እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ: ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ካብ መዝነቱ ወሪዱ
ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጣየሰ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ዶክተር ሙሉ ነጋ ክትክኦ ተመዚዙ።
ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክመርሕ ከምዝተሸመ ኣረጋጊፁ።
እዚ ሓድሽ ሹመት፡ ኣብቲ ሎሚ ዝሳለጥ ኣኼባ ባይቶ እታ ሃገር ምስ ፀደቐ፡ ተግባራዊ ከምዝኸውን ምንጭታት ቢቢሲ ገሊፆም።
ዶ/ር ሙሉ ነጋ ስለምንታይ ብዶ/ር ኣብርሃም ክቕየር ከምዝተደልየ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዕላዊ ገጽ ፌስቡክ ከምዝፍለጦ፤ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ ቦታ ተመሊሱ፡ ድኤታ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን'ታ ሃገር ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
ኣካቢ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ሰልፊ ብልፅግና ትግራይ ዝኾነ ዶክተር ኣብርሃም፡ ካብ 2010 ዓ.ም ክሳብ ነዚ ሓድሽ ሹመት ዝወሃቦ፡ ሚኒስተር ሳይንስን ኢኖቨሽንን ፌደራል ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ'ዩ።
ዶክተር ኣብርሃም ብተወሳኺ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነታት ኣገልጊሉ'ዩ። በዓልመዚ ኮሚዩኒኬሽን፣ ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ፣ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ጉሩፕ [ሜቴክ ዝነበረ]፣ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፣ ኣካቢ ቦርድ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ፣ በዓልመዚ መገድታት ኢትዮጵያን ኣባል ቦርድ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያን ካብ ሞንጎ'ቶም ዝሰርሓሎም ይጥቀሱ።
ንሱ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ኣብ ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ቢሾፍቱ ብኤሌክትሪካል ኢንጂነሪንግ፣ ካልኣይ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብኤሌክትሪካል ኮምፒዩተር ኢንጂነሪንግ፣ ሳልሳይ ዲግሪ (ፒኤችዲ) ኣብ ፊሊፒንስ ካብ ብሉካን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ብቢዝነስ ኣድምንስትሬሽን ከምዝተመረቐ ይፍለጥ።
ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ምስ ፈረሰ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስረት ከምዝወሰነ ይዝከር።
ኣባል መሪሕነት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመስረተ ቤት ጽሕፈት ብልፅግና ትግራይ ዝነበረን ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ኮይኑ ከገልግል ዝፀንሐን ዶ/ር ሙሉ ነጋ፡ ካብ 13 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ከም ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኮይኑ ኣገልጊሉ።
እንተኾነ ግን፡ ነቲ ዛጊት ካብ ኲናት ዘይወጸን ኣብ ከቢድ ቅልውላዉ ኣትዩ ዘሎን ክልል ንምምሕዳርን ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።