እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓሙሽተ ሰኔተራት ኣመሪካ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ 'ዓለምለኻዊ መለክዒታት ኣየማልእን'ዩ' ኢሎም
ሓሙሽተ ሰኔተራት ኣመሪካ እቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሓሙሽተ ሰሙን ተካይዶ ምርጫ በዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት 'ዓለምለኻዊ መለክዒታት ኣየማልእን'ዩ' ኢሎም።
እዞም ሰኔተራት፡ ናብቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ'ዮም፡ በዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ ዓለምለኻዊ መለክዒታት ከማልእ ከምዘይኽእል ገሊጾም።
እቶም ሓሙሽተ ሰኔተራት ቤንጃሚን ኤል ካርዲን፣ ቲም ኬይን፣ ጃኪ ሮስን፣ ኮርይ ኤ ቡከርን ኤድዋርድ ጄ ማርኬይን ዝብሃሉ ኮይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦትን መጀመርታ ወርሒ ሰነን እተካይዶ ምርጫ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገርን ብዘሎ ግጭት ምስቲ ከካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ብምስናይ ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም።
"እቲ ምርጫ ዓለምለኻዊ መለክዒታት ኣይከማልእን'ዩ"
ሰኔተራት ቤንጃሚን ኤል ካርዲን፣ ቲም ኬይን፣ ጃኪ ሮስን፣ ኮርይ ኤ ቡከርን ኤድዋርድ ጄ ማርኬይን እቲ ድሕሪ ቁሩብ ሳምንታት ዝኻየድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ በዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ነጻን ርትዓውን ኮይኑ ክካየድ ስለዘይክእል ዓለምለኻዊ መለክዒታት ከማልእ ኣይክእልን'ዩ ኢሎም።
እቶም ሰኔተራት፡ ብዙሓት ናይ ፖሎቲካ ሰልፍታት እቲ ምርጫ ብርትዓዊ ኣገባብ ክካየድ ኣይክእልን'ዩ ብምባል ካብቲ ምርጫ ከምዘንሰሓባ ኣብ ደብዳቤኦም ገሊጾም ኣለዉ።
ብምስዓብ፡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሓለፍትን ኣባላት ሰልፍታትን ተኣሲሮም ስለዘለዉ እቲ ምርጫ ነጻን ርትዓውን ኮይኑ ክፍጸም እዩ ኢሎም ከምዘይኣምኑ'ውን ገሊጾም።
ነቲ በዞም ሓሙሸት ሰነቴራት ኣመሪካ ዝተውሃበ መግለጺ፡ ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መልሲ ንኽህበሉ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረልናን።
ሰልፍታት ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስን፡ ኣባላቶምን መራሕቶምን ይእሰሩ ስለዘወሉን፡ ኣብያተ ጽሕፈቶም ስለስተዓጸዉን ኣብቲ ምርጫ ከሳትፈና ዝኽእል ዓቕሚ የብልናን ብምባል ኣብቲ ምርጫ ከምዘይሳተፉ ምግላጾም ይዝከር።
ይኹን'ምበር ቅድሚ ሕጂ ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን መንግስትን እቲ ዝካየድ ምርጫ ዲሞክራስያውን ርትዓውን ኮይኑ ንኽካየድ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም ነይሮም እዮም።
እቶም ሰኔተራት "ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ምርጫ ዘለዎ እምነት ንኽዓቢ ዝኾነ ምትዕርረያት ከይተገበረ ምርጫ ዝኻየድ እንተኾይኑ እቲ ዓሌትን ፖሎቲካዊ ኣርኣእያን ዕላማ ዝገበረ ግጭት ተባኣኢሱ ናብ ዝኸፈሰ ሓደጋ ከምርሕ ይኽእል'ዩ" ኢሎም።
ቅልውላው ትግራይ
እቶም ሰኔተራት ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮ፡ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ከምዝርከቡን ልዕሊ 62 ሽሕ ህዝቢ'ውን ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ኣብ ደብዳቤኦም ገሊጾም።
እቶም ሰኔተራት ናብቲ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ዝጽሓፍዎ ደብዳበ፡ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣቱ ክገብር፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ፡ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብነጻ ኣካል ክምርመሩን ነቲ ግህሰት ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ ዘኽእል ዲፕሎማስያዊ ኣማራጺታት ክቐርቡ ከምዝድግፉ ኣብሪሆም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናይ ጸጥታ ስግኣት ስለዝነበሮ ዶብ ከምዝሰገሩ ድሕሪ ምግላጽ ክወጽኡ ምኳኖም ኣብሪሁ ነይሩ፡ ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ሰራዊቱ ከምዝስሕብ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ፡ ዛጊድ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝርከቡ እዩ ዝግለጽ።
እቶም ሰኔተራት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ብሄር መሰረት ዝገበረ ግጭታት ከምዘሻቕሎም፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጊል ጉሙዝ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝፍጸሙ ዘለዉ መጥቃዕትታት ብምግላጽ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ፌልትማን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕርቅን ሰላምን ንኽመጽእ ክሰርሕ ተላብዮም።