እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዘይበልክዎ ጸብጺበን ዝበሎ እንታይ እዩ?
ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደሩ ምስ ሹም ኢታማጆር ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሀኑ ጁላ ዝዘተየሉ ዛዕባ ኣመልኪተን ዝጸብጸብኦ ግጉይ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዚ ሰሙን ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሹም ኢታማጆር ኢትዮጵያ ተራኺቦም ዘትዮም ነይሮም።
እቲ ኤምባሲ ትማሊ ነቲ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣየኖት ምዃነን ዘየነጸረን መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣምባሳደር ኣልስተር ማክፌል ምስ'ቲ ጀነራል ኣብዚ ሰሙን ንዝገበሮ ዘተ ብልክዕ ከም ዘይገጽኦ ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ብሮካስቲን ኮርፖሬትን ፋናን ዝርከብዎም መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ረኺበዮ ዝበልኦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣልስተር ማክፌል ምስ ሹም ኢታማጆር ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዙርያ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃን እቲ ዞባን ምዝታዮም ጸብጺበን።
ብኻልእ ሸነኽ ኣምባሳደር ኣልስተር፡ "ብሪጣንያ ነቲ ካብ 2020 ጀሚራ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነበራ ርክብ ከም ብሓድሽ ብምግምጋም ዝጀመረቶ ዝምድና መትከላዊ ኮይኑ ንክቕጽል ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ዓቢይ ግደ ኣለዎ ኢሉ" ብምባል ጸብጺበን።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ኣምባሳደር፡ "እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ልዕልነት ሕጊ እታ ሃገር ንኽረጋገጽን ድሕነትን ሰላምን እቲ ዞባ ክሕሎን ሓጊዙ'ዩ" ምባሉ ይነግር።
ይኹን'ምበር ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሚድያታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ ዘተ እቲ ኣምባሳደርን እቲ ጀነራልን ኣመልኪተን ዘውጽእኦ ሓበሬታ ልክዕ ኣይኮነን ኢሉ።
ኣብቲ ዘተ ኣምባሳደር ኣልስተር፡ ሃገሩ በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ዘለዋ ቀጻሊ ሻቕሎት ንሹም ኢታማጆር እታ ሃገር ከም ዝገለጸሉ ከብርህ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ኣልስተር ማክፌል ኣብቲ ዘተ፡ "ኣድላይነት ፖለቲካዊ መፍትሒ፡ ተጻብኦታት ደው ምባል፡ ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝምልከት ኣተኲሩ ነቲ ጀነራል ከም ዝገለጸሉ ሓቢሩ" ይብል።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣማስይኡ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ይቕሬታ ብምሕታት መኣረምታ ገይሩሉ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ'ውን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ብዛዕባ ዘካይድዎ ዘተ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ዘቕርብኦ ጸብጻብን፡ በቲ ካልእ ወገን ዝወጽእ ሓበሬታን ዘይሳነ እናኮነ ነቐፌታ ክቐርበለን ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትና ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ክስታት ዝተሰንዑ ክብል እኳ እንተነጸጎም፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ግና ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ኣኽሱም ዘስካሕክሕ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዝሓበርዎን እቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣሚቱ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ኤርትራ ነቲ ክሲ "ግጉይ" ክትብል ነጺጋቶ እያ።
እቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ መንግስታዊ ጋዜጣ ሄራልድ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ጉጅለ ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ ዩኤስኤይድ ናብ ኣኽሱም ብምኻድ ነቲ ክስታት ከም ዝመርመሮን ዋላ ሓደ መቓብር ኮነ ቤተሰብ ናይቶም ብጅምላ ተቐቲሎም ዝተባህሉ ግዳያት ኣይረኸበን ክብል ጸብጺቡ።
ዩኤስኤይድ ግና ኣብ ኣኽሱም ዝገበሮ መርመራ ከም ዘየለ ብምግላጽ፡ ናብታ ከተማ ዝለኣኾ ጉጅለ መርመራ ከም ዘየለ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።