እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ ከተማ ሽረ 'ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ተፈናቐልቲ ከምዝተኣሰሩ' ተገሊጹ
ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም፡ ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓቚቦም ካብ ዝነበሩ ተፈናቐልቲ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተወሲዶም ከምዝተኣሰሩ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡
እቶም ወተሃደራት ትማሊ ከባቢ ሰዓት 4 ምሸት ብኣቆጻጽራ ግእዝ እዮም፡ ናብ ቀጽሪ እቶም ስደተኛታት ዝተዓቖቡሎም ኣብያተ ትምህርቲ ብፍላይ ጸሃየን ወንፊቶን ብምእታው ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ወሲዶምዎም ክብሉ እቶም መሰኻኽር ተዛሪቦም፡፡
እቶም ወተሃደራት ናብቶም መዕቆቢታት ብምእታው ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ከካብ ዝነብሩሉ ክፍሊታት እናውጽኡ ንገሊኦም ብመካይን ንገሊኦም ድማ ብእግሮም ኣሰሊፎም ከምዝወሰዱዎም ብምግላጽ፡ ነቶም ስደተኛታት ይቕጥቅጡዎም ከምዝነበሩ እቶም መሰኻኽር ሓቢሮም፡፡
እንተኾነ ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ተፈናቐልቲ ናይ ምእሳር "ተግባር ክፍጽም ዘይክእል" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቶም ጸብጻባት "ዝተፋሕሰ" ክብል ገሊጽዎም።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ኮለኔል ጌትነት ኣዳነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ''መከላኸሊ [ሰራዊት] ብታሪኽ ከምኡ ኣይገብርን፡ ሓበሬታ ይኹን ዜና የለን፡፡ ክኾነሉ ዝኽእል ኣገባብ እውን የለን፤ እንታይ ደልዩ እዩ ከምኡ ዝገብር?'' ብምባል ነቲ ክሲ ነጺግዎ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ ዘዘራረብናዮም ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣረጋዊ ብወገኖም፡ በዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ሎሚ ንጉሆ ሓበሬታ ከምዝበጸሖ ብምሕባር ‘‘እቲ ኩነታት ንምንታይ ከምዝኾነ እናረጋገጽኩ እየ’’ ኢሉ፡፡
‘‘ኣብ ከባቢና ከብ ዘለዉ ሓደ ሓደ ዘይመንግስታዊ ትካላትን (NGO) ሓደ ሓደ ሰባትን ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ’’ ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣድላዪ ምስትኽኻል ክግበር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክንዘራረብ ኢና ኢሉ፡፡
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ሕዳር፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስትን ዝተልዓለ ኲናት፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ዜጋታት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን እንትስደዱ፡ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ሰፊሮም ከምዘለዉ ጸብጻብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ የመልክት፡፡
ወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጎኖም ኮይኖም ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ኤርትራን ኣብቲ ክልል ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቡዎም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም፡፡
ኤርትራ ነቲ ብወታሃደራታ ተፈጺሙ ዝበሃል ጥሕሰታት ብዝተፈላለየ መገዲ ክትነጽጎ ምጽናሓ ይዝከር፡፡
ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ሽረ እንታይ ኣጋጢሙ?
ወ/ሮ ለምለም ካብቶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ምዉቕ ገዝኦም ገዲፎም ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ጸሃየ ተዓቚቦም ዝርከቡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሓንቲ እየን፡፡ እቶም ወተሃደራት ምሸት ከባቢ ሰዓት 4፡30 ከምዝመጹ ዝገልጻ እዘን ወላዲት ‘‘ኣነ ንባዕለይ ሰለስተ ከብደይ ወሲዶምለይ፤ መዓት መንእሰይ እዩ ተገፊፉ’’ ብምባል 25፣ 23ን 18ን ዝዕድሚኦም ሰለስተ ደቀን ከምዝተወሰዱ ንቢቢሲ ተዛሪበን፡፡
እቶም ወተሃደራት ኣባላት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝኾኑ ዝገልጻ ወ/ሮ ለምለም ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ፈልዮም ከምዝወሰዱ ገሊጸን፡፡
‘‘ንዓይነ ስዉራን ከይተረፈ ቀጥቂጦምዎም፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣይንደልን፡ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ኢሎም ብሸውዓተ መኪና ዝኸውን ወሲዶምዎም፡፡ ተመሊሶም ድማ ብእግሪ እናኾከቡ ብዙሕ መንእሰይ ወሲዶም’’ ኢለን፡፡
ምኽንያት መእሰሪ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ብዝምልት ድማ ‘‘ ዝተዛረበና የለን፡ እናእወና ኢና ሓዲርና’’ ኢለን፡፡
ወዲ 78 ዓመት በዓል ገዝአን ዝተኣሰሩወን ካልእ ሽመን ክጥቀስ ዘይደለያ፡ ካብ ዳንሻ ተፈናቒለን ዝመጻ ወላዲት ድማ፡ ትማሊ ምሸት ወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ ዝነበሩሉ ቤት ትምህርቲ ጸሃየ ከምዝወሰዱዎምን፡ ጉና ኣብ ዝበሃል መኽዘን ተኣሲሮም ከምዘለዉን ተዛሪበን፡፡
‘‘ንምንታይ ከምዝወሰዱዎም ንምሕታት ሎሚ ናብ ቀይሕ መስቀል ኬድና ኔርና፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝረኸቡና ሰራዊት ምክልኻል፡ ባዕልና ኢና ወሲድናዮም፡፡ ኣብዚ ፎቶ ተሳኢልኩም እተምጽእዎ ነገር የለን፡፡ ባዕልና ምስ ዓበይቲ ዓዲ ኮይንና መሚና ክንሰዶም ኢና፡፡ ኣይትምጽኡ ኢሎምና’’ ኢለን፡፡
‘‘ናብ 500 ዝኸውን ሰብ እዮም ወሲዶም፤ መንእሰይ ይኹን ዓብዪ እናተወቐዐ እዩ ተወሲዱ፡፡ ብዙሕ ሰብ እዩ ተወቒዑ፡፡’’
ኣብ ካልእ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝኾነ ወንፊቶ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ግፋ ከምዝተኻየደ ንድሕነቱ ክንብል ሽሙ ዘይንጠቕሶ ምስክር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሩ፡፡
‘‘መካይን መጺአን ንቐጽሪ እቲ መዕቆቢ ከቢቦምዎ፡፡ ኣኪቦምና፡ ንገሊኦም ብበትሪ ወቒዖምዎም፡፡ ነቶም ጥዑያት ኩሎም ወሲዶምዎም፡፡ ኣብቲ ቀጽሪ ክልተ ሰባት ኢና ተሪፍና፡፡ ንሕና ድማ ኣካለ ጉዱኣት ስለዝኾንና’’ እዩ ኢሉ፡፡
ቁጽሪ እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ክንደይ ከምዝኾኑ ብትኽክል ከምዘይተፈለጠ ዝገልጽ እዚ ምስክር ዓይኒ፡ እቶም ወታሃደራት ብበትሪ ይወቕዑ ስለዝነበሩ ደፊሩ ንምንታይ ኢሉ ዝሓተቶም ሰብ ከምዘይነበረ ሓቢሩ፡፡
‘‘ይዕበ ይንኣስ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ወሲዶም፤ ኣነ ተሓቢአ ተሪፈ’’ ዝብሉ ወዲ ስሳ ዓመት ተፈናቓሊ ኣይተ ዘርኣይ ሓጎስ ብግዲኦም፡ ተመሊሶም ከይመጹ ብዝብል ስግኣት ሸሞንተ ኣባላት ስድረኦም ሒዞም ካብቲ ዝነበሩዎ መዓስከር ይወጹ ከምዘለዉ ተዛሪቦም፡፡ ሓደ ወዲ 70 ዓመትን ካልኦት ልዕሊ 50 ዕድሚኦም ዝፈልጡዎም ሰባት ተወሲዶም ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዝገለጹ እዞም ወላዲ፡ ዝዓርፉሉ ቦታ ክደልዩ ከምዝኾኑ ሓቢሮም፡፡
ሰበስልጣን መንግስትን ሚኒስትሪ ምክልኻልን እንታይ ይብሉ?
ኣብ ከተማ ሽረ 16 መዕቆቢ ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝገልጽ ጊዝያዊ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዶ/ር ቴድሮስ ኣረጋይ፡ ‘‘ኣብ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቚቦም ዝነበሩ ተፈናቐልቲ ምሸት ከምዝተወሰዱ ሓበሬታ ኣለኒ’’ ኢሉ፡፡
‘‘ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተዘራሪብና ምስ ዲስፕሊን ዝተተሓሓዘ እንተኾኑ ወይ ዘይምርድዳእ ዝተተሓሓዘ እንተኾይኑ ክፍትሑ እዮም’’ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ቁጽሪ እቶም ዝተኣሰሩ ክንደይ ከምዝኾኑ ከምዘይፈልጥን ኣብዚ ጉዳይ ምስቲ ንጸጥታ ናይቲ ክልል ዘመሓደር 'ኮማንድፖስት' ክዘራረብ ምዃኑን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ጉዳይ መእሰርቲ እቶም ተፈናቐልቲ ኣመልኪትና ዝሓተትናዮ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ፡ ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ እቲ ሓበሬታ ‘ዝተፋሕሰ’ እዩ ክብል ገሊጹ፡፡
‘‘ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ፈጺሙ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክፍጽም ዘይክእል፡ ሰላም ብምኽባር ኣብ ዓለም ናይ ቀዳማነት ደረጃ ሒዙ ዝቕጽል ምዃኑ ጥራሕ እዩ’’ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ስኑዓት ሓበሬታታት ስለዝበዝሑ ንሕድሕድ መልሲ ንምሃብ እኳ ከምዝተጸገመን እቲ ሰራዊት ተፈናቐልቲ ንምእሳር ምኽንያት ከምዘይብሉን ኣፍሊጡ፡፡
‘‘መከላኸሊ ብታሪኽ ከምኡ ኣይገብርን፡ ሓበሬታ ይኹን ዜና የለን፡፡ ክኾነሉ ዝኽእል ኣገባብ እውን የለን፤ እንታይ ደልዩ እዩ ከምኡ ዝገብር?’’ ብምባል ነቲ ክሲ ነጺግዎ፡፡