ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብስልኪ ዘትዮም

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ዘጋጥም ዘሎ ዘይምርግጋእ ንሃገሩ ከምዘሻቐላ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹሉ።

ንሱ ትማሊ ሰኑይ ምስ'ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ስግኣት ድሕነትን ኣልዒሉ ከምዝዘተየ ተፈሊጡ።

ኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ነቲ ዘተ ኣምልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናበኣሰ ዝመጽአ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ንሃገሩ ከምዘሻቐላ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩሉ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ እናሰፍሐ ዝኸደ ስግኣት ጥምየትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ድሕነትን ካብ ሞንጎ ዘተሓሳስብዎም ነገራት ከምዝኾኑ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ተዛሪብዎ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከኣ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጽኡን ምሉእ ብምሉእ ነዚ ምርግጋጽ ብዝከኣለሉ መገዲ ክፍጸምን ብጥብቂ ሓቲቱ።

ብሊንከን ትማሊ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ “ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ነቲ ኣብ ትግራይ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ንዝፍጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ንኽጋደድ ተራ ኣለዎም” ክብል እቲ ኣፈኛ ኣመልኪቱ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ንኽምርምሩ ንዝተበጽሐ ምርድዳእ ዝነኣድ ውሳነ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

“ገበናት ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ኮይኖም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ” ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ብትሪ ከምዝተዛረበ ወሃቢ ቓል እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣዘኻኺሩ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝተገበረ ናይ ስልኪ ዝርርብ ብዝምልከት ዝተወሃበ መግለጺ የለን።

ነቲ ቅድሚ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ጎንጺ ከምዝተሳተፈ ብምሕባር ንኽወጽእ ክሓታ ምጽንሐን ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኵናት፡ ብዙሓት ሰባት ንጥሜት ተቃሊዖም ከምዘው'ዩ ዝግለጽ።

ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ፡ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዩም ከምዘሎ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተመዛቢሎም ከምዘለው ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

ኣመዓባብላ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።

በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ።

ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።

እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።