ፖለቲካዊ ውድብ ስርዓት ገዳ ንናጽነት ኦሮሞ: ምርጫ ኢትዮጵያ ዝካየደሉ ጊዜ ክናዋሕ ሓቲቱ

ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንዝተቐመጡ ረቛሕታት ኣየማልኡን ብዝብል ዝነበሮም ፍቓድ ካብ ሞንጎ ዝተሰረዞም ውድባት ፖለቲካ ሓደ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ገዳ: ሃገራዊ መረጻ ብሽድሽተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ውድብ ስርዓት ገዳ ንነጻነት ኦሮሞ - ገዳ ቢሉሱማ - ኣብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ኣብ ዝጸንሐ ምስ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘካትዖ ጉዳይ ከምዝተዓወተ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት እቲ ውድብ ኣይተ ሮበሌ ታደለ ከምዝገለጾ ቦርድ ምርጫ ነቲ ዝነበሮ ፍቓድ ምስራዙ ትኽክል ከምዘይኮነ ብቤት ፍርዲ ውሳነ ተዋሂቡ’ሎ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራልን ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌደራልን ክትዕ ክገብሩ ምጽንሖም ዘዘኻኸረ እቲ ፕረዚደንት: ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ እቲ ምስራዝ ትኽክል ኣይኮን ክብል ምውሳኑ ኣረዲኡ።

“ብሰንኪ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ካብ ውድድር ወጻኢ ኮይንና ኢና” ዝበለ ኣይተ ሮበሌ እቲ ድሕሪ ወርሒ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ብሽድሽተ ኣዋርሕ ተናዊሑ ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ንኽካየድ ናብ ቦርድ ምርጫ ሕቶ ከምዘቕረቡ ተዛሪቡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ስያመ ውድቦም ገዳ ፓርቲ ካብ ዝብል ናብ ስርዓት ገዳ ንናጽነት ኦሮሞ - ገዳ ቢሊሱማ ከምዝቐየሩ ሓቢሩ።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ግንቦት 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ከምዝገበሮ ኣብ ኣዋጅ ምዝገባን ስነስርዓትን ፖለቲካዊ ውድባት ቁጽሪ 1162/2011 ንዝተቐመጠ ረቛሕታት ኣየማልኡን ዝበሎም ውድባት ሰሪዙ’ዩ፤ ፓርቲ ስርዓት ገዳ ድማ ካብ ሞንጎ’ቶም ዝተሰረዙ ነይሩ።

“መረዳእታ መስረትቲ ኣባላት እቲ ውድብ ኣይተማልአን ብዝብል ምኽንያት’ዮም ውድብና ክስረዝ ገይሮም። ይኹን እምበር ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝኾነ ብደረጃ ክልል ዝወዳደር ፓርቲ 4,000 ናይ መስረትቲ ፊርማ ከቕርብ’ዩ ትጽቢት ዝግበር፤ ንሕና ግን 6,845 ኣባላት ፊርማ ኣቕሪብና ኔርና። ዝኾነ ይኹን ሕጊ ከይጠሓስናን ምሉእ መረዳእታ እናሃለወናን እዮም ሰሪዞምና” ክብል ኣብሪሁ።

ቦርድ ምርጫ ንኽከላኸል ወይ መልሲ ንክህብ ብቤት ፍርዲ ዕድል ተዋሂብዎ ምንባሩ ዝገለጸ ፕረዚደንት እቲ ውድብ ኣይተ ሮበሌ፡ ‘እቲ ውድብ ይቐጽል ወይስ ይሰረዝ?’ ዝብል ውሳነ ንኽህብ’ውን ከምዝተሓተተ ተዛሪቡ።

እንተኾነ "ጉዳይና ናብ ቦርድ ምርጫ ክምለስ የብሉን። ቤት ፍርዲ ፍትሓዊ ዝበሎ ውሳነ ይሃበና’ ብዝብል ናብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ኣመልኪትና” ኢሉ።

ቦርድ ምርጫ ብወገኑ “እቲ ውድብ ክስረዝ ኣለዎ” ኣብ ዝብል መርገጺ ብምጽናዕ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ሕቶ ይግባይ ከምዘቕረበ ዘረድአ ኣይተ ሮበሌ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ንሕቶ እቲ ቦርድ ውድቂ ብምግባር ንጥርዓን እቲ ውድብ ምስምዑን ውሳንኡ ናብቲ ቦርድ ከምዘእተወን ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን ከኣ ንውሳነ እቲ ቦርድ ይጽበይ ከምዘሎ ገሊጹ።

ውድብ ስርዓት ገዳ መን’ዩ?

ኣብ 1995 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ እዋናት ምርጫ ኢትዮጵያ ተሳቲፉ’ዩ። ብ1997 ኣ.ኢ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ መንበር ረኺቡ ምንባሩ ኣይተ ሮበሌ ይዛረብ።

“ዕላማና ስርዓት ገዳ [ኣብ ኦሮሞ ንነዊሕ እዋናት ዝቐጸለ ባህላዊ ስርዓት] ምህናጽ’ዩ” ዝብል እቲ ፕረዚደንት፡ ብመሰረት ስርዓት ገዳ ምርጫ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ጊዜ ንኽካየድን ስልጣን ኣብ ሸሞንተ ዓመት ንኽግደብን ድልየት ከምዘለዎም ይገልጽ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ውድብ፡ ኣብ ስርዓተ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ብኮንፌደሬሽን ክጥመር ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከም ዘለዎ ይገልጽ።