዝተለኣኸሉ ደብዳበ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ምዃኑ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ።

በዚ መሰረት ኣብ ዝቕጽል ዝሳለጥ መስርሕ ድርድር ንምክያድ: እቲ ሕዚ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ (ፕረዚደንት ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ) ፌሊክስ ቺሰኬዲ ነቶም መራሕቲ ንኣኼባ ክጽውዖም ምሕታት ኣገዳሲ ከምዝኾነ እቲ ሚንስትሪ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ጉባኤ . . .

ጉባኤ ርእሰ ብሄራትን መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ሕበረት ዝለዓለ ደረጃ ስልጣን ዘለዎ ኮይኑ፤ ፖሊሲታት እቲ ሕብረት የጽድቕ፣ ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣጀንዳታት የነጽር፣ ዓመታዊ ትልሚ የውጽእን ኣፈጻጽማ ይከታተልን።

ብተወሳኺ ድማ ንጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ኮሚሽን ሕበረት ኣፍሪቃን ዝመርሑ ኣቦ/ኣዶ መንበራት ከምኡ’ውን ኣቦ/ኣዶ መንበራት ይመርጽ፤ ሓደሽቲ ኣባል ሃገራት ናብቲ ሕብረት የእቱን ኣብ ቀንዲ ጉዳያት እቲ ሕብረት ውሳነ ይህብን።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ኣብ ወርሒ ሓምለ/ነሓሰ ዝካይድ’ኳ እንተኾነ: ዝኾነት ኣባል ሃገር ሕቶ እንተኣቕሪባን እቲ ሕቶ እንተጸዲቑን ግን ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ይኽእል።

ቀዳማይ ሚር ኣብይ እንታይ’ዩ ኢሉ?

ቅድሚ ሰሙን ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ደብዳበ ዝተልኣኾ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝበጽሖ መልእኽቲ ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝተኻየደ ዝርርብ ዕውት ከምዘይኮነ ምሕሳብ ልክዕ ከምዘይኮነ ኣብቲ ዝሃቦ ምላሽ ዝሓበረ ኣብይ፡ ስምምዕ መትከላት ምፍራምን ዘይሻራዊ ጉጅለ ኪኢላታት ምጥያሽን ውጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ድርድር ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማ ኪንሻሳ ዝተኻየደን ብዘይምርድዳእ ዝተዛዘመን ዘተ’ውን ኣብ ደብዳቤኡ ጠቒሱ’ሎ። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ዝካየድ ስሉሳዊ ድርድር ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንክቕጽል ጽኑዕ ድልየት ከምዘለዋ ወሲኹ ገሊጹ።

ሕብረት ኣውሮጳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ብተዓዛብነት ጥራይ ክቕጽሉ ከምኡ’ውን ኣቦ መንበር ሕብረት ናይ ምትሕብባር ሓላፍነቱ ብግቡእ ክፍጽም ኣገዳሲ ምዃኑን ደብዳበ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር የመልክት።

እቲ ግድብ!

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ህንጸቱ ክዛዘም ትልሚ ተታሒዙሉ ዝተጀመረ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከይተዛዘመ ናብ ዓሰርተ ዓመት ይኸይይድ ኣሎ።

ህንጸቱ ምስተዛዘመ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ ከምዝኸውን ዝዝረበሉ ህዳሰ: ኣብዚ እዋን 80 ሚኢታዊት ስራሕቱ ከምዝተወገነን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሓይሊ ከመንጩ ትጽቢት ከምዘሎን ይግለጽ።

ልዕሊ 5 ሺሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ/ጸዓት ከመንጩ ትጽቢት ዝግበረሉ ግድብ ህዳሰ ህንጸቱ ተዛዚሙ ናብ ኣገልግሎት ኣብ ዝኣትወሉ እዋን: ንልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንኢንዳስትሪታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ሓይሊ ከቕርብ ከምዝኽእል ይዝረበሉ።