ቅልውላዉ ትግራይ፡ ብሚልዮናት ዝግመት ሃብቲ ወተሃደራዊ መኮንናትን ሰበስልጣንን ነበር ተኣጊዱ

ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ክጥቀመሉ ይኽእል ነይሩ ዝበሎ ልዕሊ 6.7 ቢልዮን ብር ከይንቀሳቐስ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ'ዚ፡ ናይ ህወሓት'ዩ ዝተባህለ ልዕሊ 97.5 ሚልዮን ብር ክውረስ (ክህገር) ንዝምልከቶ ኣካል ጠለብ ኣቕሪቡ ምህላዉ ገሊጹ።

"ሓይልታት ህወሓት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ እቲ ጉጅለ ዝቆጻጸሮም ዝነበረ፡ ገንዘብን ንብረትን ንዘይሕጋዊ ዕላማ ክጥቀመሎም ይኽእል'ዩ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ትካላት" ካብቶም ተኣጊዶም ዘለዉ'ዮም።

ብ3 ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብ4 ሕዳር ኣብ ልዕሊኦም ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ እቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ብዓወት ከምዝተዘዘመ'ኳ ገሊጹ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ "ግንባራት" ውግእ ይቕጽል ምህላዉ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሰራዊት ፈደራል ክእመንሉ ዝጸንሑ'ዩ።

እቲ ናይ ምእጋድ ስጉምቲ፡ "ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም ናይ ዝተባህሉ ወተሃደራዊ መኮንናትን፡ ካልኦት ሰበስልጣንን ሃብቲ" ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ።

እቲ መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ ካብቶም "ቀንዲ ጥርጡራት" ዝተባህሉ መኮንናትን ሰበስልጣንን ነበር፡ ልዕሊ 57 ሚልዮን ብር ተታሒዙ'ሎ። "ካብ ዝገዝእዎ ሼር [ብርክታት] ድማ 10 ሚልዮን ተረኺቡ'ሎ" ክብል ይጠቀስ።

እተን ኣብ 2019 ተጸዋዕነተን (ተሓታትነተን) ናብቲ በቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝፈረሰ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዝተሰጋገራ ኩባንያታት ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት)፡ ዒላማ ናይቲ ናይ ምህጋር ስጉምቲ ከምዝኾና እቲ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ'ሎ።

ልዕሊ 3.7 ቢልዮን ብር ጥረ ገንዘብን፡ ካልእ ሼር (ብርኪ) ዝተገዝኣሉ ኣስታት 420 ሚልዮን ብር ዝግመት ሃብቲን ናይተን ትካላት ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተኣጊዱ (ደስኪሉ) ኣሎ።

እተን ብህወሓት ዝተመስረታን፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ውድብ ነበር ዝመሓደራ ዝነበራን ዓበይቲ ቁጠባን ንግዳውን ትካላት፡ ኣብ 2019 ብ'ንዶውመንት' መልክዕ ተመዓራርየን፡ ተሓታትነትን ንባይቶ ክኸውን ምግባሩ ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ እተን ትካላት ዝግበር ዘሎ ናይ "ገበን" መርመራ ተወዲኡ፡ ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክሳብ ዝህበሉ፡ ትካላት ትእምት (EFFORT) ብቤት ፍርዲ ብዝተመዘዘ ናይ ሓደራ ቦርድ እናተመርሓ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ኮይነን ንጥፈታተን ከካይዳ ይግበር ከምዘሎ እቲ ኣኽባር ሕጊ ኣነጺሩ።

ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እተን ትካላት "ናይ ህዝቢ" ስለዝኾና፡ ዝመሓደራሉ ቅርጺ ተመሓይሹ ካብ እገዳ ቤት ፍርዲ ክወጻ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም ነይሮም።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣብ "ትሕቲ ምቁጽጻር መራሕቲ ህወሓት" ዝነበራ ዝበለን፡ ሲቪላውያን ማሕበራት ብዝተኻየደ መርመራ፡ 400 ሚልዮን ብር ገንዘብን፡ 5 ሚልዮን ብር ዝግመት ሼር (ብርክን) ከምዝረኸበለን ብምግላጽ፡ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝደስከለን ብናጻ ኣካል ክመሓደራንከምዝገበረን ተዛሪቡ። ይኹን እምበር፡ እተን ማሕበራት ኣየኖት ምዃነን ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ኣቐዲሙ፡ ብቤት ፍርዲ ደስኪሉ ዝነበረ፡ ናይ ህወሓት'ዩ ዝተባህለ 97 ሚልዮን ብር ጥረ ገንዘብ፡ ንዝነበሮ ዕዳ ሸፊኑ፡ እቲ ዝተረፈ፡ ንመጎሳጎሲ ምርጫ ክውዕል ንቦርድ ምርጫ'ታ ሃገር ከምዝተዋህበ ተገሊጹ።

ኣብቲ ክልል ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ፓርላማ ኢትዮጵያ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምፍራስ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር። ውድብ ህወሓት'ውን ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ተኣጊዱ'ዩ።

ኣብ ዝቐጸሉ እዋናት ድማ፡ ሓያሎ መራሕቲ ህወሓትን፡ ሰበስልጣን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝነበሩ ውልቀሰባት፡ ከምኡ'ውን ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ፈደራል ትእዛዝ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ሓያሎ መራሕቲ ህወሓትን ወተሃደራዊ መኮንናትን ምስቲ ኣብቲ ክልል ዝተወልዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉን ይፍለጥ። ገለ ካብቶም ፍሉጣት መራሕቲ ናይቲ ውድብ ከምዝተቐትሉ'ውን ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ፖለቲካዊን ሕገመንስታውን ምትፍናን፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ምምርሑ ይዝከር።

እቲ ግጭት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓልን ዕንወት ኣውሪዱ ምህላዉን፡ ትካላት ትእምት ግዳያት ናይቲ ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ምዃነን ሰብመዚን ሰራሕተኛታትንን ይዛረቡ።